ጥቕሚ ህዝቢ ይቐድም፤ንኹሉ ዓቐን ኣለዎ!

ኩሉ ልዕሊ ዓቐን እንትኸውን ጉድኣት ኣለዎ፤ መዓር ‘ውን እንተበዚሑ ጉድኣት ኣለዎ፤ ኩሉ ካብ ዓቐኑ ክሓልፍ የብሉን። ከልዕሎ ዝደለኹ ጉዳይ፣ ብዛዕባ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ‘ዩ። ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት ትግራይ ዓቐኑ ዝሓለፎ ንህዝቢ ዘይጠቕም ፖለቲካዊ ምንቕስቓሳት ክገብሩ ይዕዘብ። ህዝቢ ትግራይ በቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኩናት ብዙሕ መከራን ስቓይን በፂሕዎ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ሕዚ ኣንፃራዊ ሰላም ረኺቡ ህይወቱ ምምራሕ ክጅምር ምስበለ ዝተፈላላዩ ስኽፍታታት ይገጥምዎ ኣለዉ። ሓደ ሓደ ኣካላት ብዘይ ኣግባብ ናይ በዓሎም ረብሓ ጥራሕ ንምርግጋፅ ክብሉ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዝረኽቦ ኣንፃራዊ ሰላም መሊኡ ከየስተማቕሮ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንምኹላፍ እናተንቐሳቐሱ ይርከቡ።

እዞም ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ እናተንቐሳቐሱ ዝርከቡ ብቐዳምነት ህዝቢ ከይጉዳእ ክሓስቡ ኣለዎም። ረብሓ ህዝቢ ተሓሳቢ ክገብሩ ይግባእ። ፀገምን ስቓይን ህዝቢ ትግራይ ክስቖሮም ኣለዎ። ግን ክሳብ ሕዚ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ዘይተወሰደሎም ንምንታይ ይኾን? ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከ እንታይ ‘ዩ? ፖለቲከኛታት ድሌቶም ንምስኻዕ ክብሉ ሰላም ህዝቢ ክዘርጉ የብሎምን። ንረብሓ ውልቐ ምሕሳብ ጥራሕ እንተይኮነስ ትርግታ ህዝቢ ምድማፅ የድሊ።

ውልቐ ረብሓ ጥራሕ መሰረት ገይሮም ዝጎዓዙ ክሳብ መዓዘ ‘ዮም? እዚ ኣካይዳ እዚ ንሃገር ይኹን ንህዝቢ ጎዳኢ ስለዝኾነ ብወጋሕትኡ ክእረም ዶ የብሉን? ልጓም ክግበረሉ ኣለዎ እምበር። እዞም ኣካላት እዚኦም ንህዝቢ ሰላም ብምስኣን ደጊሞም ናብፀገም ከእትውዎ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ዝርከብሉ ዘለዉ ምኽንያት ናይ ሰላም ክፍተት ብምፍጣር ውልቐ ጥቕሞም ንምርግጋፅ እምበር ንህዝቢ ሓልዮም ከምዘይኮኑ ምግማት ዘፀግም ኣይኮነን።

ኩሉ ትሕቲ ሕጊ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፤ ብህልኽ ህዝቢ ከይጉዳእ ምሕሳብ የድሊ። ስቓይን መከራን ህዝቢ ትግራይ ከብቕዕ ጥራሕ ምስራሕ የድሊ። ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንረብሓ ህዝቢ ክሰርሕ ኣለዎ እምበር ንውልቐ ረብሕኡን ስልጣኑን ክብል ህዝቢን ሃገርን ክጎድእ የብሉን።

ትግራይ ሰላም ረኺቡ ካብዘጋጠሞ ፀገም ከይወፅእ ሰላሙ ብምዝራግ ናይ በዓሉ ረብሓ ንምርግጋፅ ዝንቐሳቐስ ኣካል እንተልዩ ግና ብጋንኡ ክእረም ኣለዎ። ኩሉ ከይዲ ዓቐን ስለዘለዎ ሕጊ ምኽባር የድሊ። ጥቕሚ ህዝቢ ይቕደም። ኣብክንዲ ንህዝቢ ምኽሓስ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ጉጅለ ንምጥንኻር ለይትን ቐትርን ኣብ ኣኼባ ምፅማድ ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ዝጠቕም ተሓባቢርካ ምስራሕ ‘ዩ።

