ንጁንታ ህወሓት ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ሎግያን ሑመራን ተኻይዱ

 ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ):- ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ዝኸፈቶ ኩናት ከምዝቃወሙ ኣብ ሎግያ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ብሰላማዊ ሰልፊ ገሊፆም። ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ፀረ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክልን ውድብ ኢዩ ክብሉ ድማ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣመልኪቶም፡፡

እኩይ ተግባር ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፁ ነበርቲ ሎግያ ተወለድቲ ትግራይ፣ “እቲ ጁንታ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምብጣስ ዝጀመሮ ኩናት ኣጥቢቕና ንኹንን” ክብሉ ድምፆም ኣስሚዖም።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ምምሕዳርን እቲ ክልል ኣይተ ኢብራሂም ሁመድ ንግዜኢ ከምዝገለፅዎ፣ ጁንታ ብስምዒት ምቑራፅ ተስፋ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ንሓንሳብን መወዳእታን ዕልባት ንምግባር መንግስቲን ህዝብን እቲ ክልል ይሰርሑ ከምዘለው ድማ ኣመልኪቱ።

እቲ ጁንታ ኣብ ክልለ ዓፋር ዞባ ፈንቲረሱ ወረዳ ያሎ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰበኽ ሳግም ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምብፅሑ ተሓቢሩ። ጁንታ ሃገር ንምንጋዕ ቀትሪን ለይቲን እንተሰርሐ ‘ውን ብምትሕብባር ህዝቢ ግብኣተ መሬት ክኣቲ እዩ ኢሎም።

ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ፀረ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክልን ውድብ ኢዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ገሊፆም። ህወሓት ፀላኢ ኢትዮጵያን ትግራይን ኢዩ እውን ኢሎም። ህዝቢ ኣምሓራ ንህዝቢ ትግራይ ሓዉ ከምዝኾነ ‘ውን ተዛሪቦም ክብል ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You