ግደ ኪነ ጥበብ ኣብ ምልላይ ታሪኽ፣ ባህልን ፀጋታትን ሃገር

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ሰፊሕን ዓሚቕን ታሪኽ ባህልን ሓፈሻዊ ብዙሕ ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፀጋታት ዝመልኣ ሃገር ‘ያ። ይኹን እምንበር ብዘለዋ ታሪኻውን ባህላውን ከምኡ ‘ውን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣንፃር እቲ ወለዶ ንባዕሉ ይኹን ንዓለም ብዝግባእ ኣፋሊጡ ‘ዩ ምባል ከቢድ ‘ዩ። ነዞም ፀጋታት ንምፍላጥ ልዑል ግደ ካብ ዘለዎም ድማ ኪነ ጥበብ ሓደ ‘ዩ። ስለዝኾነ ነዚ ጥበብ ብምጥቃም ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፀጋታት ነዚ ወለዶን ንዓለምን ምፍላጥ ኣድላይ ‘ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ድ/ር) ዝሓለፈ ቀዳም ብስም ስሙይ በዓል ሞያ ሙዚቃ ፕሮፌሰር ኣሸናፊ ከበደ ብቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ማእኸል ሙዚቃዊ ጥበባት መሪቆም ኣብ ኸፈቱሉ እዋን ፤ ብልክዑ ዘይተላለየ ታሪኽን ባህልን ኢትዮጵያ ኪነ ጥበብ ብምጥቃም ብግቡእ ምልላይ ይግባእ ክብሉ ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓሳብ ኣልዒሎም ‘ዮም።

ብተወሳኺ ኪነ ጥበብ ኣርሒቃ ናይ ምርኣይን ናይ ምሕታትን ዓቅሚ ዘለዋ ‘ያ። እዚ ዓቅሚ ድማ ናብ ተግባር ብምውዓል ባህልን ታሪኽን ኢትዮጵያ ክፋለጥን ምትእስሳሩ ‘ውን ክጠናኸር ይግባእ ክብሉ ብምርዳእ፤ ኢትዮጵያ ቅዱስ ያሬድ ዝኣምሰለ ናይ ምፍጣር ዓቅሚ ዘለዎ ዓበይ ናይ ኪነ ጥበብ ሰብ ዘፍረየት ሃገር ‘ያ። እቲ ሊቅን ስራሕቱን ግና ክንድምታይ ዝኣክል ብልክዑ ፈሊጥናን ኣፍሊጥናን ዝብል ሕቶ ኩሉ እዋን ዝልዓል ‘ዩ ብምባል ታሪኽናን ባህልናን ብሓፈሻ ፀጋታትናን ንምፍላጥ ኪነ ጥበብ ዋና መሳርሒ ብምዃና ክንጥቀመላ ይግባእ ክብሉ መእኽቶም ኣሕሊፎም ‘ዮም።

ኪነ ጥበብ እንትንሓስብ ዝሓለፈ ታሪኽን ስራሕትን ክዝንግዕ ከምዘኣይግባእ ዘልዓሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ብሓደ ዓይኑ ንድህሪት ዝትርኢ ሃገር ጥበበኛ ‘ያ። ምኽንያቱ ድሕሪኡ ዝርኢ ናይ ቅድሚ ኡ ውን ዘይረሰዐ እዩ ብምባል፤ ብኸይዲ ቅብ ብል ታሪኽ ዝተሃነፀ ምትእስ ሳር ዝበለፀ ውፅኢታማ ከምዝኸውን ሓቢሮም ‘ዮም።

ኣብዚ ማእኸል ንክንርከብ ዝገብረና ምኽንያት እቲ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ያሬድን ፍሉጥ ናይ ጥበብ ሰብ ፕሮፌሰር ኣሸናፊ ከበደ ስለዘዘኻኽረና፤ ኣብ ዝቅፅል ድማ ናቲ ማእኸል ሓላፊ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ ሰብ ግርማ ይፍራሽዋ ዝሓዘን ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ‘ዩ ብምባል፤ እዚ ዓይነት ቅብብል ትውልዲ ብምጥንኻር እቲ ከነ ጥበብ ንሃገር ዝተርፍ ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ ግቡእ እዩ ክብሉ ውን ተዛሪቦም ‘ዮም።

ማእኸል ጥበባት ሙዚቃ ብስሞም ዝተሰየመሎም ፕሮፌሰር ኣሸናፊ ከበደ መስራቲ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ናይ መጀመርያ ዳይረክተር እቲ ቤት ትምህርትን ኮይኖም ዘገልገሉ ከምዝኾኑ ዝተገለፀ ኾይኑ፤ ከምኡ ‘ውን ዕኣወሃዲ ሙዚቃ ኢትዮጵያዕ ዝብል መፀውዒ ዘትረፉን እንትኾኑ ብተወሳኺ “ባለ ዋሽንት እረኛ” ወይ “The Sheephred Fluitist” ብዝብሃል ክላሲካል ሙዚቃኦም ብስፍሓት ይፍለጡ ‘ዮም።

እቶም ፕሮፌሰር ንሕትመት ዘብቅዕዎ “Roots of Black Music” መፅሓፍን ብዙሓት ጥንታዊ ፅሑፋትን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብን ከምዘበርከቱ ተገሊፁ ‘ዩ።

ከምዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብስሙ ዝተሰየመሉ ርእሰ ሊቃውንት ዜማ፣ ቅኔን ፍልፍናን ቅዱስ ያሬድ ኣብ ከተማ ኣከሱም ብ493 ዓ.ም ዝተወለደን ብፈላይ ብዘደነቅ ዜማ ድርሰቱ ግእዝ፣ እዝልን ኣራራይን ብዝብሃሉ ዜማታት ብምድላው፤ ሸሞንተ ምልክታት ዜማ ብምፍጣር ኣደናቂ ምህዞ ብምምሃዝ ዝፍልጥን ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ ሃገርናን ብፍላይ ድማ ኣብ ታሪኽ ኦረቶዶክስ ቤተክርስትያንን ልዑል ስም ዘለዎን ዝትኸበረን ‘ዩ።

ብግዘ ንውሓት ዘይሃስስ ኣደናቂ ስራሐቱ ንምዘካር፣ ንምድናቅን ንምኽባርን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መፀውዒ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ትካላት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ‘ውን ሓወልታት ተሃኒፆምሉ ‘ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ‘ውን ኣብ ከተማ ኣክሱም ብዩኒቨርስቲ መቐለ ዝተሃነፀ ሓወልቱ ብዕሊ ተመሪቁ ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ዝተፈላልዩ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ብዝኸኣልዎ ዓቕሚ ኣብ ኪነ ጥበብ ብዘበርከትዎ ስራሕ ብኸምዚ ምዝካሮምን ንታሪኽ ምስጋርን ፅቡቅ ነገር ኮይኑ፤ ጎና ጎኒ ድማ ኪነ ጥበብ ዘለዎ ልዑል ዓቅሚ ብምጥቃም ታርኽ፣ ባህልን ፀጋታትን ሃገር ኣብ ምፍላጥ ብግቡእ ግደኡ ንክፃወት እኹል ትኹረትን ዘይሕለል ፃዕሪን ሰብ ሞያ እቲ ጥበብን መዳርግቲ ኣካላትን ኣገዳሲ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You