ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ’ዩ

ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ከበድቲ ኹናታት ዘሕለፈ ህዝቢ’ዩ፡፡ባዕዳዊያን ገዛእቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ብኣንፈት ትግራይ ስለዝነበረ እቲ ናይ ምክልኻል ኹናት መብዛሕቲኡ ኣብ ትግራይ’ዩ ተኻይዱ፡ ፡ ውሽጣዊ ሕድ ሕድ ኹናት’ውን ብተደጋጋሚ ኣብ ትግራይ ስለዝተገበሩ እቲ ህዝቢ ቀሲኑን ተረጋጊዑን ክንብር ኣይከኣለን፡፡ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ንክልተ ዓመት ብዝተኻየደ ኹናት ከቢድ ማህሰይቲ በፂሕዎ’ዩ፡፡

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኹናት ብውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ተዛዚሙ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ጎንፂ ብዘላቒነት ጠጠው ብምባል ንዘላቂ ሰላም ስምምዕነት ተፈሪሙ፡፡ንቲ ስምምዕነት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ድምፂ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም፣ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ስራሕቲ ተጀሚሮም ‘ዮም፡፡

ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወቱ ተመሊሱ ፤ገፁ’ውን ናብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ገይሩ፤ኣብ ሰላምን ልምዓት ትኹረት ሂቡ ስራሕቲ ኣብ ዝጀመረሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ኣብ ሻቕሎት ይርከብ፡፡ናይቲ ሻቕሎት መበገሲ ድማ እቲ ዝተጀመረ ሰላምን ዳግመ ሕወየትን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ምዃኑ ርዱእ’ዩ፡፡

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ኮይኑ እናሃለወ፤ብርክት ዝበሉ ወገናት ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ኣብ ኬንዳ እናነበሩ፣ከይዲ ልምዓትን ዳግመ ሕውየትን መሊኡ ከይተሰርሐ ብምኽንያት ምክያድ ጉባኤ ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ህዝቢ እቲ ሰላም ይዝረግ’ዶ ይኹን ብዝብል ኣብ ዓብይ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሎ፡፡

እቲ ኣብ ሞንጎ አመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ካብ ውሽጣዊ ፀገም ሓሊፉ ምስ ትካል ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ’ውን ብጉዳይ ምዝገባን ጉባኤን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡እዚ ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ንህወሓት ዘይጠቅም ተርእዮ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ፡፡

ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዓንቀፅ 7(2) (ሐ) መንግስቲ ፌደራል በቲ ስምምዕነት መሰረት ስያመ ራዕዳዊነት ህወሓት ንኽልዓል ነቲ ኸይዲ ናይ ምስላጥ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ፤ንዚ ድማ ፈፂሙ’የ። ኸምኡ ‘ውን ህወሓት ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዓንቀፅ 7 (2) (ሀ) ስልጣን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፣ ሕግታት፣ ትካላት ፌደራልን ኻልኦት ሕገ-መንግስታዊ ትካላትን ንከኽብር ግቡእ ኣትዩ ‘ዩ ።

ስለዝኾነ ህወሓት ንሕጊ ምዝገባ ፖለቲካዊ ፓርትታት እታ ሃገርን ቦርድ መረፃን ብምኽባር ናይ ምስራሕ ግቡእ ኣለዎ።ስለዚ ህወሓት ንሕጊ ምዝገባ ፖለቲካዊ ፓርትታት እታ ሃገርን ቦርድ መረፃን ኣኺቢሩ ክሰርሕ ግድን ይኸውን፡፡ስለዝኾነ ‘ውን ጉዳይ ምዝገባን ሕጋዊ ሰብነትን ኣብዚ ዝተዛዘመ ስለዝኾነ፤ህወሓት ኮነ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምርብራብ’ምበር ናብ ካሊእ ጎንፂ ዘምርሕ ተግባር ክፍፅሙ የብሎምን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድሌቱን ትኹረቱን ሰላም ኣብ ምፅናዕ፣ ዳግማይ እግሪ ምትካልን ኣጀንዳ ልምዓትን’ዩ፡ ፡ኣድላይ ዘይኮነን ንህዝቢ ኣብ ዘይጠቅምን፣ ትርጉም ኣልቦ ሞገት ክውገድ ይግባእ፡፡ኣብ ንህዝቢ ዝረብሑ ኣጀንዳታት ሰላምን ልምዓትን ትኹረት ምግባር ይግባእ፡፡

ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘድሊ ቀ ንዲ ውራይ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ፡፡ጉዳይ ህጋዊ ኣፍልጦ መዕለቢ ረኺቡ ኣሎ፡፡ህወሓት ‘ውን ብዘይ ኣፍልጦ ቦርዲ መረፃ ተቐባልነት ዘይብሉ ጉባኤ ጀሚሩ ኣሎ ፡፡ ኮይኑ ግና ሕጋዊ ኣካይዳ ብምኽታል ኣብ ትግራይ ውሑስ ሰላምን ልምዓትን ንክመፅእ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ይግበር፡፡

ዝኾነ ኣካል ወይ ወድብ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ትካላትን ከኽብር ግድን’ዩ፡፡ዝኾነ ውድብ ኮነ ኣካል ወይ ውልቀ ሰብ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ክኸውን ስለዘይብሉን ስለዘይግባእን ሕጊን ስርዓትን ክኽበር ኣለዎ፡ ፡ካብዚ ወፃኢ ዘሎ መገዲ ግና መገዲ ጥፍኣት ከምዝኾነ ምግንዛብ ይግባእ፡፡

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ኾይኑ እናሃለወ፤ካብዚ ወፃኢ ዝግበር ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ፀረ ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡እቲ ሐዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ’ውን ብሰላማዊ ዘተ ብምፍታሕ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ዝኾነሉ ኹነት ክፍጠር ኣለዎ፡፡ህዝቢ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይደልይን፡፡ካብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ወሲዱ ኣሎ፡፡

ወጋሕታ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You