
ቀዳመይቲ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝተረኸበላ ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ፤ ዝገዘፈ ዋናኒት ታሪኽ፣ ወናኒት ብዙሓት ባህልታትን ቋንቋታትን፣ ከምኡ ‘ውን ወናኒት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮ’ውን ሓድግታት ምዃና ብዙሕ ግዘ ይግለፅ። ዋናኒት እዚ ኹሉ ሃፍቲ እንተኾነት ‘ውን ነቲ ዘፈር ብዝገባእ ብምልማዕ ናብ ረብሓ ኣብ ምቅያር መንፃር ግና ብዙሕ ከምዝተርፋ ናይቲ ዓውዲ ሰብ ሞያ ካብ ምግላፅ ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን፡፡
ብምልላይን ጎና ጎኒ ኣብቲ ዓውዲ ንዝነጥፉ ማሕበረሰባትን ዓድን ዝህቦ ረብሓታት ንምዕዛዝ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እናተገበረ ዝመፅኣ ፃዕሪ ብምቅፃል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ንሓድግታት እናተወሃበ ዘሎ ትኹረት መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ካብ ምዝርጋሕ ዘሓለፈ ንሓድግታት ልዑል ትኹረት ብምሃብ ብብርኪ ሃገር ናብ 30 ዝኾኑ ቅርስታት ሕድሳት ተገይረሎም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዩ ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡
ምስ ሓድግታት ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ናብ 18 ዝኾኑ ሓድግታት ኣብ ትካል መንግስታት ዓለም፤ ናይ ትምህርት፣ ሳይንስን ባህልን (የኔስኮ) ዘመዝገበት ሃገር ምዃና ይፈለጥ ‘ዩ። ካብዚኦም ውሽጢ 12 ዝድህሰሱ ከምኡ ‘ውን 6 ዘይድህሰሱ ሓድግታት ‘ዮም።
ከም ሓበሬታ በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ሓድግታታ ዓቂባን ሓብሒባን ናብ ትውልዲ ካብ ምስግጋር ብዝሓለፈ ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ለውጢ ንከምፅኡን ዞባዊ ሓባርነት ንምምፃእ ብዘኽእል መንገዲ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ኤልያስ ሽኩር ምስ ኢቢሲ ‘አዲስ ቀን’ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ ‘ውን፤ ብብርኪ ሃገር ናብ 30 ዝኾኑ ቅርስታት ሕድሳት ተገይረሎም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዩ ብተወሳኺ፤ ንቅርስታት ዝግበር ፅገና፣ ሓለዋን ምሕብሓብን ከምዘሎ ኾይኑ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንክህቡ በቢከባቢኡ ዘሎ ሰላም ብምፅናዕ መንፃር ካብቲ ሕብረተሰብ ትፅቢት ዝገበረሉ ክዋፃእ ከምዘለዎ ‘ዩ፡፡
ምስ ጎረቤት ሃገራት ዘተኣሳስሩ ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃታት፣ ስርዓታት ዳይነት ብብርኪ ሃገር ድማ እንሰት፣ ቡና፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ባህላዊ ስራሕቲ ዓለባ ዓዲ ፅንዓታት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣይተ ኤልያስ ሽኩር ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ሓለዋን ፅንዓትን ሓድግታት ተደራጅዩ ነቲ ዘፈር ዘድልዮ ግደ ንምብርካት ንከኽእል በቢዓመቱ ብካልኣይ ዲግሪ ኣብ ምምራቅ ዘሎ ምዃኑ ዘልዐሉ ድማ ኣማኻሪ መፅናዕቲ ሓድግታት ስነ ህንፃ ዝኾኑ ታደሰ ግርማ ፣ምስቲ ባዓል መዚ ‘ውን ብሓባር፣ ብቅርበት እናሰርሑ ምዃኖም ይዛረቡ፡፡
