ከተሓሳስበና ዝግበኦ ጉዳይ ረብሓ ህዝቢ ወይስ ጉዳይ ስልጣን?

 

ሰላም ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ንዕቤት ሃገር ወሳኒ ጉዳይ ‘ዩ። ካብ ኩሉ ንለዓሊ ንሰላም ቀዳምነት ምሃብ ናይ መንግስቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ኩሉ ህዝቢ ‘ውን ‘ዩ። ፖለቲከኛታት ብተሰሓሓተ መንገዲ ክኸዱ እንተለዉ ህዝቢ ኣይፋልኩምን ክብሎም ኣለዎ። ምኽንያቱ ፖለቲከኛታት ብዝተጓነፁ መሰረት ቐንዲ ተጎዳኢ እቲ ንፁህ ህዝቢ ‘ዩ።

ሰላም ብትኹረት መንግስቲ ጥራሕ ክፍሰፍን ኣይኽእልን። ካብ ማሕበረሰብ ‘ውን ሓገዝ ክህሉ ግድን ‘ዩ። ኩሉ ህዝቢ ንሰላም ጠጠው እንተይሉ ፀገማት ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ንለዓሊ ክኾኑ ኣይኽእሉን። ሰላም ዓብዪ ቖላሕታ እንተረኺቡ ጉዳይ ሰላም ዘተሓሳስብ ኣይኸውንን፤ ኩሉ ንሰላም እንተሰሪሑ ፖለቲካዊ ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ዘይፍትሕሉ ኩነታት ኣይህሉን።

ሰላም እንድሕር ዘይሃልዩ ዘስዕቦ ፀገም ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ስእነት ሰላም ኣብ ኹነታት ቑጠባን ማሕበራዊ ቕልውላውን ዘለዎ ፅልዋ ብምርዳእ ኩሉ ህዝቢ ንሰላም ቐዳምነት ክህቦ ዝግባእ ጉዳይ ‘ዩ። ክልልና ትግራይ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ካብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ኣብ ክንዲ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ምስግጋር ንደሓር ተመሊሳ ‘ያ። ስእነት ሰላምን ግዳያት ድኽነትን ጉስቑልናን ክትኸውን ከላ ብጣዕሚ ዘሐዝን ‘ዩ።

ብሰንኪ ምትፍናን ፖለቲከኛታት፣ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ህዝቢ እጃሙ ክፃወት ኣለዎ። ንሰላም ቐዳምነት ሂብካ ምስራሕን ዝተረኽበ ሰላም ምዕቓብን ካብ ኩላትና ተጋሩ ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ። ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምስምዕማዕ ህዝቢ ናብ ሓደጋ ከይወድቕ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ።

ፖለቲከኛታት ድማ ካብ ምትህልላኽ ወፂኦም ስኽን ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም። ከምዝፍለጥ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ። እዚ ከይድገም ዓብዪ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ። ኣብ መንጎ ኣማራርሓ ህወሓት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብመሰረት ሃገራዊ ባህልን ተሞክሮን ክንፈትሖም ኣለና።

ዓበይቲ ዓዲ ተጠቒምና ከንፈትሖም እናኸኣልና ፍፁም ናብ ዘየድሊ ምውርዋር ቓላት ክነምርሕ የብልናን። ካብ ወለድና ዝወረስናዮም ክብርታት ኣብ ተግባር ክነውዕሎምን ክንኽተሎምን ኣለና። ብኸምዚ ኣገባብ ሰላምና ናይ ምሕላው ልምዲ ክነዕብይ ይግበአና። ሓድነትን ምትሕግጋዝን ልምድና ብምብራኽ ንለውጢ ክልልናን ሃገርናን ብሓባር ጠጠው ክንብል ይግባእ።

ወለድና ዘረከቡና ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ብምንታይ መገዲ ክነረክቦም ከምዝግባእ ኣቐዲምና ክንሓስብ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ፍቕርን ሓድነትን ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና። ኣብ ክልልና ኢሉ ‘ውን ኣብ ሃገርና ዘሎ ድኽነት ንምቕናስ መሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ካብ ናይ ደገ ፀላእቲ ብምሕላው ንሃገርና ብሓደ ጠጠው እንድሕር ኢልና ዘይንልወጠሉ ኩነታት ኣይህሉን።

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ኸዚ ሰላሙ ክረበሽ ክፈቕድ የብሉን፤ ሰላም እንትርበሽ ናይ መጀመርታ ተጎዳኢ ህዝቢ ‘ምበር ፖለቲካዊ ውድባት ኣይኮኑን። ብሰንኪ ናይ ዝሓለፈ ኩናት ዝዓነወ ንብረት ዝትክእ ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ። ስልጣን ብህዝቢ ዝውነን ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ዘይቖፃፀሮ ስልጣንን መራሒን የድሊ።

ምኽንያቱ ስልጣን ናይ ህዝቢ እንድሕር ዘይኮይኑ መራሒ እንትጋገ ዝቖፃፀሮ ስለዘይብሉ ኣብ ህዝብን ሃገርን ጉድኣት ምብፅሑ ዘይቐሪ ‘ዩ። ካብ ፍቓድ ህዝቢ ወፃኢ ዝኸይድ ፖለቲከኛ መዘዙ ዝተርፍ ንህዝቢ ‘ዩ። ዘይሩ ዘይሩ ካብ ርእሲ ህዝቢ ኣይወርድን።

