ኢኮኖሚ ንምዕባይ ሕርሻ ምዝማን

ሓንቲ ሃገር ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ክህልውዋ ይኽእሉ ‘ዮም:: ኢኮኖሚያዊ ፀገማታ ድማ ብተፈላላዩ መንገድታት ከትፈትሕ ትኽእል ‘ያ:: እቲ ሓደ ሕርሻ ብምዝማን ክኸውን ይኽእል ‘ዩ:: ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ‘ዩ:: ትግራይ ‘ውን ክፋል ናይታ ሃገር ከም ምዃና መጠን ሓንቲ ናይዚ ተፀላዊት ‘ያ::

እዞም ብዙሓት ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ብተወሰነ ደረጃ ክፍትሑ ዝኽእሉ ሕርሻ ብምዝማን ‘ዩ:: ብፍላይ እቲ ቐንዲ ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ሃገርና ዝኾነ ሐርሻ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ:: እዚ ክዝምን ኣለዎ:: መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ብሕርሻ ስለ ዝናበር ኣብዚ ዘፈር እዚ አሐይልካ ምስራሕ የድሊ::

ከምዝፍለጥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ባህላዊ ኣሳራርሓ ፅግዕተኛ ኮይንካ ምስራሕ ‘ዩ ዘሎ:: ኣብ ባህላዊ ፅግተኛ ኮይንካ ምንባር ዘዋፅእ ከምዘይኮነ ንዘመናት ዝተራእየ ጉዳይ ‘ዩ:: ብኸምዚ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ኣይከኣልን:: ግዴታ ናብ ዘመናውነት ከንሰጋገር ኣለና:: መንግስቲ ምህርቲ ሕርሻ ንምድንፋዕ ብትኹረት እንተዘይሰሪሑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ክነብር ይኽእል ‘ዩ::

በርግፅ ሕዚ ዝሓሸ ምንቕስቓሳት ኣለዉ ኮይኑ ግና እኹል ‘ዩ ዝብል እመነት የብለይን:: ሕርሻ ብሳይነስ ዝተደገፈ ክኸውን ኣለዎ:: እቲ ሓረስታይ እኹል ትምህርቲን እታዎታትን ክረክብ ይግባእ:: ስኽ ኢልካ መዳበርያ ምቕራብ እኹል ኣይኮነን:: ኣብ ወረዳ ዓድዋ ኣብ በጀት ዓመት 2016/17 ምህርቲ ንምድንፋዕ ብሓገዝ ግሪን ኢትዮጵያ 246.5 ኩንታል መዳበርያ ን493 መራሕቲ ስድራን ስድራ ስውኣት ደቂ-ኣንስትዮን ሓገዝ ከምዝተገበረ ተገሊፁ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት ‘ውን ሓቢሮም ክኸዱ ኣለዎም:: ስልጠና ‘ውን ክወሃብ ኣለዎ::

ናይ እታዎታት ፀገም ዘለዎ ወይ ዓቅሚ ዘይብሉ ሓረስታይ ክድገፍ ኣለዎ:: ሕዚ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ዝተወሰነ ሰላም ኣሎ:: ነዚ ሰላም እዚ ብዝግባእ ከንጥቐመሉ ኣለና:: ብዙሕ ሓረስታይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መሬቱ ሰኣን መዳበርያ እቶት ከይሃበ ተሪፉ ‘ዩ:: ካብዚ ዝተለዓለ ብዙሕ ሓረስታይ ናይ ምግቢ ሕፅረት ኣጋጢምዎ ኣብ ፀገም ወዲቑ ‘ዩ:: ነዚ ዘከሓሕስ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ:: እቲ ሓረስታይ ሓገዝ ብምሃብ ካብቲ ኣቲዎ ዝነበረ ፀገም ክወፅእ ዘመናዊ ኣካይዳ ብምኽታል ዝተዋደደ ስራሕ ምስራሕ የድሊ::

ብሉፃት ስራሕቲ ብምስፋሕን ኩሎም እታዎታት ብምጥቃምን ኣብ ባይታ ለዋጢ ንምምፃእ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ብዝተዋደደ መንገዲ ንሓረስታይ ክድግፉ ይግባእ። ለውጢ ኣምፂእና ኢና ከንብል እንተኾይና ብኢኮኖሚያዊ ዝዓገበ ማሕበረሰብ እንተፈጢርና ጥራሕ ‘ዩ።

