ኣሸንዳ ንሰላምን ዕቤት ቱሪዝምን

ሃገርና ብታሪኻዊ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ፀጋታት ሃፍታም ከምዝኾነት ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፍላይ ከም ኣሸንዳ፣ መስቀል፣ጥምቀት ዝኣምሰሉ ኣብ ኣዳባባይ ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ህዝባዊን በዓላት ፍቅሪ፣ ሰላም፣ ሓድነትን ምትሕብባርን ንህዝብን ሃገርን ብዙሕ ረብሓ ዝህቡ ፍፃመታት ዝኽወነሎም ‘ዮም።

ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዝተረጋግዐ ሰላም ምስ ዝህልው በዓል ካብ ምኽባር ብዝሓለፈ እቲ በዓል ፍልፍል ቱሪዝም በሙዃን ነቲ ህዝብን ዓድን ብኣወንታዊ ገፅ ንዓለም ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ፍልፍል ኢኮኖሚዊ ረብሓ ብሙዃን ንማሕበረሰብ ይኹን ነታ ሃገር ተጠቃሚ ዝገብር ‘ዩ።

ገለ ናይቲ ዓውዲ ሰብ ሞያ ከምዝገልፅዎ፤ ኣብ መንጎ ቱሪዝምን ባህልን ዘሎ ምትሕብባርን ዝምድናን ክልቲኦም ዓውድታትን ሕድሕዳዊ ፅግዕተኛነት ዘጉልሕ ‘ዩ። እዚ ማለት እቲ ሓደ ኣብቲ ካሊእ ፅግዕተኛ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘርኢ። በዚ ምኽንያት ‘ውን ባህላዊ ቱሪዝም ሎሚ ኣብ ዓለምለኸ ቱሪዝም ዓቢዪ ተራ ከምዘለዎ ‘ዩ ዝግለፅ። ከምኡ ‘ውን ብተመሳሳሊ ሰላምን ቱሪዝምን ዘይነፃፀሉ ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፃት ‘ዮም ምባል ይክኣል።

ኩሉ ከምዝፈልጦ ብዘይሰላም ቱሪዝም ክሕሰብ ኣይኽእልን ‘ዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሃዋፂ ናይ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ናይ ደገ ቅድሚ ናብ ሓደ ቦታ ክኸይድ ምውሳኑ ናብ ኣእምሩኡ ዝመፅእ እቲ ዝኸደሉ ቦታ ሰላም ኣለዎዶ ኢሉ ከይሓተተ ንምጉብናይ ኣይውስንን። ሰለዚ ኣሸንዳን ከም ኣሸንዳን ዝበሉ ባህላዊን ሃይማኖታውን በዓላት ከምኡ ‘ውን ስላምን ቱሪዝምን በቀጥታ ይኹኑ ብተዘዋዋሪ ተዛምድቲ ‘ዮም ምባል ይክኣል።

በዚ መሰረት ኣብ ሃገረና ዝኽበሩ ዝተፈላለዩ በዓላት ብዝድለይ ድምቀት ንምኽባር ብመሰረታዊነት ሰላም ኣድላይ ‘ዩ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገረና ብፍላይ ከዓ ኣብ መላእ ትግራይ ብስፍሓትን ብደምቀትን ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ብዋናነት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ናይ ኣዋልድ ደቂ ኣሸንዳ እንተኾነን ኣብዝሓ ኣብ ትግራይ ዘለው ማሕበረሰባት በቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተቋደስቲን ተረባሕትን ናይቲ በዓል ‘ዮም ምባል ይከኣል።

እዚ በዓል ኣብ ዓለም ካብ ተመሳሰልቲ ፌሰቲቫላት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ፍሉይ ትሕዝቶ፣ታሪክ፣ ዕድመ፣ ኣድማሳውነት፣ ድምቀት፣ ትርጉም፣ ክብርታት ወኒኑ ዝክበርን ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ዝስሕብ ዘሎ ኮይኑ፤ እዚ ድማ መስሐብ ቱሪዝም ኣብ ምዕዛዝ ልዑል ተራ ክፃወት ዝኽእል በዓል ‘ዩ።

