ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት እታ ሃገር እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ክህልው ከምዝኽእል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፦ ኣብ ማእኸላይ፣ ኣብ ምብራቕን ኣብ ሰሜን ምዕራብን ከፋላት እታ ሃገር ካብ ዝጠናኸሩ ዘለው ኩነታት ኣየር ብምብጋስ እዋኑ ዘይሐለወ ዝናብ ክህልው ከምዝኽእል ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብ ክልል አምሓራ ኣብ ሰሜንን ደቡብ ወሎ፣ ዋግኸምራ፤ ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞን ብሔረሰብ ኦሮሞን፤ ካብ ክልል ትግራይ ድማ ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቅን፤ ካብ ክልል ዓፋር ዞባታት ፋንቲ፣ ማሂ፣ ሃሪን ጋቢን፤ ካብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቅ፣ ምዕራብ፣ ደቡብ ምዕራብን ሰሜን ሸዋን (ሰላሌ)፤ አዲስ አበባ፤ ኣብ ዞባታት ክልል ማዕኸላዊ ኢትዮጵያ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ክህልው ከምዝኽእል ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ንትፕኢ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ትንበያ ኣመላኺቱ።

ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ መዓልትታት ሓጋይ ካልኣይ ናይ ዝናብ እዋኖም ኣብ ዝኾኑ ክፋላት እታ ሃገር ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረኽቡ እቲ ኢንስቲትዩት ኣፍሊጡ። ዝናብ ወሃቢ ኩነታት ኣየር ደቡብ፣ ምብራቕ፣ደቡብ ምዕራብን ምዕራብን ክፍሊታት እታ ሃገር ዝሓሸ ሽፋን ከምዝህልዎም ተገሊፁ።

ሓጋይ ካልኣይ ናይ ዝናብ እዋኖም ኣብ ዝኾኑ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ባሌን ምብራቕን፣ ጉጂ፣ ምዕራብ ጉጂ፣ ቦረናን ምብራቕ ቦረናን፤ ካብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባታት ጋሞ፣ ጎፋ፣ ጌዴኦ፣ ወላይታ፣ ኮንሶ፣ ኣማሮ፣ ባስኬቶ፣ ቡርጂን ደቡብ ኦሞን፤ ካብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞናት ቤንችሽኮ፣ ዳውሮ፣ ኮንታን ምዕራብ ኦሞን፤ ኩለን ዞናት ክልል ሲዳማ፤ ካብ ክልል ሶማሌ ዞባታት ፋፋን፣ ኤረር፣ ጀረር፣ ኖጎብ፣ ሊበን፣ ቆራሂ ዶሎ፣ ዳዋ፣ ሊበን፣ ኣፍዴርን ሸበልን፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሀረሪን ድሬዳዋን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ቀሊልን ማእኸላይን መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረኽቡ ተሓቢሩ።

ኣብ እዋን ክረምቲ ዝናብ እናረኸቡ ኣብ ዝነበሩ ኣብ ምዕራብ፣ ደቡብ ምዕራብን ከምኡ ‘ውን ኣብ ምብራቕ ክፋላት እታ ሃገር እቲ ዝናብ ቀፃላይነት ከምዝህልዎ ተመላኺቱ። ከምኡ ‘ውን ባሓይሊ ፀሐይ ተሓጊዙ ካብ ዝተጠናኸሩ እኩብ ደመናታት ተተሓሒዙ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ቄለም ወለጋ፣ ኢሉባቦር፣ ቡኖ በደሌ፣ ጅማ፤ ከፋ፣ ሸካና ማጂ ኣብ ውሑድ ቦታታቶም ከቢድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክረኽቡ ‘ዮም።

ካብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ወለጋ፣ ሆሮጉዱሩ ወለጋ፣ ኣርሲን ምዕራብ ኣርሲን፤ ምሥራቅን ምዕራብን ሀረርