ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን’ዩ

ሰላምን ልምዓትን ድሌትን ባህጊን ዝኾነ ህዝቢ ዓለም ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ ሐዚ እዋን ዘድልዮን ሰላም፣ልምዓት ሰናይ ምምሕዳርን ቅሳነትን ራህዋን ምዃኑ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊና ልሂቅን ክርዳእ ይግባእ።

ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኹናት ብውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ጠጠው ካብ ዝብል ክልተ ዓመት ክመልእ ሒደት ኣዋርሕ ይተርፍኦ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃራዊ ሰላም ረኺቡ ናብ ንቡር ናብራ ንክምለስ ዕድል ረኺቡ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት መንግስቲ ፌደራል ግልጋሎት ባንኪ፣መገዲ አየር፣ትምህርቲ፣ጥዕና መብራህትን ስልኪን ካልኦትን ንህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝውዕላ ኣቕሪቡ፤ማህበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ናብ ዝሓሰ ኹነታት ንክመፅእ ተገይሩ። ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት በድሙቕ ፅንብል ዝኸበሩሉ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ባህጉን ድሌቱን ሐዚ’ውን ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል።

ዋላ’ኳ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጠረ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ንቲ ህዝቢ ኣብ ስግኣት ኣእቲይዎ ኣሎ። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘሎን እንተኾነ’ኳ ኣብ ኣፈታትሓ እቲ ፀገም ጎንፂ እንተተፈጢሩ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ናብ ፀገም ንኸኣቱ ስለዝግበር ዓብይ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ።

ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ዝፍጠር ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዳኛ ኾይኑ ብመረፃ ዝዳንይ ህዝቢ’ዩ። ኮይኑ ግና እዋን መረፃ ስጋብ ዝበፅሕ ህዝቢ ሰላም ክስእን የብሉን። ኣብ ስጋኣት ክወድቕ ኣይግበኦን። ስልጡን ኣካይዳ ብምኽታል ምፍታሕ ግድን ይኸውን።

ኣብ ሞንጎ ሓደ ውድብ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ስለተፈጠረ ፖለቲከኛታት ማሕበራዊን ልምዓታዊ ስራሕቲ ገዲፎም ደገፍቶም ንምእካብ ሙሉእ ግዜኦም ክጥፍኡ ኣይግባእን። ምኽንያቱ መንግስታዊ ስራሕቲ ጠጠው ኣይብሉን። ህዝቢ ድማ ግልጋሎት ክረክብ ግድን’ዩ፡

ብዝኾነ መዐቐኒ ንፖለቲካዊ ረብሓ ክብሃል ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከቐርብ የብሉን። ኣብ መንግሰታዊ ስራሕ ዝተዋፈረ ዝኾ ሰብ ፖለቲካዊ ውግንናኡ ብዘየገድስ ንህዝቢ ግቡእ ግልጋሎት ክህብ ግድን’ዩ። ካብዚ ወፃኢ ንፖለቲካዊ ሸርሒ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዝፍፅምን ስራሕቲ ዘበላሽውን እንተኾይኑ ግና ጌጋ ይፍፅም ስለዘሎ መምሃራይ ዝኾነ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣንፃር ባህጊን ድሌትን ህዝቢ ጠጠው ስለዝበለ።

ህዝቢ ትግራይ ፃዕራምን ፀዋርን ህዝቢ እንተኾነ’ኳ ሰላም ተዘይሃልዩ ግና ተጎዳኢ’ዩ። እዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኹናት ዝነበረ ኹነታት ብምዝኽኻር ምርዳእ ይግባእ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ኾነ ደጋዊ ጎንፂ ዘተኣናግደሉ ኹነታት ሐዚ የለን፤ክህልው’ውን ኣይግባእን። ስለዚ ቀዳምነት ንሰላም፤ቀዳምነት ንልምዓት ምሃብ ካብ ፖለቲከኛታትን ሊሂቃትን ትግራይ ትፅቢት ይግበር።

በዓል ዋና ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ብመረፃ ዝመስሎ ክሳብ ዝመርፅ ሐዚ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ መንግስቲ ብዝግባእ ክሰርሕ ግድን ይኸውን። ንዚ ድማ ዝኾነ ሓንኳሊ ወይለ መተዓናቐፊ ሓይሊ ክህልው ኣይግባእን። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኹሉም ሓይልታትን ዓቕምታትን ተዋዲዶም ንባህጊ ሰላምን ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ጋህዲ ክገብሩ ይግባእ።

ህዝቢ ትግራይ’ውን ካብ ዝሓለፈ ሕማቕ ኹነታት ተማሂሩ ፖለቲከኛታትን ልሂቃትን ትግራይ ንሰላምን ልምዓትን ‘ምበር ንጎንፂን ፖለቲካዊ ሕትኹትኹን ቀዳምነት ሂቦም እዛ እምባይ መን ይወርሳ ንዝብሉ ዓገብ ክብሎም ይግባእ። ኣንፃር ባህጉን ድሌቱን ዝተሰለፈ ዝኾነ ሓይሊ ቦታ ከምዘይህቦ ብዝርድኦም ቋንቋ ኣብ ዘጋጠሞ መድረኻት ክነግሮ ኣለዎ።

ብሓፈሻ ባህጊን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ዝኾነ ፖለቲከኛና ሊሂቅን ትግራይ ክፈልጥ ኣለዎ። እዚኣ ከይፈለጠ ስልጣን ጥራሕ ዝቋመት ንባዕሉ’ምበር ንህዝቢ ዝህቦ ራብሓ የለን። ስልጣን ንህዝቢ ንምግልጋል’ምበር ብህዝቢ ንምግላጋል ኣይኾነን። ሐዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገሙ ንምውፃእ ፃዕሪ ዝብረሉ እዋን ስለዝኾነ፤ባህጉ ሰላምን ልምዓትን ስለዝኾነ ንዚ መሰረት ዝገበረ ስራሕ ኩሉ ትግራዋይ፣ፖለቲከኛታትን ልሂቃትን ክስርሑ ይግባእ።

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You