ኣቆራርፃ ፀጉሪ

ምሕብሓብን ምቑራፅን ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቤተ መንግስቲን ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲን ከምዝጀመረ ይንገር። መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፣ ነገስታትን ንጉሳውያን ደቆምን ፀጉሮም ብፍሉይ ብዝተፈለየ መልክዑ መልከዐኛ ፅቡቑን ጌሮም ናብ ቅድሚ ህዝቢ ይቐርቡ ነበሩ። እዚ ልምዲ ምቑራፅ ፀጉሪ በብቑሩብ ካብ ቤተ መንግስቲ ናብ ሕብረተሰብ ተዘርጊሑ ናብ ብዙሓት ሰባት በፅሐ።

ብፍላይ ካብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመንን መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመንን ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ፀጉሮም ተቖሪፆምን ብዝተፈላለዩ ቕርፅታት ተስተኻኺሎም ክቐርቡ ጀመሩ። እዚ ድማ ናይ ፅባቐ ስምዒት ይፈጥረሎም። ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ወተሃደራት ዝገብርዎ ዝነበሩ ምቑራፅ ፀጉሪ ንነዊሕ ዓመታት ምርጫ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኮይኑ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ፋሽን ኮይኑ ኣሎ። ምቑራፅ ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮ ብሓገዝ ዘመናዊ መሳርሒታት ምስራሕ ቀሊል ኮይኑ ኣሎ። ደቂ ተባዕትዮ ‘ውን ፀጉሪ መድመቒ መልክዕን ፅባቐን ምዃኑ ተገንዚቦም ‘ዮም። ኣብ ምቑራፅ ፀጉሮም ‘ውን ፍሉይ ቆላሕታ ይህቡ።

ብዙሓት ሰባት ምስ ግዜን ዘመንን፣ ንበዓላትን ንፍሉይ ኣጋጣሚታትን፣ ከምኡ’ውን ንዝተፈላለየ ግዜን ቦታታትን ዝምጥን፣ ኣብቲ ቦታ ልሙድ ዝኾነ መልክዕን ሕብርን ዘለዎ ኣሳራርሓ ምቑራፅ ፀጉሪ ከም ዝመርፁ ‘ውን ነስተብህል ኣለና። ኢትዮጵያውያን ንዘመናት ናይ ገዛእ ርእሶም ፋሽን ፀጉሪ ክኽተሉ ፀኒሖም ‘ዮም። ኣብ ጥንቲ፣ ናይ ቐደም መንእሰያት ፀጉሮም ኣፍሮ ይገብሩ ነበሩ። ከም ነገስታትን ሓደ ሓደ ግዜ ይቑነኑ ‘ውን ነይሮም። ህፃናት ድማ ጭንጉዕቲ ይስርሑ ነበሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ኣሳራርሓ ፀጉሪ ተፈታዊን ፋሽን እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ምስቲ ትማሊ ኢትዮጵያውያን ዝጥቐምሉ ዝነበሩ ኣሳራርሓ ፀጉሪ ኣዝዩ ዝመሳሰል ምዃኑ ክርአ ይከኣል። በዚ ምኽንያት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ዘሎ ኣሰራርሓ ፀጉርን ክንክንን ‘ውን ምጥቃስ ይከኣል። ንኣብነት ንዘመናት ደቂ ተባዕትዮ ዓፋር ንፀጉሮም ንምሕብሓብ፣ ንምፅባቕ፣ ወዝ ዘለዎን ኣንፀባረቒ ዝተፈላለዩ ነገራት ብምጥቃም ዝጥቐምሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ ኣብ ከተማታት ዝተወሰነ ለውጢ ብምግባር ከም መግለፂ ፋሽን ተገይሩ የገልግል ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንፀጉሮም ፍሉይ ኣቓልቦ ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮ፣ ኣብዚ ግዜ ብዝተማዕበሉ ዝተፈላለዩ ማሽናትን መሳርሒታት ምቑራፅ ፀጉርን ተሓጊዞም ብናይ ፅባቐ ሰብ ሞያ ፀጉሮም ይሰርሑን ይማላኽዑን። መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ሰዓብቲ ፋሽን ምቑራፅ ፀጉሪ ኮይኖም ኣለዉ። ደቂ ተባዕትዮ ንኻልኦት ብምዕዛብ ወይ ድማ ናብ ሳሎን ፀጉሪ ብምኻድ ንሰብ ሞያ እንታይ ዓይነት ምቑራፅ ፀጉሪ ርእሲ ከም ዝደልዩ ብምንጋር ፀጉሮም ይስርሑ።

መናእሰይ ናብ እንዳ ፀጉሪ ምስከዱ ከከም ዕድሚኦምን ድሌቶምን ደስ ዝበሎም ቕርፂ ብምምራፅ ይስርሑ። መብዛሕተኦም ብፍላይ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሓደ ቑፅሪ ወይ ኖርማል ተባሂሉ ብዝፍለጥ ይስተኻኸሉ። ህፃናት እንተኾይኖም ግና መብዛሕትኡ ብናይ ወለዶም ድሌት ‘ዮም ዝስተኻኸሉ። ምቑራፅ ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ግዜ እናተቐየረ ሓንሳብ ፋሽን ይኸውን ድሕሪኡ ወይ ይጠፍእ ወይ ድማ ቅሩብ ለውጢ ሒዙ ይምለስ።

ሓደ ኣሳራርሓ ፀጉሪ ንነዊሕ ዓመታት ፋሽን ኮይኑ ክፀንሕ ይኽእል ‘ዩ። ብመብዛሕተኦም መናእሰይ ከም ፋሽን ዝወስድዎን ዝፈትውዎን ዓይነት ምቑራፅ ፀጉሪ “ፍሪዝ” ይበሃል። እዚ ማለት ታሕቲ ታሕቲ ምልጥ ኣቢልካ ወይ ኣዝዩ ብሓፂሩ ተቖሪፁ ልዕል እናበለ እንትኸይድ ምፅላሙ እናወሰኸ ሙሉእ ብሙሉእ ብምግዳፍን ቐኒስካ ብምስትኽኻልን ጥራሕ ብዝተፈላላዩ ቕብኣታት ፀጉሪ ምጥቕላል ወይ ምፍራዝ ‘ዩ።

ካብ ምስራሕ ፍሪዝ ብተወሳኺ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዝረኣይዎ ሓድሽ ምቑራፅ ፀጉሪ ዝመርፁ ‘ውን ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበብ ሓበሬታታትን ዝረአ ምቑራፅ ፀጉሪ ‘ውን ዝያዳ ተፈታዊ እናኾነ ይመፅእ ስለዘሎ ብዙሓት እናተኸተልዎ ይርከቡ። ብፍሉይ መልክዕ ክስርሑ ዝደልዩ መናእሰይ እናተበራኸቱ ይመፁ ኣለዉ ‘ዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ፀጉሪ ሳሎናት፣ ቅዲ (ቅርፂ) ፀጉሪ ብመልክዕ “ሜኑ” ምስ ስእልታት ይርአ። ዓይነትን ስምን ምቑራፅ ፀጉሪ ካብ ቦታ ናብ ቦታን ካብ ገዛ ናብ ገዛን ይፈላለ ‘ዩ። ካብቶም ቀንዲ ዓይነታት ምቑራፅ ፀጉሪ ፓንክ (ብመንእሰያት ዝምረፅ) ናይ ላዕለዋይ ክፍሊ ፀጉሪ እንተይነኽአ ታሕቲ ታሕቲ ጥራሕ ምስትኽኻልን ቕርፂ ምውፃእን ‘ዩ። ዜሮን ብሓደ ቑፅርን (ናይ መስተኻኸሊ ኣስናን ማሽን ‘ዩ። ማእከላይ ሓፂር ምቑራፅ፣ ኣፍሮ (ቀደም ልሙድ ኮይኑ ግን ክሳብ ሕዚ ሓሓሊፉ ዘሎ)፣ ጆንትራ ቮልታ፣ ባላቶሊን ልሙዳትን ጎሊሖምን ዝጥቐሱ ‘ዮም።

ልክዕ ከምቲ ቅርፂ ምቑራፅ ፀጉሪ ብዕድመ ዝፈላለ፣ ብመሰረት ወቕቲ ክምረፅ ወይ ክውሰን ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ክረምቲ ወይ ሓጋይ መሰረት ገይሩ ክውሰን ይኽእል ‘ዩ፤ ኣብ እዋን ክረምቲ ምስ ቑሪ ተተሓሒዙ ኣሕፂርካ ምቑራፅ ይንኪ ‘ዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ እዋን ሓጋይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ፀጉሮም ከሕፅሩ ይኽእሉ። እዚ ቑርን ሙቐትን ዝፈጥሮ ምርጫ ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You