ዕውታት ኣፈፃፅማታትን ቀፃሊ ኣንፈታትን ቱሪዝም ትግራይ

ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ከም ክልል ትግራይ ሰፊሕ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ተፍጥሯውን ሰብ ስራሕን ሃፍትታት ዝተዓደለት ‘ያ። ኣብ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ እምነትን ምችው ፀባይ ኣየርን ሰሓባይ ኣቀማምጣ ምድርን ሓዊሱ ንፍልፍል ቱሪዝም ዝኾኑ ዝመለአት ‘ያ። ነዚ ብግቡእ ብምዕቃብን ብምልላይን ካብዚ ክንድቲ ክርከቦ ዝግብእ ዘርፈ ብዙሕ ረብሓታት ግና ክሳብ ሐዚ ከምዘየተረኸበ ይግለፅ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ቀረባ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየደ ከቢድ ኵናት ተወሲኽዎ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ተስፋ ዝህብ ምንቕቃሕ ዝተክዳኸመሉ ኩነታት እንተነበረ ‘ውን ብውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ስዒቡ እቲ ዘፈር ዳግም-ንክጅምር ብምግባር ቀሊል ዘይብሃል ስራሕቲ ተሰሪሖምን እናተሰርሑን ዝርከብሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

እዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ሕውየትን ክንክንን ሓድግታት፣ ኣብ ምንቕቓሕ ኢንዳስትሪ ባህሊ፣ኣብ ምልዕዓል ቱሪዝም ቢዝነስ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ምንቕቓሕ ሰራሕተኛታትን ማሕበረሰብ ቱሪዝምን ማእኸል ዝገበሩ ኣንፈታት ምቕማጥ ኣብ ሕውየትን ምዕባይ ምስሊ ትግራይን ርኡይ ስራሕ ምስርሑ ካብቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፋት 9 ኣዋርሕን ትልምታት ቀፀልቲ 100 መዓልትታትን ጠሚቱ ናይ ድሕረ-ኩናት ኩለመዳይ ሕውየት ኣብ 2017 ዓ/ም ‘ውን ነቲ ኣንፈት ሕውየት ትግራይ ንምቕፃልን ትልምታት ብምውፃእ ናብ ተግባር ዝተኣተው ምዃኑ ይሕብር።

ካብዚ መድረኽ ካብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፤ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ምስሊ ትግራይ ኣብ ምቕያር፣ ገዚፍ ቁጠባዊ ረብሓ ኣብ ምርግጋፅ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ምጥንኻር፣ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ፣ ተረባሕነት ሕ/ሰብ ኣብ ምርግጋፅ፣ ኢንዳስትሪ ባህልን ቱሪዝምን ኣብ ምንቕቓሕ (ብፍላይ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምንቕቓሕ)ካልኦትን ዕውታት ፍፃመታት ከምዝነበሩ ተገምጊሙ ‘ዩ።

ምስዚ ተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት 7200 ዓለም ለኸ ሃወፅቲ ናብ ትግራይ ከምዝመፁ ዝሓበሩ በዓል ሞያ ክትትትልን ገምጋምን እቲ ቢሮ ኣይተ ጎይተኦም ሃይሉ፤ ማእኸላይ ፃንሒት ቱሪስታት 4 መዓልቲ ምዃኑን ብማእኸላይ 230 ዶላር መዓልታዊ ወፃኢ ከምዝገበሩ ብምግላፅ፤ ብሓፈሻ ድማ ልዕሊ 6 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዶላር ከምዝተዘዋወረ ሓቢሮም። እዚ ‘ውን ካብቲ ዝተታሕዘ ትልሚ 72 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ቁፅሪ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ ብዝምልከት ድማ 1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ኮይኑ፤ ብማእኸላይ ፃንሒት 3 መዓልቲ ከምዝገበሩን ብማእኸላይ መዓልታዊ ወፃኢ ሃዋፂ ውሽጢ ዓዲ 1000 ብር ኮይኑ ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ፍሰት በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ ልዕሊ 4 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ብር ዝውውር ከምዝነበረ ኣረዲኦም ‘ዮም። ካብ መስሕባት ቱሪዝም ትግራይ ብበዝሒ ዝተሃወፁ ቦታታት መቐለን ከባቢኡን፣ ገርዓልታን ከባቢኡን ኣኽሱምን ከባቢኡን ከምዝኾኑ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ።

ካብዞም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ዝነበሩ ጥንኩራት ጎንታትን ድኽመታትን ብምውሳድ በቲ ሓድሽ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተቐመጠ ኣንፈት ትልሚ 100 መዓልትታት ከም ቢሮ ኣብ ሕውየት ትግራይን ብቐንዱ ግን ናይ ቱሪዝም ኢንዳስትሪ ወሰንቲ ትልምታት ተዳልዮም ምይይጥ ተገይርሎም ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣንፈት ምስ መሓውራት ኩለን ምምሕዳር ከተማታትን ወረዳታትን 2 ግንቦት 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ተሳለጡ ‘ዩ።

ኣብዚ ኣብ ዝቕፅሉ 100 መዓልታት ንፅገና ሓድግታት ትኹረት ሂቡ ከምዝስርሕ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ኣብ ቀፀልቲ 100 መዓልትታት ብኲናትን ብተፈጥሮን ዝዓነዉ ሓድግታት ትግራይ ዳግም ንምፅጋን ትኹረት ተገይሩ ከምዝስራሕ ‘ውን የመላኽት።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣፅበሃ ገብረዝጊኣብሔር (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ታሪካዊ መስጊድ ኣል ነጃሺን ኣብ ደላ ዝርከብ ቀብፀያ ጀወርግስን ኣብ ሰለስተ ወርሒ ውሽጢ ፅገነኦም ንምዝዛም፤ የሓ ኣቡነ ኣፍፀገ ገዳም ኣብ ከይዲ ጨረታ ዘሎ፣ ሓወልቲ ኣኽሱም ድማ መፅናዕቲ ተወዲኡ ናብ ጭቡጥ ናይ ፅገና ስራሕ ንክኣቱ ስጡም ዝርርብን ምርድዳእን ከምዝግበረሉ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዝተትሕዙ ትልምታት ንምዕዋት ድማ ግደ ሰራሕተኛታት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዕዙዝ ምዃኑ ‘ውን ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ ‘ዩ።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያን ማእኸል መፅናዕትን ፈረንሳይን ብሓባር ብምዃን ካብ ዓለምለኻዊ ኪዳን ንሓለዋ ቅርስታት (ኣሊፍ ፋውንዴሽን) ብዝተረኸብ በጀት ፅገና ዝተወሰኑ ሓድግታትን ዳህሳስ ጉድኣት ሓድግታት የካይድ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፤ ካብዚ ኣብ ተምቤን ናይ 12 ገዳማት ዳህሳስ ሓድግታት ከምዝተኻየደ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር ሓቢሮም ‘ዮም ።

ኣብ ቀፀልቲ ሸውዓተ መዓልታት ድማ ኣብ ዝተመረፁ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ከምዝውገን ብምግላፅ፤ ኣብቲ ዝካየድ ዳህሳስ ተወካልቲ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ፣ ማእኸል መፅናዕቲ ፈረንሳይ፣ ተወካሊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይን ካብ ክላስተር ባህልን ቱሪዝምን ዝተኻተቱ ኣባላት ጉጀለ ብምዃን ነቲ ስራሕቲ ከምዘሳልጦ ‘ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You