መደብ ሓምላይ ዓሻራ ንምዕዋት ኩሉ ብሓደ መንፈስ ይለዓል

ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጀሚራ ብተኸታታሊ ጠንካራ ትልሚ ብምትላም ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ብቢሊዮን ዝቑፀር ፈልስታት እናተኸለትን ሽቶታታ እናሳኸዐት መፂኣ ‘ያ። ሎሚ ዓመት ‘ውን ንሻድሻይ ዓመት በቢምዕራፉ ከፋፊላ ነቲ ዝተተለመ ፕሮግራም ንምዕዋት ዝለዓለ ፃዕርታት እናካየደት መፂኣ ኣላ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ብመሰረት ፕሮግራም ሓምለዋይ ዓሻራ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብዝተገብረ ምድላው ልዕሊ 7 ቢልዮን ፈልሲ ተዳልዩ እናተተኸለ መፂኡ ‘ዩ። ካብዚኦም ገሊኦም ንምግብነት ዝውዕሉ እንትኾኑ ገሊኦም ድማ ከባቢ ንምሕዋይ፣ ንምክልኻል ፍግረ መሬትን ወዘተ ዝውዕሉ ‘ዮም።

ምትካል ፈልሲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምምንማን ሃፍቲ ተፈጥሮን ለውጢ ነባሪ ኣየርን ዘስዕቦ ዘሎ ፀገም ንምምካት ወሳኒ ጉዳይ ‘ዩ። ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ንቡር ክምለስ፣ለውጢ ኣየር ንምክልኻል፣ ምህርትን ኣፍራያይነትን ሕርሻ ክዓብይ፣ ዘላቒ ሓምለዋይ ቁጠባ ንምርግጋፅ ተኽሊ ምትካል ንፅባሕ ዘይበሃል ጉዳይ ‘ዩ።

ደን ንጥዕና ወዲሰብን ካልኦት ህይወታውያንን ብሓፈሻ ንድሕንነት ምድሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ። ንወዲሰብ ኦክስጅን ይህብ፤ ነባሪ ኣየር ብምቑፅፃር ፅዕንቶ ለውጢ ነባሪ ኣየር ብምምካት ጥዑይ ነባሪ ኣየር ክህሉ ይገብር። ደን ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ፍጥረታት መንበሪ ስለዝኾነ እውን ዘለዉና ደናት ብምሕላው ካልኦት ተወሰኽቲ ብምትካል ሽፋን ደን ከንውስኽ ይግባእ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ስራሕቲ ምትካል ፈልሲ ብትልምን ብዝተዋደደን መንገዲ ምህርትን መፍረያይነትን ዘፈር ሕርሻ ንምዕባይን ሓደጋታት ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ሓምለዋይ ሽፋን ንምዕባይን ብዕውትነት እናተሰርሑ መፂኦም ‘ዮም።

ፅባሕ 17ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብሃገርለኸ ‹‹ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚልዮን ፈልሲ ብምትካል ዓሻራና ነንብር›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብዝግበር ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ኩሉ ዓሻርኡ ከቕምጥ ኣለዎ። እታ መዓልቲ እውን ኩሉ ዓሻኡ ዘቕምጠላ መዓልቲ ‘ያ። ኣብ ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊ 500ሺሕ ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ተዳሒዙ ኣሎ።

ኩሉ ንምትካል ዓቕሚ ዘሎዎ ኣናእሽቲ፣ ዓበይትን መናእሰይን ብሓደ ወፂኡ ፈልሲ ብምትካል ንሃግር ዘለዎ ሓልዮትን ፍቕርን ዝገልፀላን ንቐፃሊ ወለዶ ሓምለዋይ ውህብቶ ዘቕምጠላን ‘ያ። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሽዱሽተ ሚኢቲ ሚልዮን ፍልስታት ንምትካል ኩሉ ብሓደ መንፈስ እንተተላዒሉ ንምዕዋቱ ቐሊል ‘ዩ። መደብ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ዕውት ክኸውን ኩልና ፈልሲ ብምትካል ኣሰርና ክነቕምጥ ሞራላዊን ሃገራዊን ግዴታ ኣለና።

ኣዚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝግበር ምትካል ፈልሲ ነቲ መደብ ንምዕዋት ኩሉ ብሓደ መንፈስ ክወፍርን ብሓደ መንፈስ ወፊሩ ንወለዶ ታሪኽ ክገድፍን ይግባእ። ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ኣብዝካየድ ፕሮግራም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሓደ መንፈስ እንተተላዒሉ ካብዚ ንለዓሊ ምትካል ‘ውን ይከኣል ‘ዩ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነዚ ፕሮግራም ብዝምልከት ኣብሓንቲ ፀሓይ 600 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ዓሻራና ነቕምጥ ክብሉ መልእኽቶም ምምሕልላፎም ዝዝከር ዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ መላእ ኢትዮጵያውያን ብሓደ መንፈስ ዓሻራና ነንብር፤ ሓደ እንተኾይና ካብዚ ንላዕሊ ከንተክል ንኽእል ኢና፤ እዚ ንክኸውን ድማ መንእሰይ፣ ዓቢይ፣ ልዕሊ 20፣ ልዕሊ 10 ዓመት ዝኾነ ኩሉ ተኽሊ ብምትካል ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ንወለዶ ከውርሶ ዝግባእ ኣብቲ ግቡእ ቦታ ተረኺቡ ብተግባር ክገልፅ ኣለዎ ብምባል ንመላእ ኢትዮጵያውያን ኣታሓሳሲቦም ‘ዮም። ስለዚ ነቲ ዝተሓዘ መደብ ንምዕዋትን ነቲ ዝቐረበ ፃውዒት መልሲ ንምሃብን ታሪኽ ንምስራሕን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክሳተፍ ይግባእ።

ወጋሕታ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You