ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምንቕስቓስ ልምዓት ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ብኮረናን ኲናትን ንኸባቢ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ከቢድ ኩነታት ምፅንሑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፍላይ እቲ ኲናት ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያውን ከቢድ ፀገም ኣስዒቡ ‘ዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ እቲ ክልል ካብ ልምዓታዊ ምንቕስቓሳት ርሒቓ ብምፅንሑ ዝበፅሖ ጉድኣት ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን።

እቲ ህዝቢ ካብ ልምዓት ርሒቑ ብምፅንሑ ንተወሳኺ ዝተፈላላዩ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ተሳጢሑ ፀኒሑ ‘ዩ። ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ሓዊሱ ሰላም ብዘይምንባሩ ኩሉ ናይ ልምዓት ምንቕስቓስ ጠጠው ኢሉ ፀኒሑ ‘ዩ። ሕዚ ግና ብፍላይ ድሕሪ እቲ ሰላም ምርካቡ ቀስ እናበለ ናብ ስሩዕ ምንቕስቓሳት ስለዝተመለሰ ዝተወሰነ ለውጥታት ይረአ ኣሎ፤ ናይ ልምዓት ምንቕስቓሳት ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት እናተረኣየ ‘ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ማሕበራዊ ምንቕስቓሳት ዳርጋ ኣብ ደሓና ኩነታት ‘ዩ ዝርከብ። ተዓፅዮም ዝነበሩ ካፌታትን ዕዳጋታትን ኣብ ደሓና ምንቕስቓሳት ይርከቡ። ፅርግያታት ይህነፁ ኣለዉ። ፋብሪካታትን ባንክታትን ኣብ ታተ ዝነበሩ ሕዚ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣለዉ። ኮይኑ ግና ኣብቲ ክልል ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋላት የለዉን ማለት ኣይኮነን።

ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም 23ጥቅምቲ2015 ብዙሓት ወሃብቲ ግልጋሎታት ናብ ንቡር ተመሊሶምን እናተመለሱን ይርከቡ። ካብዚ ኩሉ ብምውፃእ ሕዚ ኣብ ክልል ትግራይ ፅርየተን ዝሓለዋን ምቹዋትን ከተማታት ንክህልዋ ይስራሕን እናተሰርሐን ከምዝርከብ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ ም ንባሩ ዝዝከር ‘ዩ።

ንኣብነት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላስ ኣብ ከይዲ ህንፀት ካብ ዝርከብ 2 ነጥቢ 3 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዝሸፈነ መንገዲ ምንፃፍ ስራሕቲ ኣስፋልት ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ። እታ ከተማ ብሰንኪ እቲ ኩናት ተሓስያ እኳ እንተነበረት ሕዚ ግና ናብ ንቡር ምንቕስቓስ እናተመለሰት ትርከብ። ሱር ኮንስትራክሽን ድማ ኣብ ዳግመ ሕውየት እታ ከተማ ግቡኡ እናፈፀመ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብ ከም ሸረ፣ ኣክሱምን ዓድዋን ካኦት ከተማታት ትግራይን ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ይበል ዘብል ‘ዩ። ሱር ኮንስትራክሽን ቅድሚ ኩናት ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ጀሚርዎም ዝፀንሑ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዳርጋ ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ውፅኢታዊ ስራሕ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ።

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ኣስፋልቲ ከም ኣብነት እንተሪእና 2 ነጥቢ 3 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዝሸፈነ ኣስፋልቲ ‘ዩ። እዚ ቐሊል ኣይኮነን። ሱሩ ኮንስትራክሽን ኣብ ክሊ ፀገም ኮይኑ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ረብሓ ህዝብ ብምቅዳም ጀሚሪዎ ዘሎ ሩኡይን ውፅኢታዊን ስራሕቲ ዝነኣድ ‘ዩ፡፡

ብኻሊእ ወገን ብሓምላዋይ ልምዓት ዝወቐባ ፅሩያትን ንምንባር ምችዋትን ከተማታት ንምፍጣር ልዕሊ 300 ሚሊዮን ብር ብምምዳብ ስራሕ ምጅማሩ ግዝያዊ ምምሐዳር ክልል ትግራይ ዝገለፀ እንትኸውን እዚ ዓብዪ ተስፋ ‘ዩ። መርሃ ግብሪ ፅርየትን ሓምለዋይ ልምዓትን ከተማታት እታ ክልል ብመንግስቲ፣ ህዝቢን ሰብ ሃፍቲን ዝተዋደደ ጎስጓስ ተጀሚሩ ይርከብ።

