ንኣጥቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ- ዘላቂን ዝተዋደደን ኣሰራርሓ

ሓተታ ዜና

ኣብ ኢትዮጵያ ክንኽተሎ ዝፀናሕና ዝተለመደን ዘላቂነት ዝጎደሎን ኣጠቃቅማ ስነ-ምሕዳር ስርዓቱን ዑደቱን ብምዝባዕ ውፅኢቱ ድማ ኣብ ሃገራዊ ልምዓትን ናብራ ሕብረተሰብን ልዑል ጉድኣት እናብፅሐ ከምዝመፅአ እናተገለፀ ይርከብ። እዚ ዘላቂ ዘይኾነ ኣጠቃቅማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንክተርፍ ብምግባር፤ ዘላቂን ዝተዋደደን ኣሰራርሓታት ምኽታልን ጭቡጥ ስጉምትታት ምውሳድ ‘ውን ዝሓትት ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይሕብሩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ስርዓት ምግብን፣ ኣጠቃቀማ መሬትን መሊስካ ምሕዋይን ኣብ ዝኣምሰሉ ዝሰርሕ ፕሮጀክት (FOLUR) ኢትዮጵያ ብሚኒስቴር ፕላንና ልምዓትን ኣተሓባባሪነት ምስ ፕሮግራም ልማት ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር ከምኡ ‘ውን ምስ ከባቢን ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ፣በዓል መዚ ቡናን ሻሂን ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን፣ ሚኒስቴር ግብርና፣ በዓል መዚ ከባቢን ሓለዋንን ሚኒስቴር ገንዘብን ብምትሕብባር ከምኡ ‘ውን ብብርኪ ክልል ምስ ቢሮታት ከባቢን ልምዓት ደንን መሰል ኣካትን መሓውር ዘርጊሑ ብምትሕብባር ዝሰርሕ ፕሮጀክት ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ።

እዚ ፕሮጀክት ብ 20 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዶላር ዝትግበር ግዙፍ ፕሮጀክት ኣብ ተፈጥሮ ደንን ምሕርቲ ቡና ዝበዝሐሎም ከባቢታት ማለት ‘ውን ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ 22 ወረዳታት ዝሰርሕ ‘ዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ‘ውን ነዚ ገዚፍ ፕሮጀክት ንምዕዋት ትኹረት ዝገበረ ምስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ናይ ምትሕብባር፣ ምርምርን ምጥንኻር ፍልጠትን ኣብ ከተማ ኣዳማ ዓውደ መፅናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብዚ መድረኽ መኽፈቲ ዓውደ ፅንዓት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንና ልምዓት ኣይተ ስዩም መኮንን ከምዝብልዎ፤ እቲ ዓወደ መፅናዕቲ እቲ ፕሮጀክት ዝትግበረሉ ከባቢታት ምስ ዝርከቡ ዩኒቨርስቲ ብምዃን ሓደሽቲ ተሓባበርቲ ንምፍጣርን ንምጥንኻርን ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። እዚ ድማ ብፍልጠት ዝተመስረተ ምምሕዳር ልምዓት ንምትግባርን ዝተበታተኑ ምትሕብባራትን ልውውጥ ልምድን ምጥንኻር ዘካተተ ክኸውን ከምዝግበኦ ኣይተ ስዩም ኣረዲኦም።

ሚኒስቴር ፕላንና ልምዓትን ኣብ ሞነጎ ካብ ዘለዎ ሃገራዊ ሓላፍነታት ሓደን ዋናን እዛ ሃገር ዘለውዋ ዘርፈ ብዙሕ ፈተናታትን ሕልኽላኻት ልምዓትን ንምፍታሕ ብዘኽእል መልክዕ ትልምታት ልምዓት ብምትሕብባርን ምድላው ኩሉ ዓይነት ሃገራዊ ልምዓት ምትግባር ዝሓትት ምዃኑ የመልክቱ። ኣብ ዝተዋደደ ኣተሓሕዛን ኣጠቃቅማን መሬት ንክህልው ምስ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ምርምርን ብምዃን ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ‘ውን ይሕብሩ።

ኣብ ሚኒስቴር ፕላንና ልምዓትን መተሓባበሪ ፕሮጀክት ዝተዋደደ ኣተሓሕዛን ኣጠቃቅማን መሬት ኣይተ ሙሉጌታ ወርቁ ብወገኖም፤ እቲ ፕሮጀክት ውፅኢታማ ንምግባር ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብሓባር ብምዃን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ደን፣ ኣብ ምህርቲ ቡና እንስሳ ዘገዳምን ሰንሰለት እሴትን፣ ልምዓት ዕዳጋ ተኮር ፍራምረን ኣዝርእትን ናይ ሓባር ስራሕቲ ፅንዓትን ምርምር ንምስራሕ ምትላሙ ሓቢሮም።

ናይዚ ዓውደ መፅናዕቲ ዕላማ ምርምር ዝግበረሎም ዘርፍታት ብምፍላይ ቅደም ሰዓብ ብምውፃእ ናብ ምርምር ዝእተወሉ መንገዲ ዝፀርግ ስራሕ ንምስራሕ ዝካየድ ‘ዩ ኢሎም። ብፍላይ ኣብ ምዕቃብ ሓመድ ማይን፣ ምሕካም ኣሲዳማ ሓመድን፣ ንምክለኻል ምሽርሻር ሓመድን ሓዊሱ እቲ ፕሮጀክት ሓጋዚ ምዃኑ ብምግላፅ፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ምዕባይ መፍራይነት ሰንሰለት ቡናን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብምውዳብ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ንባዕሎምን ከባቢኦም ብምሕጋዝ ኣበርክቶ ንክገብሩ ዝሕግዝ እንትኾን፤ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ካብ ዝሰረሖም ናብ ከባቢ 500 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምሕዋይ ናብ ዝነበሮ ተፈጥሮኣዊነቱ ንክምላስ ተሰሪሑ ‘ዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ እዚ ፕሮጀክት ን220 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን 220 ሽሕን ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ ናብ 440 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ተረባሕቲ ክገብር ‘ዩ ተባሂሉ ከምዝሕሰብ ኣይተ ሙሉጌታ ሓቢሮም ‘ዮም።

ኣብቲ መድረኽ ተሳተፍቲ ካብ ዝነበሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ናይ ምርምርን ግልጋሎት ማሕበረሰብን ምኽትል ፕሬዚዳንት ዘሪሁን ኣሰፋ (ዶ/ር)፤ እቲ ዩኒቨርስቲ ዓሌት ቡና ብምምሕያሽ ፅሬት ኣብ ምውሳኽ ኣብቲ ዘፈር ምርምር እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኣብ ምዕባይ ምህርቲ ቡና ብሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን እናተተገበረ ዘሎ ፕሮጀክት ዝገብርዎ ንዘለው ስራሕቲ ምርምር ንምዕዋት ሓጋዚ ከምዝኾነ ‘ዮም ዝገልፁ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You