ካብዚ ብተውሳኺ ኣብዚ በዓል ዝንፀባረቁ መልእኸትታት ዓሚቚ ሃይማኖታውን ባህላውን መሰረት ዘለዎም፣ ብዛዕባ መሰል፣ ማዕርነትን ፍተሕን ደቂ-ኣንስትዮ፣ ዓርሰ-እምነት፣ ተፈጥራዊ ፅባቐ ደቂ- ኣንስትዮ ዝግለፀሉ፣ ባህልን ትውፊትን ዝወራረሰሉን ካልኦት ንህዝብን ሃገርን ልዑል ረብሓ ዘለዎም ፍፃምታት ዘክናወኑሉ በዓል ብምዃኑ፤ ሰላምን ምርድዳእን ንምዕዛዝ ግደ ኣለዎ ‘ዩ።

ሰላም ምስ ዝህልው ድማ በዓላት ብዝድለ ደሚቆም ንክኽበሩ ካብ ዘድለዩ ሓደን ዋናን ‘ዩ። ምኽንያቱ እዚ በዓል እንትኽበር፤ ፍቅሪ፣ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ምትሕብባር፣ ሰናይ ትምኒት፣ ምስጋናን ሙገሳን ዝግለፀሉን ዝንፀባረቐሉን ስለዝኸውን ኣብዚ እዋን ልዕሊ ዅሉ እዋን ‘ውን ቆልዑ፣ መንእሰያት፣ ዓበይትን ኣረጋውያንን ኮታስ ነዚ በዓል ዘኽብር ኩሉ ማሕበረስብ ፍሉይ ናይ ሓጎስ ስምዒት ስለዝፈጥር ሰባት ነኒባዕሎም ናይ ሰናይ ትምኒት ብምግላፅ፣ ምክብባርን ምቅርራብን ስለ ዘረእዩን ምኽባር እቲ በዓል ‘ውን ዓርሱ ሓደ ፍልፍል ሰላም ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ሕዚ ኣብ ትግራይ ተረኺቡ ብዘሎ ኣነፃራዊ ሰላም ፍልፍል ቱሪዝም ክኾኑ ዝኽእሉ በዓላትና ክነቓቕሑ ብምግባር በቲ ኩናት ዝተጎደአ ቁጠባዊወን ኢኮኖሚያውን እቲ ክልልን ሕብረተስብን ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ብትኹረት ምስራሕ ንፅባሕ ዝበሃል ኣይኮንን።

ብፍላይ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ኣዝዮም ጥንታውያን ገዳማት፣ መስጊድ ከምኡ ‘ውን ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ቕርስታት ዘለዋ ክልል ከም ምዃና መጠን እዚኦም በዓላትን ትግራይ ፍልፍል ቱሪዝም ኮይኖም ንዳግማይ ህንፀት ትግራይ ዝህልዎም ኣወንታዊ ግደ ቐሊል ካብ ዘይሙዃኖም ብተወሳኺ፤ በዓል ኣሸንዳ ይኹን ካልኦት በዓላት ትግራይ ሃይማኖታውን ባህላዊን ትውፊታትን ነባሪ ሃፍትና ስለዘኾኑ፤ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፉ ንክኸዱ ጠመተ ተዋሂብዎም ንክስርሐሎም ኩላትና ግደ ስለዘለና ግቡእና ከንዋፃእ ይገባእ።

ክምዝፍለጥ ቅድም ክብል ብኮሮና ተዛሓሒሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ቀፂሉ ‘ውን ብሰንኪ ከቢድ ኩናት ንኣስታት ሰልስተ ዓመታት ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ኢሉ እንተፀንሐ ‘ውን ብስምምዕ ፕሪቶተያ ዝተረኽበ ኣንፃራ ሰላም ከም በዓላት ኣሸንዳ፣ ሓዱሽ ዓመት፣ መስቀል ጥምቀት ዝመሳሰሉ በዓላት ቱሪዝም ከነቓቕሑ ብምግባር ፅቡቅ ዝበረታትዑ ፈተናታት እናተገበሩ መፂኦም ‘ዮም። ‘ቶም ዝተሰርሑ ድማ ብዝበለፀ ክበረታትዑን ክድገፉን ዝግብኡን ተግባራት ‘ውን ‘ዮም።

ድሕሪ እቲ ዝበፅሐ ከቢድ ዕንወት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዙሓት ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓታት ቱሪዝም ንምፍጣር ዝኸብድ እንትኾነ ‘ውን እንተነኣሰ ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ መንግስቲ፣ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ገበርቲ ሰናይን ብፍላይ ተወለድቲ ትግራይ ፈተውቲ ትግራይን ብዝኽኣሎ ዓቅሚ ክረባረብ ኣለዎ።

ከም ፀብፃብ መራኸብቲ ሓፋሽ፤ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ በቲ ኵናት ዝተጎድአ ዓውዲ ቱሪዝምን ኢኮኖሚን እታ ክልል ፀጋታት ቱሪዝም ብምዕቃብን ናብ ረብሓ ብምውዓልን ናብቲ ዝነብሮ ንምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝሓሸ ኢኮኖምያዊ ረብሓ ንምውዓል እቲ ቢሮ ትልምን ኣንፈትን ሒዙ ኣብ መላእ ክተማታት ትግራይ ሰላምን ድሕነንትን ብዝሓለወን ብዝደመቐን መልክዑ ንምኽባር ሰፊሕ ምድላዋት ከምዝተገበረ እናተገለፀ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ነዚ በዓል ንምኽባር ካብ ዝተፈላለዩ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ኣዕጋቢ ኣገልግሎታት ብምሃብ ኣብ ማሕበራዊ ኢኮኖምያዊ ረብሓ ኣብ ምምፃእ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ይግለፅ ‘ዩ። ስለዘኾነ ትግራይ ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ንዝመፅኡ ኣጋይሻ ንምቅባል ምሉእ ምድላዋት ገይራ ከምዘላን ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ኢትዮጵያ ንዘለው ሃወፅቲ መፂኦም ‘ውን ተኻፈልቲ ናይዚ ብዓል ንክኾኑ ይፅዋዕ ‘ዩ ዘሎ እሞ ናይዚ በዓል ተሳተፍቲ ብሙዃን ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ንምዕዛዝን ንዕቤት ቱሪዝምን ከንጥቐመሉ ድልዋት ንኹን።

ኣሸንዳ ብዝግባእ እንተተሰሪሕዎ ንዕቤት ቱሪዝም ዘለዎ ግደ ቐሊል ዝበሃል ስለዘይኮነ ኣብዚ ጉዳይ ቖላሕታ ሂብካ ብምስራሕ ፍልፍል እቶት ንምግባር ኩሉ እጃሙ ከወፊ ይግባእ። በዓል ኣሸንዳን ከም ባህሊታት፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ዝበሉ ብዙሓት ረበሓታት ዘለዎ ምስሙዃኑ ምዕቃቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ።

ብፍላይ ኣብ ምህናፅ “ባህሊ ሰላም” ንዝተፍላለዩ ባህልታት ማሕበረሰባት ኣፍልጦ ብምሃብን ብምኽባርን ንህንፀት ሰላም ‘ውን ወሳኒ ግደ ስለዝህልዎ፤ እዚ ብውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶረያ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም በዓል ኣሸንዳን ካልኦት በዓላትናን ብድምቀት ንክነኸብር ወሳኒ ስለዝኾነ ነዚ ሰላም ክሕለውን ክዓዝዝን ኩሉ ፈታዊ ሰላም ግዲኡ ክፃወት ይግባእ።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You