እዚ ዓቐኑ እናሓለፈ ይኸይድ ኣሎ፤ ዓቐኑ እንትሓልፍ ድማ ከቢድ ጥፍኣት ስለዝስዕብ ካብዚ ንለዓሊ ምፅዋር ዘድሊ ኣይኮነን። ሕጊ ንኹሉ መዓረ ስለዝኾነ እቲ ፀገም ከይሰፍሐ ብጋንኡ ክስተኻኸል ይግባእ። ነቲ ክልል ዝመርሕ ግዝያዊ መንግስቲ ኮይኑ እናሃለወ፣ ኮይኑ ግና ነዚ ንጎኒ ገዲፍካ ሕጊ ካብ ዝፈቐደልካ ወፃኢ ምንቕስቓስ ግቡእ ኣይኮነን።

እዚ ዘሪአካ ንውልቐ ረብሓ ከትብል ንሕጊ ተገዛኢ ዘይምዃን ‘ዩ። ኣብ 21 ክፍለዘመን ኮይንካ ንህዝቢ ኣጭበርቢርካ ከምድሌትካ ምግባር ዝከኣል ስለዘይኮነ ክሕሰበሉ ይግባእ። ኩሉ ብሕጊ ጥራሕ ክምራሕ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ዓለም ተለዋዋጢ ኣብዝኾነሉ እዋን ኮይንካ ኣብ ሓንቲ ፀባብ ሓሳብ ተሓፂርካ ምንባር ኣየድልን።

ዘላቂ ንዘይብሉ ንውልቐ ረብሓ ክበሃል ግዜኻ ኣብ ሕትኽቱኽ ምሕላፍ ግቡእ ኣይኮነን። ዓርሱ ብዓርሱ ኣብ ምንቛርን ምጥፍፋእን ጥሒሉ ዝርከብ ፖለቲካዊ ሓይሊ፣ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሕ ኣይኽእል። እዚ ትኽክለኛ ፖለቲከኛ ከብሎ ‘ውን ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ዘቕድም ኣይኮነን።

ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ‘ውን መሊኡ ካብቲ ፀገም ኣይወፀን። በሰላ ናይቲ ኩናት ኣብዝባኑ ኣሎ። ነዚ ንምሕዋይ ኢና ከንረባረብ ዘለና እምበር ንውልቐ ረብሓና ከንብል ዝተረኽበ ሰላም ንምዝራግ ኣይኮነን ክኸውን ዘለዎ። ኣመራርሓ ህወሓትን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን፣ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠሞ ፀገም ተመሊሱ ከይመፅእ፣ ከምኡ ‘ውን ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ከመይ ይወፅእ ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኩነታት ዘውፅኦን ዘሳግሮን ‘ዩ ዝደሊ። ህዝቢ ትግራይ ብዘይኮነ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክጉዳእ የብሉን።\ ነቲ ዘሎ መሪሕነት ብምኹላፍ ንህዝቢ ትግራይ ኣታሊልካ ናብ ስልጣን ንምውፃእ ዝግበር ምንቕስቓስ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ካብ ዘየድሊ ምንቋርን ንሕንሕን ወፂኻ ረብሓ ህዝቢ ጥራሕ ማእኸል ገይርካ ምንቕስቓስ የድሊ።

ብፍላይ ሓደ ሓደ ነባራት ሰበስልጣናት ህወሓት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ስርሑ ብኣግባቡ ከይሰርሕ ዕንቕፋት እናፈጠሩ ይርከቡ። እዚ ኣካይዳ እዚ ንኹሉ ዝጎድእ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ሕዚ ዘድሊ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ክድልድል ምግባር፤ ኣብ ልዕሊ ግዕዝይና ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ተጣናኺሩ ንኽቕፅል ምርብራብ ‘ዩ።

