ኣብ ትግራይ ካብ 3 ክሳብ 8 ሰነ ኽታበት ሕማም ኣልምሲ ን2ይ ዙር እናተዋሃበ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ካብ 3 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ 8 ሰነ 2016 ዓ.ም ኽታበት ሕማም ኣልምሲ /ፖልዮ/ ን2ይ ዙር እናተወሃበ ይርከብ፡፡ ቢሮ ጥዕና ትግራይ 30 ጉንበት 2016 ዓ.ም ንጋዜጠኛታት ኣቐዲሙ መግለፂ ዝሃበ ኮይኑ ሕዚ ብመልክዕ ወፍሪ እቲ ሕማም ኣልምሲ /ፖልዮ/ ኣብዝተረኣየሎም ከባቢታት እናተወሃበ ይርከብ፡፡

ኣብ ጥዕና ትግራይ መተሓባባሪ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተስብ ኣይተ መብራህቶም ሃፍተ ከምዝበሉዎ፣ እቲ ኣብ ፈለማ ሰሙን ሰነ ዝወሃብ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ ብወፍሪ መልክዕን ለበዳ ኣብ ዝተረኣየሉ ከባቢታትን ‘ዩ።

እዚ ሕማም ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ ትሕቲ 15 ዓመት ህፃውንቲ ለምሲ ኣካል ከም ዘስዕብን እዚ ክታበት ንምሃብ ዘንቀደ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ራያ ጨርጨር ኣብ ሓደ ህፃን ብምርኣዩ ምኽንያት ከም ዝኾነን ቅድሚ ሓደ ወርሒ1ይ ዙር ከም ዝተወሃበን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ 1ይ ዙር ካባቢ 1.7 ሚልዬን ህፃናት ንምኽታብ ትልሚ ተታሒዙ 1.6 ሚልዬን ከም ዝተኸተቡን ሓዚ ‘ውን ኣብ ካልኣይ ዙር ን1.7 ሚልዬን ህፃናት ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ዩኒሴፍ፣ ምርምርን ሚኒስተር ጥዕናን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ 79 ወረዳታት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ዘመሓድረን ወረዳታት ገዛ ንገዛ ክወሃብ ትልሚ ብዝተተሓዘ መሰረት ‘ዩ፡፡

ኣብ ወፍሪ ክታበት ብፍላይ ወለዲ ፅባሕ ተረከብቲ ዓዲ ዝኾኑ ህፃናት ጉዱኣት ኣካል ኮይኖም ከይተርፉ ዝከኣሎም ኩሉ ንክገብሩ ኣቀዲሞም ፃውዒት ኣቅሪቦም ‘ዮም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You