ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ብወረቀትን ብኦንላይንን ክወሃብ ‘ዩ -701ሽሕን 489 ተምሃሮ ፈተና ክወስዱ ‘ዮም

ኣዲስ ኣበባ፡- ናይ 2016 ዓ.ም ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ብወረቀትን ብኦንላይንን ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ:: 701ሽሕን 489 ዝኾኑ ተምሃሮ ነቲ ፈተና ክምዝወስዱ ‘ውን ተሓቢሩ::

ምክትል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣይተ ተፈራ ፈይሳ ብቅድሚ ትማሊ ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ንምሃብ ዘድሊ ምድላው ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዘለዉ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማታትን ተፈተንቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ካብ ሓምለ 3 ክሳብ 5 2016 ዓ.ም፤ ተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይንስ ድማ ካብ ሓምለ 9 ክሳብ 11 2016 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዘ ውሽጢ ነቲ ፈተና ከምዝወስዱ ኣፍሊጦም::

ናይ ሎሚ ዘበን ፈተና ብወረቀትን ኦንላይንን ከምዝውሃብ ‘ውን ወሲኾም ሓቢሮም:: ክልል ትግራይ ሓዊሱ 701ሽሕን 489 ዝኾኑ ተምሃሮ ዝፍተኑ እንትኾኑ፤ እዚኦም ድማ ማሕበራዊ ሳይንስ 369 ሽሕ 60ን፣ ተፈጥሮ ሳይንስ ድማ 332ሽሕን 429 ተምሃሮ ንፈተና ከምዝቅመጡ ተገሊፁ::

ካብዚኦም ውሽጢ ድማ 99 ሚእታዊ ዝኾኑ ተፈተንቲ ኣብ መጀመሪያ ዙር ዝፍተኑ እንትኾኑ፤ ናብ ሓደ ሚእታዊ ዝፅግዑ ተምሃሮ ድማ ብፍላይ ፀጥታ ፀገም ኣብ ዘለዎም ከባቢ ትምህርቲ ቀዲሞም ብዘይምጅማሮም ምክንያት ኣብ ኻለኣይ ዙር ንክፍተኑ ዘኽእል ምድላዋት ምገባሮም ተዛሪቦም:: ተምሃሮ ብስነ ልቦናን ብትሕዝቶን ናይ ምድላው ሰራሕቲ ክምዝተስርሑ ገሊፆም::

ናይ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ክልተ “ባች” ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ተፈራ፤ እቲ ናይ መጀመሪያ ባች ዝብሃል ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ማሕበራዊን ተፈጥሯዊ ሳይንስን ዝሓዘ ዝፍተኑ ተምሃሮ እንትኾኑ፤ ካብ ሓምለ 2 ክሳብ 5 2016 ዓ.ም ከምዝፍተኑ ዝተገለፀ ኾይኑ፤ ካልኣይ ባች ድማ ብናይ ቀደም ኣፀዋውዐ መሰናድኦ ዝብሃል ካብ 11 ክሳብ 12 ክፍሊ ካብ ሓምለ 9 ክሳብ 12 2016 ዓ.ም ነቲ ፈተና ከምዝወስዱ ገሊፆም::

ናይ ተፈተንቲ ምዝገባ፣ ምፅራይ መረዳታ፣ ምድላው ፈተና፣ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምድልዳልን ካልኦትን ምድላዋት ከምዝተገበሩ ኣይተ ተፈራ ገሊፆም::

ከም ገለፃ ኣይተ ተፈራ፤ እቲ ፈተና ሰላማውን ፍፁም ብዝተረጋገዐ ኩነታት ከምዝወሃብን ምስ ኣምራርሓ ክልላትን ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ኣቋም ተተሓዙ ናብ ስራሕ ተኣቲዉ ‘ዩ:: ተምሃሮ ብስነ ልቦናን ብትሕዝቶን ናይ ምድላው ስራሕቲ ብሰፊሕ ተኸናዊኑ ‘ዩ::

ናይ ሎሚ ዘበን ፈተና ከምናይቀደም ብወረቀት ጥራሕ ዝወሃብ ዘይኮነስ ብኦንላይን ‘ውን ከምዝውሃብ ብምግላፅ፤ ብኣንፃር ኣወሃህባ ፈተና ኦንላይን ብብርኪ ፌዴራልን ክልልን ዝተመስረተ ኮሚቴ ኣቢሉ ምድላው ምግባሩ ተዛሪቦም::

ኣፈፃሚ ስራሕ ዲጅታላይዜሽንን ኣይሲቲን እቲ ሚኒስቴር ዘላለም ኣሰፋ(ዶ/ር) ብግደኦም፥ ብኦንላይን ዝፍተኑ ተምሃሮ መስ ቴክኖሎጂ ንክፋለጡ ተዓሊሙ ፈተናታት ብሶፍትዌር ተፃዒኑ ንክለማመዱ ከምዝተገበረን፤ ብፍላይ ስርቂ ምስ ምትራፍን መስድሕንነትን ተተሓሒዙ ዘተኣማምን ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብርሃ ሓጎሰ

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You