ኣብ ምትእትታውን ምጥቃምን ፓኬጅ ሕርሻ፣ ብሕብረት ስራሕ ማሕበር፣ መደበርያ ኣብ ሰዓቱ ክባፃሕ ኣብ ምግባር፣ ስርዓት ኤክስቴንሽን ምዕባይ፣ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምጥንኻር ኣብ መስተ ማይን ዝረአዩ ፀገማት ንክፍትሑ መሓውርካ ዘርጊሕኻ ኣድማዒ ስራሕ ምስራሕ የድሊ:: ህዝቢ ትግራይ ብኢኮኖሚ ዓርሱ ክኽእል ወይ ካብ ተፀባይነት ረዲኤት ንምውፃእ፣ ኩሎም እታዎታት ሕርሻ ብምጥቃምን ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ሃፍተ ገነት ብምልላይን ተረባሒ ክኸውን አሐይልካ ምስራሕ የድሊ::

ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቁ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን መሊኡ ኣይወፀን፤ ብፍላይ ሎሚዘበን ናይ ምፍራይ ዓቅሙ ክብ ክብል እንተዘይክኢሉ ካብቲ ፀገም ከምልጥ ኣይኽእልን:: መፍረያይነት ክብ ንምባል ድማ መዳበርያ ብእዋኑ ምዕዳል ሓደ ካብቶም ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት ‘ዩ::

ሎሚዘበን ምክፍፋል መዳበርያ ዝሓሸ ‘ዩ ዘሎ:: ከም ዝሓለፈ ዓመት ኣይኮነን:: ሓረስታይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ነጋዳይ ብክባር ዋጋ እናዓደገ ኣብ ከቢድ ክሳራ ‘ዩ ነይሩ። ሎሚ ግና መንግስቲ ብተመጣጣኒ ዋጋ እናቕረበ ‘ዩ ዘሎ:: ኮይኑ ግና እዚ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን:: እኹል ሙሩፅ ዘርኢ መንግስቲ ከቕርብ ኣለዎ::

ካሊእ ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ቖላሕታ ዘድልዮ ድማ መሬት ብውሕጅን ንፋስን ተፀሪጉ ከይውዳእ ብተኽሊ ምሽፋን የድሊ:: ብፍላይ ምስቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ኩናት መሬት ትግራይ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ፤ ልምዑነቱ ስኢኑ ‘ዩ:: በዚ ምኽንያት ድማ ዓቅሚ መፍረያይነት ኣዝዩ ቐኒሱ ‘ዩ::

ምትካል ፈልሲ ክበሃል እንተሎ ድማ ስኽ ኢልካ ምትካል ዘይኮነስ ኣየናይ ቦታ ነየናይ ተኽሊ ክስማዕማዕ ይኽእል ብምባል ብፅንዓት ብዝተሓገዘ ክኸውን ይግባእ:: እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝህቡ ፈልስታት ኣቐዲምካ ምድላው የድሊ:: ብፍላይ ድማ ልዑል ጥቕሚ ዝህቡ ክኾኑ ኣለዎም:: ፍራምረን መፍረያይነትን ንምዕባይ ዝሕግዙ ክኾኑ ኣለዎም:: ማለት ንግልጋሎት ምግብነት ዝውዕሉ ፍራምረ ብፍላይ ኣቮካዶ፣ ሙዝ፣ ተምሪ፣ ፓፓዮ፣ ማንጎን ካልኦትን ዝመሳሰሉ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ::

ብሓፈሻ ቑጠባዊ ዓቅምና ንምዕባይ ኣብ ሕርሻ ቖላሕታ ሂብና ከንሰርሕ ይግበአና:: ሕርሻና ብምዝማን እንተዘይ ዓብዩን ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ከምዘይከኣል ግልፂ ‘ዩ:: ስለዚ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈለየ መልክዑ ህዝቢ ምግቢ ውሕስንኡ ክረጋገፅ እንተኮይኑ ናይ መፍረያይነት ዓቕምና ክብ ክብል ኣለዎ::

ብኸምዚ ካብ ተፀባይነት ምግቢ ከንወፅእ ንኽእል ኢና:: ሕርሻ ብምዝማን ኣብ ሓፂር እዋን ለውጢ ክመፅእ ስለ ዝኽእል ካብ ኢኮኖሚያዊ ቑልውላው ከንወፅእ ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ:: ስለዚ ኣብ ሕርሻ ዓብዪ ቖላሕታ ሂብካ ምስራሕ ካብቶም ቐንዲ ኢኮኖሚያዊ ፀገም መፍትሒ ዝበሃሉ ዘፈራት ሓደ ‘ዩ::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You