‹‹መፍትሒ ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ግራት ሓረስታይ ምብዛሕ ‘ዩ›› – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡መፍትሒ ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ግራት ሓረስታይ ምሩፅ ዘርኢ ምብዛሕ ‘ዮ ክብሉ ሚኒስትር ሕርሻ ፌዴሪኢ ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝገልፅዎ፣ ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ኩሉ ኣሎ ‘ዩ፡፡ኣብ ክልል ትግራይ ከም መፍትሒ ዝገበርናዮ ነገር ኣብ ግራት እቲ ሓረስታይ ምሩፅ ዘርኢ ምብዛሕ ‘ዩ።

መንግስታዊ ትካል ይኹን ውልቀ ሴክተር ዘይክህሉ ይኽእል፤ እቲ ዘርኢ ግን ብሓረስታይ ክባዛሕ ይኽእል ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ብሰፊሑ እናሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ፀገም ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዝያዳ ክቃለል ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ ኢሎም። ክልል ትግራይ ሓዊሱ ናይ ዓሚ በልጊ ናይ ትልምና ሚኢቲ ብሚኢቲ ክንሰርሕ ክኢልና ኢና። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ቀውዒ ብጣዕሚ ዝሓሸ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ትግራይ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ኣብ መኽዘን ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ዝነበረ ዘመናዊ ድኹዒ ንመጀመርያ ግዜ ምፅዓን ዝጀመርናዮ ንሕና ኢና ክብሉ ኣዘኻኺሮም፡፡ኣብዚ ወቕቲ ኣብ ከባቢ ራያ ኣብ ልዕሊ ዕስለ ዓዕዋፍ መድሓኒት ንነፅግ ኣለና ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ንትግራይ ኣብ 2015 ኣስታት 700 ሽሕ ኩንታል ድኹዒ ኣቕሪብና ኢና። ናብ ክልል ትግራይ ተገዚኡ ክሳብ ዝቐርብ ጊዜ ከይሓልፍ ከምኡ ‘ውን እቲ ሓረስታይ ናብ ስራሕ ክኣቱ ናብ ክልል ትግራይ ዝለኣኽናዮ ቐልጢፍና ኢና፡፡ ዓሚ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ኣስታት 800 ሽሕ ኩንታል ድኹዒ በፂሕዎ ‘ዩ፡፡ ሕፅረት መዳበርያ ኣይነበረን፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You