“ዘፍርሕ ነገር እንድሕር ዘይተጋፊጥና ዝደለናዮ ነገር ክንረክብ ኣይንኽእልን” -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ልዕሊ 135 ዓመታት ዕድመ ከምዘለዋ ዝንገረላ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ፅሪትን ምልክዕትን እንተይኮነት ንዘመናት ፀኒሓ ‘ያ፤ ምስ ሹማ ክኸይድ ዘይኽእል ዝተፈላላዩ ርስሓትን ብኽለት ኣየርን ተሸኪማ ንነዊሕ እዋናት ተጎዒዛ ‘ያ፤ ንነበርቲ ዘይምጥኑ መሰረተ ልምዓታት ከም መንበሪ ገዛ፣ ሽቃቅን መንገዲን ካብቶም ቐዳሞት ፀገማት ዝኾኑ ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ፡፡

ብፍላይ ሽሞም ግኑን ዝኾኑ ከም ፒያሳ ዝበሉ ቦታታት ብተግባር ግና ምስ ሽሞም ዘይኸይድ ‘ዩ፤ ንሽሞም ዝምጥን መለክዕ የብሎምን፤ ዘኾነ ዓይነት ዘመናዊነት ዘይተላበሰት ከተማ ‘ያ፡፡ ብፍላይ ርእሰ ከተማ ምስ ምዃና መጠን ተተሓሒዙ ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ስለ ተስተኣናግድ ኣዝያ ሰሓቢትን ስታንዳርድ ዝሓለወት ከትኸውን ይግበኣ፡፡

መንግስቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ከተማታት ተሞክሮ ብምውሳድ ከም ሽማ ደረጀኣ ዝሓለወት ከተማ ንምግባር ብፍላይ ፅሬቶም ዝሓለዉ ኮሪደራት ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ለዓለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነዚ ብዝምልከት ኣብዚ ሰሙን ምልከታን ግምገማን ገይሮም ‘ዮም፡፡

ነዚ ስዒቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ከንቲባን ነዚ ብዝምልከት መልእኽቲ ኣማሓላሊፎም ‘ዮም፡፡ ዘመሓላፍዎ ሙሉእ መልእኽቲ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡፡

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ገምጋም ቐዲሞም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር እንትንዛዝም ዝቕፅል ገምጋምና ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ተረኺብና ከምነሳልጥ ቃል ኣቲና ነይርና። ናይ ፒያሳን ኣራት ኪሎን መስመር ስራሕ ኣብ ዝተትሓዘ መርሃ ግብሪ ሰለስተ ወርሒ ምዝዛምና እንትንገልፅ ሓጎስ ይስምዐኒ።

ኣብ ቐፃሊ ስራሕ ምዕቋር ሃፍቲ ቐዳማይ ጠመተ ኾይኑ ኣብ ዝተረፉ ኮሪደራት ስራሕትና ቕልጡፋትን ምህዞ ዝመርሐናን ክንኸውን ይግባእ። ፅርየት ክቕፅል ምግባርን ንኹሎም ዜጋታትና ምቹው ከባቢ ምፍጣርን ቐዳምነት ንህቦም። ንጥፈታት ‘ዮም።

እዚ ፕሮጀክት ዝሳለጥ ብምትሕብባር ብዙሓት ‘ዩ። ካብ ጅማሮኡ ኣብ ስራሕና ንዝረኸብናዮ ሰናይ ፍቓድ ምስጋና የቕርብ። እዚ ‘ውን ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ንዝተርኣየ ፃዕርናን ሰናይ ፍቓድናን ዝምጥን ኾይኑ ተራእዩ ‘ዩ። በዚ ንኸተማና ናብ ዝሓሸ ለውጢ ንምብቃዕ ኣብ ዝተደኸመሉ ዓብዪ ስራሕ ኸይዲ ውሽጢ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ፈጢርናዮ ክኸውን ንዝኽእል ምቾት ምስኣን ይቕሬታ ንሓትት።

