መረጋገፂ ዓቕሚ ምፍፃም ፕሮጀክትታት

ዓብይ ግድብ ህዳሰ መላእ ኢትዮጵያውያን ሓደ ዝገበረ፤መሰል ምጥቃም ሃፍቲ ማይ ዘረጋገፀ፣ናይ ሓይሊ ሕፅረት ትርጉም ብዘለዎ መጠን ዝፈትሕን ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዓብይ እጃም ዘለዎ ፕሮጀክት ‘ዩ፡፡ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣፍሪካዊያን ኩርዓትን ብርትዐን፤ምልማዕን ምልዋጥን ከምዝክኣል ዘምሀረ ገዚፍ ፕሮጀክት ‘ውን ‘ዩ ፡፡

እዚ ፕሮጀክት ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ህንፀት ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጠምዎ ብድሆታት ብምስጋር ሐዚ ኣብ ምዕራፍ ምዝዛም ይርከብ፡፡ቅድሚ ሐዚ ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ምፍልፋል ዝጀመረ እንትኾን፤ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ድማ መበል ሳልሳይን ራብዓይን ተርባይናት ሓይሊ ምፍልፋል ጀሚረን ኣለዋ፡ ፡

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ተወሰኽቲ ሰለስተ ተርባይናት ናብ ስራሕ ክኣትዋ ‘የን፡፡እዚ ድማ ጠለብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሃገርና ንምምላእን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምሻጥን እቶት ንምርካብን ጎዶባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻርን ዓብይ ረብሓ ኣለዎ፡፡ እዚ ግድብ ብተሳትፎ መላእ ኢትዮጵያዊያን ህንፀቱ ተጀሚሩ ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ብዘይ ናይ ደገ ሓገዝ ዝተሃነፀ ስለዝኾነ ፕሮጀክታት ጀሚና ናይ ምፍፃም ዓቕሚ መረጋገፂ ተገይሩ ይውሰድ፡፡እዚ ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ጀሚርካ ናይ ምውዳእ ተሞክሮ ኣብ ካልኦት ስራሕቲ’ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ፡፡

ሲቪል ስራሕቲ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ክሳብ ዝመፅእ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ናይ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዛዘም ፣ ስራሕቲ ኤልክትሮ መካኒካል ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መልክዕ እናሓዘ ከምዝኸድን ሓፈሻዊ ናይቲ ግድብ ስራሕቲ ድማ ኣብ ዝቅፅል ዓመት ናብ ምዝዛም ምዕራፍ ከምዘበፅሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል ሳልሳይን ራብዓይን ተርባይን ምጅማር ገሊፆም’ዮም፡፡እዚ ዓብይ ዓወት’ዩ፡፡

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ካብ ፀገም ወፂኡ ኣብዚ ብርኪ እዚ ምብፅሑን ኣብ ናይ ምዝዛም ምዕራፍ ምህላውን ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ጀሚሮም ናይ ምፍፃም ዓቕሞም መርኣያ ስለዝኾነ ኣዝዩ ዘኹርዕ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ፡፡ እቲ ግድብ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾነ ማይ ኣይሓዘን ነይሩ፤ ከምቲ ሐዚ ዝርኣይ ዘሎ ምስሊ ‘ውን ኣይነበሮን ሎሚ ገና እቲ ግድብ ንድሕሪት ልዕሊ 205 ኪሎ ሜትሮ ማይ ዝሓዘ እንትኾን፤ ናብ ታሕቲ ዕምቆቱ ድማ 133ሜትር በፂሑ ኣሎ፡፡ እቲ ዝተፈጠረ ሰብ ዝሰርሖ ቓላይ ንምርባሕን ዓሳን ንቱሪዝምን ዓብይ ዓቕሚ ከምዝኸውን እሙን’ዩ፡፡

ህንፀት እቲ ግድብ ብዙሓት ፀገማት ዝሓለፈ’ዩ፡፡ናይ ፀጥታ ፀገም ሓዊሱ ቀረብ ሲሚንቶ ናብ ግድብ ንምብፃሕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መስዋእትነት ኸፊሉ እቲ ስራሕ ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ገይርዎ ኣሎ፡፡ስለዚ ኣብ ህዳሰ ዝተኸፈለ ዋጋ ኣብዝሓ ኢትዮጵያዊ ቁም ነገሩን ስትራቴጂክ ሓሳቡን ብትኽክል ክርድዎ ይግባእ፡፡

ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ከም ሃገር ዘሎን ዘየሎን ሃፍትና ኣኪብና፣ ለሚንና፣ ዜጋታት ዘለዎም ኣውፂኦም እቲ ግድብ ምስርሑ ካልኦት ድማ ዘለዎም ሃፍትን ግዜን ኣዋፂኦም ዓለምለኸ ፅዕንቶ ንምፍጣር፤ ኣብ ሃገር ውሽጢ ንምዕጣቅ መዲቦም ዝሰርሑ ነይሮም፡፡መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ግና ንዞም ፀገማት ኩሎም በዲሆም ኣብዚ ብርኪ ምብፃሖም ፕሮጀከታት ጀሚርካ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ መርኣያ ‘ዩ፡፡ስለዝኾነ ኢትዮጵያውያን ካብ ዝኾነ እዋን ብዝተፈለየ መገዲ ምርድዳእ፣ ንናይ ሓባር ዕላማ ደው ምባል፣ ብዘለና ዓቕሚ፣ ጉልበትን ግዜን ኩሉ ምትሕብባር ኣድላይ ‘ዩ፡፡

ግድብ ህዳሰ ዝተኣሳሰር ቀጥታ ምስ ኢትዮጵያን ኢትዮጵውያን’ዩ፡፡ ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ወለዶ ምቅብባል ህልውና ሃገር ምስ ምቕፃል ብምዃኑ ኩሉም ህዝብታት ሃገርና ኣብ ምዝዛም እዚ ፕሮጀክት ኮነ ኣብ ካልኦት እጃሞም ከወፍዩ ይግባእ፡፡ኣብ ግደብ ህዳሰ ሐዚ ዝተመዝገበ ዓወት ግና መረጋገፂ ዓቕሚ ምፍፃም ፕሮጀክት ከምዝኾነ ምርዳእ ግድን ይኸውን፡፡

ወጋሕታ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You