ኣብ 13 ከተማታት እታ ክልል ፅርየተን ዝሓለዋን ምቹኣትን ከተማታት ንክህልዋ ዝተዋደደ ጎስጓስ ተጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ። ነዚ ድማ ካብዚ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዝቅፅሉ ኣዋርሕ ክረምቲ ኣብ ወሰና ወሰን መገዲታት ፈልሲ ንምትካል ምድላው ይግበር ኣሎ። እዚ ዓብዪ ተስፋ ‘ዩ። ተጣናኺሩ ክቕፅል ድማ ይግባእ።

ንኣብነት ኣብ ከተማ ኣክሱም ብትካል ሱር- ኮንስትራክሽን እናተሰርሑ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ እንተሪእና ከም ምንፃፍ ኣስፋልትን ካልኦትን ዝበሉ ነገራት ተስፋ ዝህቡ ‘ዮም። እዚ 1 ነጥቢ 6 ኪሎ ሜትር ንውሓቱ ኣስፋልት ዝሽፍን ‘ዩ። ከምእንዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ንብዙሓት መናእሰይ ስራሕ ዕድል ‘ውን እናፈጠረ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ (ከውሊ ስቶን)፣ መፋስስ፣ ኣብ ቱሪዝም፣ ምፅጋን መዕርፎ ነፈርቲ ኣየር ኣብዝመሳሰሉ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ዝነኣዱ ‘ዮም። ህዝቢ ድማ ከምኒ እዚኦም ዝበሉ ልምዓታት ስለ ዝደሊ ኩሉ ኣብዚ ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ቐሊል ኣይኮነን፤ ህዝቢ ካብ መከራን ስቓይን ወፂኡ ናብ ከምዚ ዓይነት ልምዓት ምስግጋሩ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ።

ትካል ሱር- ኮንስትራክሽን ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ድማ ዝነኣድ ‘ዩ። ድሌት ሕብረተሰብ ብምርዳእ ቀልጢፉ ናብ ልምዓት ምእታዉ ዓብዪ ስራሕ ‘ዩ። እዚ ካብ ምልማዕ ብተወሳኺ ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ እናተፈጠረ ‘ዩ ዘሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከም ከተማ ዓዲግራት ‘ውን ዝተፈላላዩ ናይ ልምዓት ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ንኣብነት ኣብ ስራሕቲ ሓምላዋይ ልምዓትን ምፅባቕን እታ ከተማን።

ካሊእ መሸጣ እታወታት ሕርሻ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ንምግባር ‘ውን እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ብኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ትግራይ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ተገሊፁ ‘ዩ። እዚ ንልዕሊ 100 ንመናእሰይ ትኹረት ገይሩ ስልጠና ተዋሂቡ ‘ዩ። እቲ ስልጠና ቀረብ እታወታት ሕርሻ ንምዝማንን ስሉጥ ኣወሃህባ ግልጋሎት ንኽህሉ ዝሕግዝን ምዃኑ ተገሊፁ ‘ዩ። እዚ ከም ዘበናዊ ድኹዒን ካልኦት ተዛመድቲ እታወታት ሕርሻን ናብ ተጠቀምቲ ንምብፃሕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሰብ ሞያታት ገሊፆም ‘ዮም።

ግብሪ ‘ውን ዋላ ክንድትዝድለ ኣይኹን ተስፋ ብዝህብ መልክዑ እናተኣከበ ‘ዩ። ብዙሓት ኣብያተ ፅሕፈታት ወይ ቢሮታት ካብቲ ዝነበረኦ ፀገም ብምውፃእ ግብሪ ብኣግባቡ ምእካብ ጀሚረን ይርከባ። ንኣብነት ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጓዓዝያ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ልዕሊ 26 ሚልዮን ብር ኣታዊ ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ ‘ዩ። እዚ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ብምግንዛብ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ስራሓቲ ልምዓት ትግራይ ተጣናኺሮም እንተቐፂሎም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ካብቲ ዕንወት ምውፃእ ይከኣል ‘ዩ። ኣብ ዝሓፀረ እዋን ትግራይ ደጊምካ ምህናፅ ይከኣል ‘ዩ። ኮይኑ ግና ናይ ልምዓታት ምንቕስቓሳት ተጣናኺሮም ክቕፅሉ መሰረቱ ሰላም ስለ ዝኾነ ሰላምና ዓቒብና ኣብ ኩሎም ዓይነት ልምዓታት ንቕድሚት ከንስጉም ኣለና።

ምኽንያቱ ብዘይ ሰላም ዝኾነ ዓይነት ልምዓት ዝሕሰብ ስለዘይኮነ ሰላም ዓቒብካ ምኻድ ግዴታ ‘ዩ። ብዘይ ሰላም ልምዓትን ዕቤትን ክረጋገፅ ስለ ዘይኽእል ኩሉ ሕብረተሰብ ንሰላም ዓብዪ ቖላሕታ ክህቦ ይግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You