ኢትዮጵያና ንኽትልወጥ ብፅንዓት ከምንሰርሕ ኣብዚ ናይ ኮሪደር ልምዓት ስራሕ ኸይዲ ‘ውን ዘለዉ ክፍተታት ዲዛይንን ፅርየትን እንተሃልዮም ምስትኽኻልና ከምንቕፅል ንኽትተኣማመኑ ክንገልፅ ንደሊ።ኣብ ውልቃዊ ዘፈር ንዘለዉ መዳርግትና ሓዊሱ ትማሊ ምሸት ኣብ ጎደናታት ፍቕርኹም ንዝገለፅኩምልና፤ ብሓፈሻ ኣብዚ ስራሕ ንዝተሳተፍኩም ኩሉኹም ካብ ልቢ ዝንነቐለ ምስጋናይ ይብፃሕኩም።

ብተመሳሳሊ ምስዚ ዝተተሓሓዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝሓለፈ ቀዳም ብስም ስሙይ በዓል ሞያ ሙዚቃ ፕሮፌሰር ኣሸናፊ ከበደ ብቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ማእኸል ሙዚቃዊ ጥበባት መሪቆም ኣብ ኸፈቱሉ እዋን ክምዝብለዎ፤ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ብዝረኣናዮ ስራሕቲ ልምዓት ዘጣዕስን ዘሕረቅን ‘ዩ።

እዚ ኹሉ ግና እንታይ ሒዞም ‘ዮም ሰሪሖሞ እንትብሃል፤ ቦታ ንኢስዎም ማያዊ ኣካል ሓመድ እናመልኡ ‘ዮም ሰሪሐሞ። ኣንሕና ግና ሓመድን ማይን እናሃለየና ክንተክል ኣይኸኣልናን። ንምንታይ ኢና ከምዚ ኮይንና ከምዚ ሰኒፍና ኢልና እንትንሓትት፤ ናይ ኣቦታትና ተረታት ምሳለታት እንተሰሚዕና ዝምህሩና ስነቃላት ብኣና ስለዘይተለመዱ ኣይኮነን። ብዙሓት ስነ ቃላት ኣለው ንክንሓስብን ንክንዝክር ዝገብሩና።

“ካብ ኣፍደገ ዓሻ ኣርዑት ይቁረፅ”። ንምንታይ ተባሂሉ? መን ‘ዩ ዓሻ? “ናይ ዓሻ መንደር ማይ ሱቅ ኢሉ ይፈስስ” መን ኢሉ? ንምንታይ ተባሂሉ? ንምንታይከ ጠይቅና ዘይተምሃርና? “ፀፀር ዓሻ ይድርብዮ በሊሕ ድማ ይኣርዮ” ንምንታይ ተባሂሉ ንምንታይ ኢና ዘይንምርምሮ እንተይልኩም፤ ናባይ ዝመፅአኒ ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ትማሊ ነይርና ሎሚን ኣለና ፅባሕን ‘ውን ክህልወና ‘ዩ። እቲ ፀገም ኾይኑ ዘሎ ግና ንፅባሕ ድልድል ኮይኑ ዘሳግር የለን።

ሰብ ድማ ካብ ትማሊኡ ምስሎን ፅባሕን ክተኣሳሰር እንተዘይክኢሉ ካብ ምቅናእ ወፂኡ ሓቲቱ ክምልስ ይፅገም ‘ዩ። ብሓደ ሃገር ዝተፀሓፈን ብዙሓት ዝተዛረብዎ ብሓደ ዓይኑ ንድሕሪት ዝርኢ ማሕበረሰብን ሃገርን መስተውዐሊ ጥበበኛ ዩ። ምኽንያቱ ንድሕሪኡ ዝርኢ ናይ ትማሊ ድልድል ከምዘይተሰበረ ትማሊ ኣብኡ ዝተሰርሐ ሪኡ ንፅባሕ ክሳገር ስለዝኽእል ‘ዩ።

ከተማታትና ብዙሕ እናፈራረስና ኢና ዘለና። ፒያሳ እንትነፍራርሳ ሓደ ፈታውየይ ፈሪሑ መፂኡ እንታይ ሓሲብካ ኢኻ ኣይኮነን ንምስራሕስ እቲ ዘፍረስካዮ ሓመድ ንምልዓሉ ባዕሉ ኣይከብድንዶ? የፍርሕ ‘ዩ ኢኮ ኢሉኒ። ሓቁ እዩ የፍርሕ ‘ዩ። ይኹን እምበር ዘፍርሕ ነገር እንተዘይተጋፊጥና ዝደለናዮ ነገር ክንረክብ ኣይንኽእልን። ብዙሕ ዘፍርሕ ነገር ኣሎ ‘ዩ።

ኾይኑ ግና ክንጋፈጦ ይግባእ። እንትንጋፈጦ ልብና እኩይ ነገር እናሓሰበ ከይኮንስ ፅቡቅ ነገር እናሓሰበ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ሎሚ ሰለስተ፣ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ብዙሓት ክጉብንይዎ ዝሓስብዎ ከተማ ብርግፅኝነት ኣንሕና ክንሰርሖ ኢና። እቲ ዝስራሕ ከተማ ግና ጥበብ እንተዘይተሓዊስዎ ትኬት ቆሪፁ ናባና ዝመፅእ ሰብ የለን።

ናባና መፂኡ ዝሪአና ደስ ዝብል ጥበብ ዝተፈለየ ግልጋሎት ኣወሃህባ ዝተፈልየ ፀብሒ ደርሆ ዝተፈልየ ቡና መሰል ነገራት ክውሰኾ ከሎ ‘ዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ካብ ዘይፅገብ ባህልናን ታሪኽናን መፂኦም ንክምሃሩ ክኽእሉ ንክሕግዝ ሙዚቀኛታት ግደኦም ክፃወቱ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ሙዚቃ ዘይረአናዮ ዘርኢ ዘይተረድ አና ዘረድእ ምግባር ‘ዩ እሞ ንሱ ምግባር ንክተኽሉን ንክተኽእሉን ሓደራ ይብል።

ኢትዮጵያ ብዙሕ ፈታኒ ኩነታት ኣለዋ። ብዙሕ ዘፍርሕን ዘደንግፅን ኩነታት ኣለዋ ‘ዩ። እዚ ዘፍርሕን ዘደንግፅን ብብዙሕ ፀገም ዝተመልአ ነገር ብፍልጠትን ብምስትውዓልን እንተተጋፍጥናዮ። ድልድል ሰይተሰበረ ዝበልፀት ኢትዮጵያ ምፍጣር ንኽእል ኢና። ኣነ ብርግፀኝነት ክዛረቦ ዝኽእል ኢትዮጵያ ክትብፅግ ‘ያ። ልመና ስንዳይ ደው ክተብል ‘ያ።

ንብዙሓት ሰሓቢት ክትኸውን እያ። እዚ ዝኸውን ግና ኣረጊት ረሳሕ እናራግፍና እናሓደግና ዘድልየና እናሃነፅና እንትንኸይድ ‘ዩ። እዚ ንምግባር ድማ ምቁራፅ ምስራሕ የድሊ ብሰባት ከምንቀንእ ሰባት ብኣና ክቀንኡ ምስራሕ የድሊ። ፅቡቕ ነገሩ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ከምዚ ነሃትና መፅልኢ ከባቢታት እናፍረሱ እንትሰርሑ ልክዕ ከምዚ ነሃትና ብዙሕ ጭቅጭቅን ፅዕንቶታት ነይርዎም ‘ዩ። እቲ ስራሕ እንትስራሕ ቀሊል ኣይነበረን ብዙሕ ነገር ነይሩ ዩ።

ነዚ ኹንታት ተሻጊርና ክንልውጦ እንኽእል ዝጭበጥን ዝር ኣይን እንተኾይኑ፤ ፍሪኡ ጥዑም ‘ዩ ዝኸውን። ሓደ ካብ ዝተመሃርናዮ ነገረ ኣፀጋሚ ነገር እንተመሰለ ‘ውን በርቲዕና ክሳብ ዝሰራሕና ነገር ምቕያር ይክኣል ‘ዩ ዝብል እምነትን ስንቅን ኢና ሒዝና መፂእና። ኣብኡ ግና ሱቅ ኢሎም ኣይፀረዩን። ሱቅ ኢሎም ኣይመልከዑን። ከማና ቀልዲ የለን ጥንክር ዝበለ ድኽነት ዝፅየፍ ስርዓት ዘርጊሖም ‘ዮም።

