‹‹ተሓታትነት ድሕሪት ጁባ ብምግባር እንሰርሖ ስራሕ ንሃገር ሓደጋ ‘ዩ›› -ኤርሚያስ የማነ ብርሃን(ዶ/ር) ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ

ኣዲስ ኣበባ፡- ተሓታትነት ስርዓት ፍትሒ ናይ ድሕሪት ጁባ ብምግባር ነፃነት ጥራሕ ብምውልብላብ ዝስራሕ ስራሕ ንሃገር ሓደጋ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ኤርሚያስ የማነ ብርሃን (ዶ/ር) ኣፍሊጦም:: ድሕሪ እቲ ለውጢ ፃምእ ፍትሒ ህዝቢ ንምዕጋብን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም::

ኤርሚያስ የማነ ብርሃን (ዶ/ር) ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት፤ ስርዓት ፍትሒ ብፍላይ ዳያኑ ተሓታትነት ብምግዳፍ ነፃነት ጥራሕ ትኹረት ገይሮም ዝህብዎ ፍትሒ ንሃገር ሓደጋ ብምዃኑ ቀፃልነት ንከይህልዎ ስራሕቲ ሪፎርም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም::

ድሕሪ እቲ ለውጢ ፃምእ ፍትሒ ህዝቢ ንምዕጋብን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ዘመልከቱ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፤ እቲ ሪፎርም ንሃገረ መንግስቲ ቐፃልነት ፣ንልምዓት፣ ንህዝብታት ሓድነት፣ መሓውራዊ በደል ንከይህሉ ካብ ምግባር ኣንፃር ዝስራሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም:: ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ልምዓት ምቕፃል ዘይካእል ከምዝኾነ ኣፍሊጦም::

ሓደ ሓደ ቦታ ነፃነት በዚሑ ገደብ ምዝላል ዝረኣየሉ ኩነታት ከምዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፤ ዘንፀርፅሩ ዳያኑ ብገንዘብ ንምሻጥ ዝግበሩ ፈተናታት ከምዝነበሩ ኣፍሊጦም:: እዚ እንትባሃል ግና መሓውራዊ ዝኾነ ፀገም ኣሎ ንምባል ከምዘይኾነ ተዛሪቦም:: ተሓታትነት ሕገመንግስቲ ክሰፍን ከምዝግባእ ዝድንግግ ብምዃኑ፤ ደያኑ ናይ ምፅራይ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ:: እዚ እንትባሃል ሞያዊ ዓቕሞም፤ ስነምግባሮምን ኣታዊኦምን ሓዊሱ ዝፍትሽ ስራሕ ማለት ‘ዩ ኢሎም::

ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣዋጅ ቤት ፍርዲ ቁፅሪ 1234/2021 ብምውፃእ ስርዓት ዳይኑ ዘየሻሩ ሕጊ መሰረት ገይሩ ጥራሕ ከምዝሰርሕ ዝበለፀ ትካላዊ ነፃነት ፋይናንስ ተሓልዩ ንክስራሕ ንምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ::

ኣብ መንጎ ኣካላት ፍትሕን ቤት ፍርዲን ጥምረታዊ ኣሰራርሓ ብምጥንኻር ኣብ ዘፈር ፍትሒ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ፤ ኣካል ፍትሒ ናይ ባዕሉ ትራንስፎርሜሽን ትልሚ ኣውፂኡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም::

ኣብ ዘፈር ፍትሒ ህዝቢ ብጣዕሚ ዘማርረሉ ዝነበሩ ፀገማት ብመሰረታዊ ንምፍታሕ፤ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ዝጥሕሱ ሕግታት ምምሕያሽን ትካላት ፍትሒ ዓቕሚ ብጥንኻር ፀገማት ሕቶ ህዝቢ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ርብርብ እናተገበረ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም::

ምምሕያሽ ካብ ዝተገበረሎም ሕግታት እቲ ዋና መሰል ነፃነትን ዜጋታትን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድር ዝነበረ ፀረ ራዕዳዊ ኣዋጅ ንኣብነት ተጠቃሲ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ፤ ምምሕያሽ ሕጊ ስራሕቲ ብትካላት ህንፀት ተዘይዓብዮም ዝድለ ለውጢ ምምፃእ ስለዘይካኣል ህንፀት ትካልን ስራሕቲ ሪፎርም ንምስራሕ ዘኽእል ትልሚ ሰለስተ ዓመት ትራንስፎርሜሽን ፍኖተ ካርታ ተዳሊዩ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ተግባራዊ እናኾነ ከምዝኾነ ኣብሪሆም::

ኣብ ሰለስተ ዓመት ዘፈር ፍትሒ ትልሚ ትራንስፎርሜሽን ዓቕም ባዓል ሞያን ስነ ምግበርን ንምዕባይ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ተኸታታሊ ህንፀት ዓቕሚ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም:: ብፍላስ ኣመለኻኽታ ስነምግባር ትኹረት ተዋሂቡ ብስፍሓት እናሰርሐ ‘ዩ ኢሎም::

ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ፍኖተ ካርታ ዝተኻተቱ ናይ ባዓል ሞያን ኣመራርሓን ንምፅራይ ዘኽእል መድላው ስራሕቲ እናተስርሐ ከምዝኾነ ኤርሚያስ የማነ ብርሃን (ዶ/ር) ኣመልኪቶም:: ቅድሚ እቲ ለውጢ ዳያኑ ሹመት ዝዋሃብ ብኣብዝሓ ብፖለቲካ ፅዕንቶ ከምዝነበረ ድሕሪ ምዝካር ፤ በዚ ሪፎርም ሹመት ደያኑ ፣ምልመላ፣ ስርዓት ዝውውር ብዘለዎ መልክዑ ንምምራሕ ንክካኣል ብኣዋጅ ፀዲቑ ተግባራዊ ንክኾን ከምዝተገበረ ወሲኾም ገሊፆም::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You