ኣዲስ ኣበባ፡– ምትግባር ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ነበርቲ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ ኣብ መንጎ ኮምሽን ሰብዓዊ መሰል ኢትዮጵያን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣብዝተኻየደ ዋዕላ ምግላፁ ተሓቢሩ።
ካብ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ዕላዊ ማሕበራ ድረ ገፅ ከምዝተረኸበ ሓበሬታ፤ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ መንግስታውን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ኣብ ዝተሳተፉሉ ዝተኻየደ እዚ መድረኽ፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ነባሪነት መሰረት ዝገበረ፣ ንምንግላታዕ ዘየሳጥሕ ስርዓት ምዝገባ ብምዝርጋሑ ኣካታቲነቱ ዝተረጋገፀ ስርዓት መለለዪ መንነት ብምዃኑ ተገሊፁ፡፡
መለለዪ መንነት ፋይዳ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተፈናቀሉ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ስደተኛታት፣ ተመዛበልትን ዝኣምሰሉ ተጋለፀቲ ወገናት ዘለዎ ተባፃሕነት ብምስፋሕ፤ ሰባት ግልጋሎት ንምርካብ መንነታቶም ንምርግጋፅ ዘኽእል ስርዓት መለለዪ መንነት ምዃኑ ‘ውን ተሓቢሩ።
በቲ ትካል እናተተግበሩ ዘለው ፈተነታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዘዎን፤ ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ግልጋሎት ኣካላት ግንዛብኦም ብምስፋሕን ክፍተታት ብምምላእን ዝተጀመሩ ግልጋሎታት ተጠናኺሩ ክቅፅል ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡
ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1284/2015 መሰረት እናተግበረ ዘሎ ሃገር ለኸ ፕሮግራም ኮይኑ፤ በዚ ኣዋጅ ዓንቀፅ 16 (1) መሰረት ናይ ሓደ ሰብ መንነት ንምርግጋፅ ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ከም ሕጋዊን እኹል መረዳእታ ተገይሩ ክውሰድ ከምዝግባእ ተደንጊጉ ‘ዩ።
ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ካብ ዘለዎ ብዙሓት ረብሓታት ብተወሳኺ ከም ሃገር ምሉእ ንምሉእ ተግባራዊ እንትግበር ናብ ከባቢ 7 ሚእታዊ ጂዲፒ ኢትዮጵያ ከምዝውስኽ ምግላፁ ‘ውን ዝዝከር’ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 10 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም