ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ናብ ናይ መወዳእታ ዕላማ ዝወስድ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- 12 ሓምለ 2013 ዓ.ም ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተሳላሲሉ ማይ ብልዕሊ እቲ ግድብ ምፍሳሱ ናይቲ ግድብ ፍፃመ ናብ ናይ መወዳእታ ናይ ስራሕ ምዕራፍ ዘሰጋግር ምዃኑ ዋና ስራሕ መካየዲ ፕሮጀክት ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ገሊፆም፡፡

ኢንጅነር ክፍሌ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፣ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ማለት 2ተርባይናት ንምንቕስቓስ ዘድልዮ መጠን ማይ ሒዝና ማለት እዩ፤ ኣብ ቐፃሊ ዝትከሉ ተርባይናትን ጀነሬተራትን ሓይሊ ከፍልፍሉ ብራኸኦም ዝውስኽ እዩ ዝኸውን፤ እዚ ድማ ህንፀት እቲ ግድብ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከንበፅሕ ዘፈንጥረና እዩ፡፡

ከም ገለፃ ኢንጅነር ክፍሌ፣ እዚ ግድብ እዚ ዓይኒ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከም ምዃኑ መጠን ስራሕ ተሰሪሑ ኣብዚ ብርኪ እዚ ንምብፃሕ ጎኒ ንጎኒ ዝለዓሉ ቕሬታታት ብዲፕሎማስያዊ ኣካይዳ መስመር ንምትሓዝ ብዙሕ ፃዕርታት ተገይሩ እዩ፤ በዚ ምኽንያት እዚ ፅቡቕ ውፅኢታት እናተራእዩ እዮም፤ እዚኦም ከምዘለውዎ ኮይኖም 12/11/2013ዓ.ም ድማ ስራሕ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምዝዛሙ ካብ ዓወት ንላዕሊ እዩ፤ ፍፃመ እቲ ግድብ ከምዘማላኽት ተዛሪቦም፡፡

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዓወት ምዝዛሙ ኢትዮጵያውያን ውፅኢት ልፍዓቶም ምርካቦም የማላኽት ዝበሉ ኢንጅነር ክፍሌ፣ ኩሉ ህዝብና ኣብ ጎንና ኮይኑ ዘባራታተዐና ፈተውትና እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡

ኣብቲ ፕሮጀክት ዝኾነ እንተኾነ ውፅኢታት ተራ ብተራ እዮም ዝርከቡ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መጀመርያ ምምላእ ማይ ተዛዚሙ ኣብዚ ዓመት ድማ ካልኣይ ምምላእ ማይን ኣብ ውሽጢ ውሕዳት ኣዋርሕ ምፍልፋል ክጅምር እዩ፤ ካብኡ እቲ ዋና ዕላማ እቲ ፕሮጀክት ሙሉእ ብሙሉእ ወዲእኻ ንህዝቢ ምርካብ እዩ ዝበሉ ኢንጅነር ክፍሌ፣ብምዃኑ ድማ ስራሕ ምምላእ ማይ ናይ መወዳእታ ዕላማ እንተይኮነስ ናብ ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘፋናጥር ምዃኑ ምርዳእ ከምዘድሊ ኣብሪሆም፡፡

ህንፀት እቲ ግድብ ብብዙሕ መሳናኽላት ዝተመልአ እዩ ዝበሉ ኢንጅነር ክፍሌ፣ ንኣብነት ምስ ምዝራግ ፀጥታ፣ መንገዲ ዘይምንባር፣ ኣብቲ ስራሕ ዝተሰማረዩ ኮንትራክተራት ናይ ምፍርራሕ ኩነታት ኩሉ ተሓሊፉ እዩ፤ ካብ ኩሉ ዝበልፅ ግና ብብርኪ ዓለምለኸ ዝነበረ ልዑል ፅዕንቶ እዩ፡፡ ነዚ ኩሉ ፈተናታት ከይተንበርከኽና ብምሕላፍ ናብዚ ብርኪ እዚ ምብፃሕና ብጣዕሚ ዘሕጉስ ኢዩ ኢሎም፡፡

ናብዛ ዕለት እዚኣ ምብፃሕና መጀመርያ ፈጣሪ ምምስጋን የድሊ፤ ካብኡ ፀሓይ፣ ዝናብ፣ቚሪ ሙቐት እንተይበሉ ስራሕ ብሙሉእ ልብን ቖራፅነትን ዝሰርሑ ሰብ ሞያታት፣ ክሳብ ናይዛ ሕዚ ምውፀኦም ዘይተጓደለ ኢትዮጵያውያን፣ ንመንግስቲ፣ ንሰራዊት ምክልኻል ከምኡ’ውን ካልኦት ምስጋና ዝግበኦም ኩሎም ምስጋና የድልዮም እዩ ኢሎም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

 ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You