ከምኡ ‘ውን ብብርኪ ዓለምለኸ ዝተመዝገቡ ሓድግታት ናብ ዲጅታል ንምቅያር ሶፍትዌር እናተዳለወ ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ምስ ኢቢሲ ‘አዲስ ቀን’ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም ‘ዮም፡፡
ቀዳመይቲ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ፤ ዝገዘፈ ዋናኒት ታሪኽ፣ ወናኒት ብዙሓት ባህልታትን ቋንቋታትን እንተኾነት ‘ውን ነቲ ዘፈር ብምልማዕ ኣብ ረብሓ ምስ ምውዓል መንፃር ብዙሕ ከምዝተርፋ እናተሓበረ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ብተዋሳኺ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ዓሚቕ ፍልፍል ቱሪዝም እናተደነቀት ‘ውን ትረከብ ኣላ።
ሚኒስቴር ቱሪዝም ድማ ምስ ዩኔስኮ ብምትሕብባር ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነብሩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለዩ ጉጅለ ልኡኻትን ኣብ ዝተፈላላዩ መባፅሕ ቱሪዝም ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኢትዮጵያ ብዘለዋ ዓሚቕ ፍልፍል ቱሪዝም ከምዘድነቁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢትዮጵያ ዝተፈላላየ ባህሊ፣ ኣመጋግባ፣ ኣልባሳት፣ ፀጋታት ሃፍቲ ተፈጥሮን ተራእዮም ዘይፀገቡ ሓድግታት ተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን በስፍሓት ዝሓዘት ሃገር ምስ ምዃና ሃፍትታት ቱሪዝማ ንምፍላጥ ብስፍሓት ንምፍላጥን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምዕባይ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይረከቡ እቲ ዑደት ኣምባሳደራት ‘ውን ሓደ መርኣያ ‘ዩ።
ኣብዚ ዑደት ዝተሳተፉ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ኢትዮጵያ ልዑል ዓቅሚ ቱሪዝም ዘለዋን ኣብ ዓለም ፍልይቲ ዝኾነት ሃገር ‘ያ ክብሉ ከምዝገለፅዋ እቲ ፀብፃብ ይሕብር። ተፈጥሮዊን ሰብ ስራሕን ሃፍትታት ኢትዮጵያ ትኩረት ዝስሕቡ ምዃኖም ብምግላፅ ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዘገቡ ሓድግታት ባህልን ዝተፈረላላዩ ስነ-ምሕዳራትን ብምድናቅ፤ መንግስቲ ተባፃሕነት ቱሪዝም ንምምሕያሽ እናገበሮ ዘሎ ኣበርከቶ ንኢዶም ‘ዮም።
ካብ ዛዕባ ሓድግታት ከይወፃእና ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓላፊ እቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ከምዝገለፅዎ፤ ዓድና ናይ መዋእል ታሪኽ፣ መንነት፣ ባህሊ፣ እምነት፣ ዝሓቖፋት ወናኒት ሓድግታት ትኹን ‘ምበር እዞም ሓድግታት ብዝተፈላለየ መንገዲ እናጠፍኡን ኣብ ሓደጋ እናኣተው ፀኒሖም ‘ዮም::
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ውሑዳት ዘይኮኑ ድማ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢድ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ከም ዝርከቡ ብምሕባር፤ ገለ ግዱሳት ወገናት ኣዝዮም ወሰንቲ ዝኾኑ ዓይነታት ሓድግታት ንቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ የረክቡ ከምዘለው ገሊፆም ‘ዮም።
እዚ ድማ ኣብ ምዕቃብን ሓድጊ፣ ታሪኽ፣ ባህልን መንነትን ወሳንን ኩሉ ክስዕቦ ዝግባእ ሰናይ ተግባርን ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤እዚ ቅዱስ ተግባር ካልኦት ‘ውን ክስዕብዎን ዝተበተኑ ሓድግታት ኣብ ምእካብን ናብ ዝጎበኦ ትካል ባህልን ቱሪዝምን ክምለሱ ኣብ ምግባር ዘሎ ሰናይ ተበግሶ ምንኣዶም ዝዘከር ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም