እታዎታት ሕርሻ ብግቡእ ብምጥቓም ለውጢ ክውን ምግባር

ሕርሻ ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ዋና ዓንዲ ሑቐ ቑጠበአን ‘ዩ፡፡ ሕርሻ ውሕስነት መግቢ ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ኣብ ምቕያር ርኡይ ግደ ኣለዎ፤ ጥምየትን ሕፅረት ምግቢን ብምውጋድ ቁጠባዊ ዕብየት የቓላጥፍ፡፡

ዳርጋ ኩለን ኣብ ደሓና ቑጠባዊ ዓቅሚ ዝርከባ ሃገራት ዓለም ኣብ ሕርሻ ቖላሕታ ብምሃብ ጀሚረን ‘የን ዕብየት ኣረጋጊፀን፡፡ ዕቤት ብምቕልጣፍ ጥሜትን ሕፅረት ምግቢን ብምባዳህ ቁጠባዊ ለውጢ ከምዝግባ ክኢለን ‘የን፡፡ ሕርሻ ዘመናዊ ምግባር፣ ኣፍራይነት ብምዕባይ ብሰደድ ኣቢሉ ሸርፊ ወፃኢ ብምውሳኽ ኢንዱስትሪያላይዜሽን ኩነታት የቓላጥፍ።

ኣፍራያይነት ብምውሳኽ ዋጋ መግቢ ብምንካይን ኣመጋግባ ብምምሕያሽን ሰብኣዊ ዕላማታት ንምዕዋት ይሕግዝ። ፅቡቕ መግቢ ዝረኸበ ህፃን ካብቲ ብሕፅረት መግቢ ዝዓበየ ህፃን ዝሓሸ ምዕባለ ይረክብን፤ ዝያዳ ኣፍራዪ ይኸውንን፡፡ ምግቢ ንወዲሰብ መሰረታዊ ጉዳይ ስለዝኾነ እሞ ድማ መሰረቱ ሕርሻ ስለዝኾነ ሕርሻዊ ለውጢ ክውን ምግባር የድሊ፡ ፡

ኣብዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ደ/ር) ናብ ስልጣን ካብዝመፁ ጀሚሩ ንሕርሻ ዓብዪ ቖላሕታ ተዋሂብዎ እናተተግበረ ይርከብ፡፡ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ካብ ምኽኣል ሓሊፋ ከም ስርናይ ዝበሉ ፍርያታት ሕርሻ ሰደድ ከትገብር ክኢላ ‘ያ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ እታዎታት ሕርሻ ካብ ምቕራብ ጀሚራ ብትኹረት ብምስርሓ ‘ዩ፡፡ ሕዚ ‘ውን እናሰርሐት ትርከብ፡፡

ከም ክልል ትግራይ ከንርኢ እንተለና ግን ብፍላይ ካብ 2013 ዓ.ም ከሚራ ንኸባቢ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኩናት ስለዝነበረት ንደሓር ተጎቲታ ፀኒሓ ‘ያ፡፡ ሓረስታይ ከፍሪ ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ሰብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ፀኒሑ ‘ዩ፡፡ ሕዚ ‘ውን ካብቲ ጥሜት መሊኡ ዝወፀ ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ሕዚ ነዚ ብኣግባቡ ብምርዳእ ዝተፈላላዩ ንሕርሻ ዘቓለጥፉ እታዎታት እነሓገዘ ይርከብ፡፡

ካብዚ ተላዒሉ እቲ ክልል ሎሚ ዘበን 1 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን ካብዚ ናብ 24 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ሒዙ እናተንቐሳቐሰ ‘ዩ፡፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ስልጠናታት ካብ ምሃብ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናካየደ ይርከብ፡፡

መንግስቲ ዝተፈላላዩ እታወታት ሕርሻን ካልኦት ነዚ ዝሕግዙን ምንቕስቓሳት እናገበረ ይርከብ።ልዕሊ 400 ሽሕ ኩንታል መዳበሪያ ናብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ንሓረስቶት ተኸፋፊሉ ይርከብ፡፡ ብሓፈሻ ነቲ ክልል ዘድሊ ኣቕርቦት ማዳበሪያ 700 ሽሕ ኩንታል ስለዝኾነ ዝተረፈ 300 ሺሕ ኩንታል መዳበሪያ ‘ውን ንምውሳኽ ኣብ ከይዲ ይርከብ፡፡

መንግስቲ ነቲ ኣቅርቦት ብእዋኑ ምእታዉ ነቲ ሴክተር ክንደየናይ ዝኣክል ቖላሕታ ከምዝሃቦ ዘማላኽት ‘ዩ፡፡ እቲ መዳበርያ ነቲ ሓረስታይ ዝቐርበሉ ዘሎ ብዝተመጣጠነ ዋጋ ‘ዩ፤ እዚ ድማ ብፍላይ እቲ ሓረስታይ ኣታዊኡ ተዳኺሙ ብምፅንሑ ኣዝዩ ዝሕግዞ ‘ዩ፡፡ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይን መዳርግቲ ኣካላትን ንኽሕግዙ መንግስቲ ብምምችቻዉ እናሓገዙ ይርከቡ፡፡

እቲ ክልል ድማ ኣዝዩ ሓገዛይ ክኸውን ይግበኦ፤እቲ ሓረስታይ ክላስተር መሰረት ዝገበረ ምህርቲ ንከፍሪ መምርሒታት ብምሃብ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምስራሕ የድሊ፡፡ ስራሕቲ መስኖ ንክጠናኸር ምሕጋዝ የድሊ፡፡ እቲ ሓረስታይ ተረባሒ ንከይኸውን ዝገብሩ ነገራት ምክትታል የድሊ፡፡ ዝግበሩ ዘለዉ ሓገዛት ኣብ መዓልኡ ክውዕሉ ይግባእ፡፡ ብዘይግቡእ መንገዲ ማዳበሪያ ንነጋዶ ዝሸጡ ካብ ተግባሮም ንክቁጠቡ ምግባር የድሊ፡፡

ብሓፈሻ ሕርሻዊ ለውጢ ክውን ንምግባር ቁልፊ ነገራት ምኽታልን ዘይተሐሓለለ ፃዕሪ ምግባርን የድሊ፤ መንግስቲ ከም ትረክተራት ዝበሉ ዘቕረቦም ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ መዓለኦም ክውዕሉ ብምግባር ወሳኒ ስራሕ ምስራሕ፤ ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ካብ ውልቃውን መንግስታውን ክቐርቡ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡ እቶም ዝቐርቡ ብትኽክል ምጥቓም የድሊ፡፡ እቶም እታዎታት ኣብ ምዓለኦም እንተውዒሎም ዓቢዪ ለውጢ ክርከብ ይኽእል ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You