ኣብ ኣከባብራ ገዳም ደብረዳሞ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘህስሱ ንጥፈታት ክህልዉ የብሎምን

ኣዲስ ኣበባ፡– ጥንታዊ ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ ‘ምበር ነቲ በዓል ዘህስሱ ከም ጎይላ፣ ትልሂትን ካልኦትን ክውገዱ ከምዘለዎም ተገሊፁ፡፡ 14ጥቕምቲ ዝኽበር ኣቡነ ኣረጋዊ ገዳም ደብረዳሞ ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ተዋሂቡ።

ኣማሓዳሪ ጥንታዊ ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ ኣባ ገብረፃድቃን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፣ እቲ ክብረ በዓል ትሕዝቶኡ ሓልዩ ንክኽበር ይስራሕ ኣሎ። ኣስዒቦም ናብዚ በዓል ንዝመፁ ኣመንትን ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትናን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ሰናይ ትምኒቶም ኣቕሪቦም።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይተ ሃፍቶም ባራኺ ብወገኖም፣ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኵናት ተዛሓሒሉ ዝፀንሐ ፍሰት ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ሰለስተ ዓበይቲ ኮሚቴ ማለት ‘ውን ፀጥታ፣ጥዕናን ኣሳሰይትን ተቐበልቲ ጋሻን ተወጊኖም እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

10 ጥቅምቲ ተወለድቲ ዓድን ፈተውትን፣ ምሁራን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝነጥፉ ኣካላትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ዝሳተፍሉ መድረኽ ዘተ ከምዘሳልጡ ‘ውን ኣገንዚቦም። መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ወረዳ ጉሎመኸዳ ወይዘሮ ብርሃን ሓጎስ ጥንታዊ ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞን ካልኦት መስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ከባብታት ኣብ ምልላይን ምንቕቓሕን ልዑል ትኹረት ጌርና ንሰርሕ ኣለና ክብላ ሓቢረን።

ከም ሓበሬታ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፣ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ ንዳግመ ህንፀትን ብሩህ መፃኢ ትግራይን ብዝብል መራሒ ሓሳብ ከም ዝኽበርን እቲ በዓል ንምኽባር ቅድመ ምድላው ተወጊኑ ‘ዩ ክብላ ወሲኸን ገሊፀን። ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይተ ነብዩ ስዩም በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ ንምኽባር ዘኽእል እኹል ቅድመ ምድላው ፀጥታ ከምዝተወገነን ኣመንትን ሃወፅትን ብዘይ ምንም ስግኣት ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ክመፁ ፀዊዖም።

ኣፈ ጉባኤ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይ ተስፋማርያም ገብረኣምላኽ ተወለድቲ ዓዲን ፈተውትን ዓለም ለኻዊ ተበፃሕነት እቲ ገዳም ኣብ ምልላይ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ‘ውን ሓቢሮም። በዓል ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ በብ ዓመቱ 14 ጥቅምቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመንቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽበር እንትኸውን ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ መዛብር ቁሸት መዛብር ከምዝርከብ ይፍለጥ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You