በቲ በለ በቲ ንኹሉ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ መፍትሒኡ ዘተ ክኸውን ኣለዎ። ዘተ ከንብል እንተለና ጉዳይ ስልጣንን ረብሓ ውልቐ ፖለቲከኛታትን ክኸውን እንተይኮነስ ሓደ ኮይና ንህዝቢ ዝጠቕሞ ስራሕ ከመይ ከንሰርሕ ኣለና ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ትማሊ ፀገምን ጉድኣትን ዘብፅሑልና ከይንደግሞም ብኸመይ ከንኸይድ ኣለና ኢልና ሓቢርና መኺርና ተሰጣጢምና ከንኸይድ ኣለና።

ንህዝቢ ዝጠቕም ሓድሽ መንገዲን መስመርን ከንክተል ኣለና። ከይተመኻኸርና ነቲ ዝሓለፈ ስብራትን ቑስሊን ምፅጋን ስለዘይንኽእል መኺርና፣ ተዛቲና፣ ህዝብና እንታይ ከምዝደሊ ኣዛቲና ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ንምቕማጥ ምኽክር ኣድላይ ‘ዩ። ፀገም ዝፍጠር ዘሎ ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ኣማራርሓታት ንውልቐ ረብሐኦምን ስልጣኖምን ስለዝሓስቡ ‘ዩ። እዚኦም ፅባሕ ንምምሕያሽ ንምቕያርን ዝፅዕሩ ኣይኮኑን።

ዉሑዳት ኣባላት ፖለቲካ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ናይ ትማሊ ሓሳብ ተሸኺሎም ንህዝቢ ሳለም ከየስእንዎ ህዝቢ ነቒሑ ክከታተሎም ኣለዎ። ሕዚ ‘ውን ብዛዕባ ውልቐ ስልጣን ረብሓን እናሓሰብካ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን። ኣፈላላያት ምህላው ፖለቲካዊ ባህሪ ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና እቲ ፖለቲካዊ ኣፋላላይ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ክኸውን የብሉን።

ካብ ውድብ ህዝቢ ይበልፅ፤ ካብ ውልቐ ስልጣን ሰላም ይቕደም። ልዕሊ ኹሉ ድልየት ህዝቢ ክስማዕን ክማላእን ይግባእ። ንኹሉ መሰረቱ ሰላምን ድሌት ህዝብን ምቕዳም ‘ዩ። ትግራይ ብሰንኪ ድኽመት ፖለቲከኛታት ብተደጋጋሚ ኣብ ከቢድ ሕልኽላኻት እናኣተወት መፂኣ ‘ያ።

ሕዚ ኣብ ፀገም ዘላ ክልል ፀገማታ ዝፈትሐላ እምበር ሒዝዋ ዝወድቕ ፖለቲከኛ ኣይኮነን ዘድልያ። ፀገም ህዝቢ ብትኽክል ተረዲኡ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝፅዕር ሓይሊ ‘ዩ ዘድልያ።  ነዚ ድማ ምትእኽኻብ፣ ምትሕግጋዝ፣ ምዝርራብ የድሊ። ብኸምዚ ብዙሕ ስራሕቲ ክስርሑ ይኽእሉ ‘ዮም። ብሰላምን ፍቕርን ኢህን ሚህን ብምባል ዘይፍታሕ ፀገም የለን። ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ክነማዕብል ኣለና። ዘተ ንህዝቢ ዝሓቖፈ ክኸውን ይግባእ።

ብሓፈሻ ንክልልናን ህዝብናን ዝጠቕም ፖለቲካዊ ኣፋላላይካ ኣፅቢብካ ብሓባር ብምስራሕ ለውጢ ምምፃእ ‘ዩ። ኸዚ ዘሎ ኣማራፂ ተኸባቢርካ ተደሚርኻ ንቕድሚት ምጉዓዝ ‘ዩ። በዚ መንገዲ ምዕብልቲን ሰላም ዝሰፈነላን ክልል ከንፈጥር ንኽእል ኢና። ወለዶ ብዝርርብን ምይይጥን ዝኣምንን ክኸውን ኩልና እጃምና ከንዋፃእ ኣለና። ስንፍና፣ ሕመቕን ልመናን ናብ ወለዶ ከይነሐልፍ ጥንቓቐ ከንገብር ኣለና።

ንናይ ሕዚ ስልጣን እንተይኮናስ ንናይ ፅባሕ ሰናይ ፍረ ሓሲብና ከንኸይድ ይግበአና። ንኹሉ ምዕባለን ለውጥን መሰረቱ ሰላም ስለዝኾነ ተሓባቢሪና ንህዝብና ከንኽሕስ ኣለና። ብታሪኽ እናተወቐስና ከይንነብር ንህዝበይ እንታይ ጠቒመ ኢልና ብሓቦ ንሰላምን ለውጥን ከንለዓል ኣለና። ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኾነ ካብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ብምውሳድ እዚ ዝተፈጠረ ሰላም ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኹላትና ሓላፍነትና ከንዋፃእ ኣለና።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You