ዕቤት ኢንዱስትሪ ንምርግጋፅ ኩሉ ሓላፍነቱ ይዋፃእ

ልምዓት ኢንዱስትሪ ንዕቤት ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ፣ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር፣ በዚ ኣቢሉ ቑጠባዊ ሃገር ንምርግጋፅ ዓብዪ ኣስተዋፀኦ ኣለዎ። ብምዃኑ መንግስቲ ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት ብምንዳፍ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ። ኮይኑ ግና እዚ ብመንግስቲ ጥራሕ ክረጋገፅ ስለዘይኽእል ነዚ ንምግሃድ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ።

ኣብዚ ሴክተር እዚ ዝተሰማረዩ ኣካላት ውፅኢታዊ እናኾኑ ‘ዮም ዝርከቡ። እቲ ሴክተር ብትኽክል እንተተሰሪሕዎ ሚልዮነር ዝገብር ‘ዩ። ኣብዚ ሴክተር ዝተዋፈሩ ሰባት ዓርሶም ካብ ምኽኣል ሓሊፎም ንኻልኦት ወገናት ‘ውን ስራሕ ዕድል እናፈጠሩ ‘ዮም ዝርከቡ።

ኢንዱስትሪታት ክልል ትግራይ እንተሪእና ዋላ በቲ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ጠጠው ኢለን እንተነበራ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም ግና መንግስቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ምንቅቃሕ ጀሚረን ‘የን። መንግስቲ ኣብቲ ዘፈር ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ ገንዘብ መዲቡ ከም እንደጋና ንምልዕዓል ስጉምታት እናወሰደ መፂኡ ‘ዩ ሕዚ ‘ውን እናወሰደ ይርከብ።

ኣብዚ ሰሙን ካብ 1ሰነ ጀሚሩ ንሓሙሽተ ተኻታታሊ መዓልቲታት ብምትሕብባር ሚኒስተር ኢንዱስትሪ፣ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ዝተዳለወ “ምንቕናቅ ኢንዱስትሪ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፣ ትግራይ ተፍሪ ንሕና ‘ውን ንዓድግ ብዝብል ካልኣይ ዙር ሃገር ለኸ መድረኽ ምንቕናቕ ኣብ ከተማ መቐለ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብ ምጅምር እቲ ፕሮግራም ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ናይ ፌዴራል ኣካላትን ተረኺቦም ኣብቲ ዙርያ መደረ ገይሮም ‘ዮም። እቶም ፕረዚዳንት መፍረይቲ ትካላት፣ መሰረታዊ ተስፋታት ትግራይ ከምዝኾኑን እቶም መፍረይቲ ብበዝሕን ፅሬትን እናፍረዩ ከምዝርከቡን በዚ ኣቢሉ ድማ ዝለዓለ ለውጢ እናተረኣየ ምዃኑ ገሊፆም ‘ዮም።

እዚ ከም ክልል ይኹን ከም ሃገር ዘለዎ ኣስተዋፀኦ ልዑል ስለ ዝኾነ ኩሉ ቖላሕታ ክህቦ ይግባእ። ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝረአዩ ዘለዉ ፀገማት መፍረይቲ ትካላት ንምፍታሕ ክሕግዙ ኣለዎም። ብምትሕግጋዝ ዝተደለየ ለውጢ ክመፅእ ስለዝኽእል ትኹረት ሂብካ ምስራሕ የድሊ። መንግስቲ ፌደራል ቆላሕታ ሂቡ እናሰርሐ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ኩሉ ፀገም ብምንግስቲ ጥራሕ ክፍታሕ ስለ ዘይኽእል ኩሉ በቢብርኩ ዘሎ ክተሓጋገዝ ኣለዎ።

ዕቤት ኢንዱስትሪ ንምርግጋፅን ፀገማት መፍረይቲ ትካላት ምፍታሕን ናይ ውሱናት ኣካላት እንተይኮነስ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ‘ዩ፤ ኩሉ ሓላፍነቱ እንትዋፃእ እቲ ለውጢ ጋሕዲ ስለዝኸውን ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ዘፅግም ኣይኮነን። እዚ ድማ ዝለዓለ ፃዕሪ ዝሓትት ስለዝኾነ ኩሉ ክተሓጋገዝ ይግባእ።

ብምዃኑ እቶም መፍረይቲ ትካላት ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕኑ፣ ንደገ ሰደድ ዝገብሩን ዝለዓለ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን ብምዃኖም መንግስቲ ትግራይ ልዑል ቖላሕታ ሂቡ ክሰርሐሉ ይግባእ። ምኽንያቱ እዚ እንተዓብዩ ንሃገር ዝለዓለ ረብሓ ስለዘለዎ መንግስቲ፣ ሴክተር ኢንዱስትሪ ንምዝማን ፖሊሲን ስትራቴጂን ኣመሓይሹ ናብ ስራሕ ካብዝኣቱ ፀኒሑ ‘ዩ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት በቲ ኩናት ኢንዳስትሪ ትግራይ ተጎዲአን ፀኒሐን ‘የን ኮይኑ ግና መንግስቲ ድሕሪ እቲ ዝተፈጠረ ሃዋህው ሰላም ኢንዳስትሪ ትግራይ ንምንቕቓሕ ዝዓለሙ ሃገር ለኸ ምልዕዓላት እናካየደ ይርከብ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኮይኑ ግና ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ብተሳትፎ መንግስቲ ጥራሕ ክዓቢ ስለዘይኽእል ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ተሳትፍኡ ከሕይል ኣለዎ። ከምዚ እንተኾይኑ እቲ ዝድለ ውፅኢት ጋህዲ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You