ኣንሕና ንግዚኡ እንልምነኩም መኪና ዘለዎም ሰባት ማይ ሰትዮም እቲ ላስቲክ እንትድርብዩ ሱቅ ኢልኩም ኣይትኺዱ። ሰብ ናይ ባዕሉ ሃገር እንተርስሕ ሱቅ ኢልኩም ኣይትኺዱ ትኽክል ኣይኮነን ኣልዕሎ በልዎ። በቢመንገዱ ዘሎ ምሻን ሱቅ ኢልካ ጥራሕ ምክልካል ስለዘይክኣል፤ ከምዝሰማእኹሞ ጎስጓስ ምስራሕ ሽቃቃት ጀሚርና ኢና ምስ ሰራሕና ዘርስሕ እንተሃልዩ ድማ ኣይከንን ዓድና ኣይተሽታታ ሕደግ ምባል ንልመድ። ሰብና ንምቅናዕ ደቅና ንምምሃር እንተተጠቂምናሉን ሰብ ሙዚቃ ድማ ስርሑ እንተሰሪሑ ዝተቀየረ ከተማን ሃገርን ምርኣይ ይክኣል ዝብል ተስፋ ኣለኒ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ነዚ ኣመልኪቱ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዚ ይብላ፣ ቕድሚ ኹሉ ንዝሓገዘና ፈጣሪ ነመስግን! ኣብ ዝተትሓዘሎም ናይ ሰለስተ ወርሒ ግዜ ውሽጢ ንዝተዛዘሙ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ዙርያ መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ኣራት ኪሎን ምስ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትርና ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኽቡርቲ ቀዳመይቲ እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ገምጊምና።

ንኣዲስ ኣበባ ካብ ነባራይ እታ ከተማ እንትንቕበላ ክነወቅባ፣ ክነልምዓ ቃል ኣቲና ኢና ጀሚርናዮ።ንወለዶ ትተርፍ፣ ጉሓፍን ስንፍናን ዘይብላ ከተማ ክንገብራ ቃል ኣቲና ነይርና። እንሆ ድማ ቃልና ሓሊውና ኢና።

እንኩም ዝፀረየት ኣራዳ፣ እንኩም 24/7 ትተግህ ኣራት ኪሎ፤ ሕዚ ናዓኻትኩም ምችውቲ ገይርናያ ኣለና። ካብ ፅባቐኣን ፅርየታን ከይጎደለት ንወለዶ ኣቕምጡዋ። ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር እንትንጅምር ሓቢርኩምና ንዝተልዓልኩም፣ ንዝተሓባበርኩም፣ ንዘፀበቕኩም በዓላ ገዛታት፣ ንዝተሓባበርኩም ሰብሃፍቲ፣ ትካላት ኮንስትራክሽን፣ ብሞያኹም ንዝተጋህኹም ሰራሕተኛታት፣ ኣመራርሓታትን ትካላት ፌደራልን ምስጋናይ ይብፃሕኩም። ፅርየት ክሕለው ምግባርን ንኹሎም ዜጋታት ምቹው ከባቢ ምፍጣርን ቐዳምነት ንህቦም ንጥፈታት ‘ዮም።

ካሊእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ‘ውን ብኸምዚ ይገልፁ፣ ንኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓዳሽ ክንገብራ ኢና ኢሎም ነይሮም ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር። ቃል ብተግባር እናተፈፀመ ምዃኑ ትማሊ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ኣረጋጊፅና። ሰፋሕቲ ጎደናታት፣ ምቹዋት ናይ እግረኛን ብስክሌትን መንገድታት፣ ሓምለዋይ ከባቢ፣ ፅሩያትን ዘመናዎትን ሽንቲ ቤታት፣ ዝተወሃዱን ዝወቀቡን መልክዓት ህንፀት፣ ንኣዲስ ኣበባ እናቐየሩዋ ‘ዮም።

ቃል ብተግባር ንምቕያር ንዝተሳተፉ ኣመራርሓታት፣ ቀትርን ለይትን ከይሰልቸዉ ንዝሰርሑ ሰብ ሞያን ሰራሕተኛታትን ኩሎም ከምኡ ‘ውን ነዚ ተግባር ብምድጋፍ ህንፅኦምን መንበሪ ገዝኦምን ብናይ ዓርሶም ምልዕዓል ንዘማዕረጉን ንዝገደግፉን ሰብሃፍትን ነበርትን ምስጋና ይግብኦም። ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ህዝቢ ብድንገት ወፂኡ ንዘርአየና ፍቕርን ኽብርን፣ ንዝሃቦ ምስክርነት ‘ውን ነመስግን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You