ንውልቐ ረብሓን ስጣንን ምሕሳብ ንህዝቢ ትግራይ ጎዳኢ ስለዝኾነ ኢ-ሕጋዊ ምንቕስቐሳት ብወጋሕትኡ ክእረሙ ይግባእ። ካብ ሕማም ኔትወርካዊ ጉሕለት ወፂእና ናብ ትኽክለኛ መንገዲ ኣቲና ህዝቢ ክነገልግል ኣለና። ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላይካ ኣፅቢብካ ንሰላምን ልምዓትን ምስላፍ እምበር ንውልቐ ረብሓኻ ምጉያይ ኣይኮነን።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገም ክወፅእ ዝኽእል ኩሉ ትሕቲ ሕጊ ኮይኑ ንህዝቢ ብቕንዕና እንተገልግል ጥራሕ ‘ዩ። ፖለቲካዊ ኣፋላላይ ከምዘለዎ ኮይኑ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ሽኻሉ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ኣለዎ። ምዝራግ ሰላም ንኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ‘ውን ዘዐንቕፍ ስለዝኾነ ነዚ ብኣግባቡ ምርዳእ የድሊ። ስለዚ እቲ ግጉይ ኣካይዳ ብጋንኡ ክእረም ይግባእ።

ካብዚ ሓሊፉ ሕዚ ወልቐ ረብሕኡ ብኔትወርክ ኣታኣሳሲሩ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኸድ እንተኾይኑ ነቲ ክልል ዘማሕደር ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተዋሃቦ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ። ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተዋሃቦ ሓላፍነት ክዋፃእ ድማ ህዝቢ ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ። ላዕለዋት ኣመራርሓ ፀጥታ ትግራይ ሰለም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝዘርግ ኣካል ብሕጊ መሰረት ስጉምቲ ከምዝወስዱ ገሊፆም ኣለዉ። እዚ ዝነኣድ መግለፂ ‘ዩ።

ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ናፃ ብምዃን ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘየቕርቡ ገሊፆም ‘ዮም፤ ፀጥታ ኣብ ምኽባር፤ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ክመፅእ ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ምንቅስቓስ መልክዕ ናይ ምትሓዝ ግዴታ ኣለዎም። ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣጥቢቖም ክሰርሑ ድማ ይግባእ። ንህዝቢ ትግራይ ቅሳነት ኣብዘስእኑ ከምኡ ‘ውን ትርጉምን ረብሓ ሰላም ኣብዘይርደኦምን ኣካላት ስጉምቲ ምውሳድ ንፅባሕ ዘይባሃል ጉዳይ ‘ዩ። ምኽንያቱ ዓቐኑ እናሃለፈ ይኸይድ ስለ ዘሎ።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበርን ዝተረኸበ ሰላም ብዝለዓለ ተጠናኺሩ ንኸቕፅል ‘ውን እቶም ኣማራርሓ ፀጥታ ከምዝሰርሑ ገሊፆም ‘ዮም። እዚ ምእንቲ ሰላምን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣድላይ ስለዝኾነ ክድገፍ ዘለዎ ሓሳብ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣብ ጎኒ ፀጥታ ትግራይን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኮይኑ በርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ።

ብሓፈሻ ዝተረኽበ ሰላም ተዓቒቡ ክኸይድ፤ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝፍፀሙ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ፤ ኣብ ልዕሊ ፀረ ግዕዝይና ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዝተጀመረ ቃልሲ ክጠናኸር፤ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኮይኑ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ክረባረብ ይግባእ። ምኽንያቱ ኩሉ ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ዝረጋገፅ ኣይኮነን። ብፍላይ ሓደ ሓደ ኣካላት ንውልቐ ረብሐኦም ክብሉ ዝኸድዎ ዘለዉ ቐይዲ በተኽ ኣካይዳ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእትው ስለዝኾነ ዓቐኑ ከይሓለፈ ስጉምቲ ተወሲድዎ ክስተኻኸል ይግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You