ብሰሓባይ ተፈጥሯዊ ሃፍትታታ ዑደኛታት ዝመርፅዎ ከተማ ኣርባምንጭ

ከተማ ኣርባ ምንጭ ብዙሓት ተፈጥሯዊ ሃፍትታት ዘለውዋ ብምኻና በቢመዓልቱ ብዙሓት ጎብነይቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እዮም ዝጉብንይዋ። ይኹን ‘ምበር ተፈጥሯዊ መስሕባት ቱሪዝም ጥራሕ ዑደኛታት ዝመርፅዎ ዘይክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ብምዃኑ ንጎብነይቲ መስሕባት ቱሪዝም ብዙሕ ኣማራፂን ምችውን ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ምምላእ ሸለል ዝብሃል ጉዳይ ኣይኮነን።

ነዚ ‘ውን ይመስል ካብ ከተማ ኣርባምንጭ መዕርፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ኣጋይሽ ኣብ ዝዓርፉሎም ሆቴላትን ዝተፈላላዩ ኣግልግሎታት ኣብ ውሽጦም ብምሃብን ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽታት ብምትሕልልፍ ኣጋይሾም ክቅበሉ ዝርኣዩ። ከም ፀብፃብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን፤ ብሃፍቲ ተፈጥሮኣ ዝተዓደለት ብብዙሓት ጎብንይቲ ተመራፂት ዝኾነት ከተማ ኣርባ ምንጭ ካብ ስያመኣ ጀሚሩ ሰሓቢትን ልምዕትን ከምዝኾነት እትፍለጥ ‘ያ። ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ካብ ምህላዋ ብተወሳኺ ብዙሕ ምህርትታት ፍራምረ ዘለዋ ‘ያ።

ጎብነይቲ ናብታ ከተማ እንትመፅኡ ንስያመ እታ ኸተማ መበገሲ ዝኾኑ ተፈጥሯዊ ምንጭታት፣ ውዑይ ማይ፣ ኣብ ምርባሕ ሓራግፅ ዝተዋፈሩ መናእሰይ እቲ ከባቢ ምስቶም ሓራግፅ ብምልማድ ዝገብርዎ ምንቅስቃስ ስራሕቲ ብዝበለፀ ብቱሪስታት ዝጉብነዩ ቦታት ከምዝኾኑን ብተወሳኺ ፓርክ “ነጭ ሳር”ን ባህላዊ መንደራት ዶርዜን ቱሪስታት ናበታ ከተማ እንትመፅኡ ካብ ዝጉብንይዎም ከምዝኾኑ ኣብ ዓውዲ ቱር ጋይድ ዝተዋፈሩ ይገልፁ።

ብእንግሊዝኛ ቱር ጋይድ ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ ጎብነይቲ ኣጋይሽ ናብቲ ከባቢታት መስሕብ ቱሪዝማት ብምርኣይን ብምግላፅን እቶም ኣጋይሽ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበሮም ፃንሒት ንክዓግቡን ፅቡቕ ርድኢት ክቐርፁን ዓብይ ግደ ካብ ዝፃወቱ ድማ ከም መንእሰይ ዘካርያስ ጴጥሮስ ዝበሉ ኣጎብነይቲ ይርከቡ። መንእሰይ ዘካርያስ ጴጥሮስ ውልደቱን ዕብየቱን ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ኮይኑ ኣብ ዘፈር ሆቴልን ቱሪዝምን መጀመርያ ዲግሪኡ ብምዝዛም፤ ኣብ ስራሕቲ ኢንደስትሪ ሆቴልን ቱሪዝምን እናሰርሐ ካብ ዝርከቡ ሓደ ‘ዩ።

ከም ገለፃ እዚ መንእሰይ፤ ጎብነይቲ ሓደ ቦታ ንምጉብናይ እንትመፅኡ ብነፃነት ዝሓሰብዎ ኣሳኺዖም ክኸዱ ‘ዮም ዝደልዩ። ስለዝኾነ ከም ኣጎብናይነቱ ዓማዊሉ ንምሕጓስ ክኸፍልዎ ዝግባእ ኩሉ’ዮም ዝኸፍሉ። እቶም ጎብነይቲ ከም መልክዖም ፀባዮም ‘ውን ዝተፈላላየ ስለዝኾነ፤ ምስ ኩሎም ፅቡቕ ዝኾነ ምትእትታው ንምፍጣር ፃዕሪ ይሓትት ‘ዩ።

ናብ ከተማ ኣርባምንጭ ብዙሓት ናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ወፃኢ ዓዲ ጎብነይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝመፅኡ እንትኾኑ፤ ንኣብነት ካብዚኦም ካብ ጣልያን፣ ጀርመን ፣ ኣሜሪካን ስፔንን ዝበሉ ዜጋታት ብተደጋጋሚ ንምጉብናይ ናብታ ከተማ ከምዝመፅኡ መንእሰይ ዘካርያስ ይገልፅ። “ብዙሕ ግዘ ኣጎብነይቲ ምስ ጎብነይቲ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ብዝበለፀ ብምርድዳእ ዕርክነትን ይፈጥሩ ‘ዮም” ዝብል መንእሰይ ዘካርያስ፤ እዚ ድማ ነቶም ጎብነይቲ ናይ ቤተሰብነት ስምዒት ንክፈጥረሎም ይገብር። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ “ሓደ ሓደ ጎብነይቲ ምስ ምጥቃም ኣደንዘዝቲ እፃት ተተሓሒዙ ዝጥቀምዎም ሱሳት ሓቢሮናዮም ክንጥቀም ወይ ከነትክኽ ኣብ ዝሓቱና እዋን፤ ኣይኸውንን ክንብሎም ከለና ንዕቀት ዝመስሎም ኣለው” ይብል። እዚ ድማ ኣብ ስርሑ ካብ ዝኸብዶ ነገራት ሓደ ከምዝኾነ ይዛረብ።

መንእሰይ ዘካርያስ ኣብ ዛዕባ እዚ ዓውዲ እንትገልፅ፤ ብቀሊል ኣገላልፃ መጎብነዪ ኢልና እንገልፆ፤ ኣብዚ ዘፈር ስራሕ በዓል ሞያ ዝኾነ ናይ ታሪኽ ፍልጠት ክህልዎ ኣለዎ፣ ዘጎብንይዎም ቦታት ብትኽክል ምፍላጥ ትፅቢት ይግበረሉ። እቶም ጎብነይቲ ዝመፅእሉ ከባቢታት ዝተፈላላዩ ስለዝኾኑ ኣብዚ ዘፈር ኣብ ክእለት ቋንቋታትን ምስ ሰባት ዘለዎ ምትእትታውን ልዑል ክኽወን ኣለዎ ይብል።

ምስዚ ተተሓሒዙ መዳርግቲ ኣካላት ቱሪዝም ዘሳተፈ መርሃ ግብሪ ምጉብናይ ከተማ ኣርባ ምንጭን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘለው ሃፍትታት ቱሪዝም ተረባሕነት ንምዕባይ ትኹረት ዝገበረ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ሚኒስትር ቱሪዝም እቲ ክልልን ዝተረኸብሉ መድረኽ ከምዝተኻየደ ዝተፀብፀበ ኮይኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ንምንቅቃሕ ዝዓለመ ዑደት ‘ውን ተኻይዱ ምንባሩ ተሓቢሩ ‘ዩ።

እንትጠቃለል ኣብዝሓ ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ መስህብ ቱሪዝታት ዝኾኑ ቦታት ተፈጥሯዊ ‘ዮም። ስለዚ ተንከባኺብካ ንዝቕፅል ወለዶ ክፀንሑን እሴት ብምውሳኽ ካብቲ ዘፈር ክርከብ ዝግባእ ረብሓ ንምርካብ ምስራሕ ኣገዳሲ ‘ዩ። ብምዃኑ ከም ዘካርያስ ዝበሉ ኣጎብነይቲ ክጉብንዩ ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ናይ ቤተሰባዊ ስምዒት ብምፍጣር ንዝገብርዎ ስራሕቲ ክበረታትዑ ይግባእ። ከምኡ ‘ውን ኣብ መስሕባት ቱሪዝም ከባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ካብቲ መስሕብ ዝርብሓሉ ኩነታት ብምስፋሕን ኣብ ሓለዋ እዚ ሃፍቲ ተፈጥሮን ካልኦት መስሕባትን ስራሕቲ ግንዛበ ምዕባይ ክጠናኸር ከምዝግባእ ይሕብር።

ኣብረሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You