ቐዳምነት ንረብሓ ህዝቢ

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ኣንፃራዊ ሰላም እኳ እንተረኸበ ኮይኑ ግና መሊኡ ካብ ስግኣት ክወፅእ ኣይከኣለን። ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣት ኣእትይዎ ‘ዩ። ፖለቲካዊ ምትፍናናት እናበረትዐ ከይዱ ውድብ ህወሓት ኣብ ክልተ ተመቒሉ ነንሕድሕዱ ብኣሽሙርን ብግልፅን ቓላት ክጠቓቓዕ ይረኣይ።

ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም እዚ ኣይኮነን ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካሕሳ እምበር ናይ ፖለቲከኛታት ዕንክሊል ኣይኮን ዘድልዮ። ፖለቲከኛታት ትግራይ ንህዝቦምን ንበዓሎምን ክብሉ ልቢ ብምዕባይ ሓደ ኮይኖም ንሰላምን ልምዓትን ክለዓሉ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት እናጋጠሞ መፂኡ ‘ዩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ድማ ልዑል ጉድኣት ኣጋጢምዎ ‘ዩ።

ሕዚ ደጊሙ ክጉዳእ የብሉን። ብፍላይ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ዝተኻየደ ኩናት ስዒቡ ብሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ትግራይ ሂወት ናይ ምጥፋእን ኣካል ናይ ምጉዳልን ኣጋጢምዎ ‘ዩ፤ ኢሉ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ካብቲ ዝበፅሖ ከቢድ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት መሊኡ ኣይወፀን። ህዝቢ ትግራይ ካብቲ በፂሕዎ ዘሎ ጉድኣት ክወፅእ ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት ‘ዩ።

ፖለቲከኛታት ፖለቲካዊ ኣፋላላዮም ዓቒቦም ንልምዓትን ሰላምን ህዝቢ ክሰርሑ ኣለዎም። ረብሓ ህዝቢከቐድሙ ይግባእ። ረብሓ ህዝቢ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትውዎ የብሎምን። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘድልዮ ሰላምን ልምዓትን የድልዮ፤ ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት ብዝተፈጠረ ፀገም ደጊሙ ዝጉደአሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን።

ንህዝቢ ዝሓስብ ፓርቲ ፖለቲካዊ ፀገሙ ኣልዩ ንልምዓትን ሰላምን ህዝቢ ‘ዩ ዝሰርሕ። ሕዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምውጣጥ ግና ፀገም ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። እኳዳኣስ ኩነታት ህዝቢ ንፀጋም ብምግደፍ ንውልቐ ስልጣኖምን ረብሐኦምን ዝጓየዩ ‘ዮም ዝመስሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ውጥጥ ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ጥንቓቀ ክግበር ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኲናት ኣዝዩ ተጎዲኡ ዝፀንሐ ህዝቢ ‘ዩ፤ ደጊሙ ናብ ሕንፍሽፍሽ ክኣቱ የብሉን፤ እቶም ፖለቲከኛታት ህዝቢ ንምክሓስ ‘ዮም ክሰርሑ ዘለዎም ‘ምበር ንናይ ባዓሎም ውልቐ ስልጣንን ረብሓን ክብሉ ንህዝቢ ብዝጎድእ መንገዲ ምንቕስቓስ ጠጠው ከብሉ ኣለዎም። እዚ ብታሪኽ ዘሕትት ‘ዩ። ንህዝቢ እየ ወኪለ እናበልካ ንህዝቢ ዝጎድእ ምንቕስቓስ ፍፁም ክህሉ የብሉን።

ንህዝቢ ብዝጎድእ መንገዲ ምኻድ ናይ ዘይምስልጣን ምልክት ‘ዩ። ህወሓት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ክኾን ኣለዎ፤ ኣፈላላይ ክንድዝሃለወ ይሃሉ ድሌት ህዝቢ መሰረት ገይሩ ክንቐሳቐስ ኣለዎ። ኣፈላላዩ እናፅበበ ህዝቢ ንምክሓስ ክሰርሕ ኣለዎ ‘ምበር ንውልቐ ረብሓን ስልጣንን ክባሃል ንህዝቢ ዝጎድእ ኣካይዳ ክኽተል የብሉን። ምስ ወድዓዊ ኩነታት ብምቕይያር ረብሓ ህዝቢ ዕላማ ገይሩ ክጎዓዝ ኣለዎ፤ ልዕሊ ፖለቲካ ረብሓ ህዝቢ ክቕድም ኣለዎ። ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ኣካይዳ ክህሉ ኣይግበኣን፤ ከምዚ ኣይነት ኣካይዳ ክውገድ ኣለዎ።

ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ንህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደጋ እናእተዎ መፂኡ ‘ዩ። ካብ ድሌት ህዝቢ ምውፃእ ከይዱ ከይዱ ነቲ ውድብ ‘ውን ናብ ሓደጋ ‘ዩ ዘእትዎ፤ ስልጣን ርስቲ ኣይኮነን፤ ህወሓት ካብ ምክፍፋል ወፂኡ ህልዊ ኩነታት ፖለቲካ ተረዲኡ ክመርሕ ኣለዎ።

ካብ ኣፍንጫኦም ኣርሒቆም ክሓስብ ይግባእ ናይ ህዝቢ መከራን ስቓይን ዘጭንቐና ክኸውን ይግባእ። ኮይኑ ግና ሕዚ ዝረአ ዘሎ ብዛዕባ ህላወ ፓርቲ እምበር ብዛዕባ ህላወ ወይ ረብሓ ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ገና መሊኡ ካብፀገም ኣብዘይወፀሉ ብዛዕባ ዓርሰ ረብሓን ስልጣን ምድላይ ኣዝዩ ሓደገኛ ‘ዩ። ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ዘውድቕ ‘ዩ። ንህዝቢ ክብሪ ብዘይ ምሃብ ‘ዩ ህዝቢ ተደጋጋሚ ፀገም ዘጋጥሞ ዘሎ።

ካሊእ ህዝቢ ትግራይ መማረፂ ፓርቲታት ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። ኮይኑ ግና ህወሓት ህዝቢ መማረፂ ፓርቲ ከይረክብ ካብኡ ወፃኢ ዘለዉ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ካብ ምጥቓዕን ምግላልን ሓሊፉ ተቓራሪቡ ክሰርሕ ኣይረኣይን። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን። ከምዝፍለጥ ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ እናካየዶም ዝመፀ ኣኼባታትን እቲ ቀንዲ ዕላምኡ ካብ ስልጣን ንዘይምልቓቕ ከምዝኾነ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ክዛረቡ ይስማዕ ‘ዩ። ንህዝቢ ሓሲቡ ዝንቐሳቀስ ፓርቲ ኣይኮነን።

ብተኸታታሊ ከባቢ ስልሳ ኣርባዕተ መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ እንትገብር ብዛዕባ ፀገም ህዝቢ እንተይኮነስ ብዛዕባ ሓደጋ ፓርቲ ከምተመያያጠ ተገሊፁ ‘ዩ። እዚ ዘሪአካ ድማ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም እናሃለወ ናይ በዓሉ ጥቕሚ ዘቐድም ከምዝኾነ ‘ዩ ዘሪአካ። ትኽክለኛን ንህዝቢ ዝሓስብን ውድብ ረብሓ ህዝቢ ‘ዩ ዘቐድም። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ዘካየዶ ጉባኤ ‘ውን ተመሳሳሊ ‘ዩ። ውድብ ከመይ ገይሩ ካብ ዘጋጠሞ ፈተና ይውፃእ እምበር ህዝቢ ካብቲ ዘለዎ ከመይ ገይርና ነውፃኣዮ ኣይኮነን። ከምዚ እንተኾይኑ ኣበይደኣ ኣሎ ናይ ህዝቢ ውግንና።

ብሓፈሻ እቲ ቐንዲ ዕላማ ውድብ ክኸውን ዝግበኦ ብቐዳምነት ሰላም፣ልምዓትን ድሕንነትን ህዝቢ ‘ዩ። ዝረአ ዘሎ ኩነታት ግና ጥፍኣታት እናፈፀምካ ‘ውን እንተኾነ ካብ ተሓታትነት ከመይ ገይርካ ተምልጥ ዝብል መስመር ሒዝካ ምጉዓዝ እምበር ገበን ዝፈፀመ ከመይ ይተሓተት ዝብል የለን። ስለዚ ህወሓት ኩሉ ግዜ ብመንፅር ረብሓ ህዝቢ ክጎዓዝ ኣለዎ፤ ረብሓ ህዝቢ ኣቐዲምካ ምኻድ እምበር ናይ በዓልኻ ረብሓ ምቕዳም ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ህዝቢ እንድሕር ዘይሃልዩ ውድብ ‘ውን የለን።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You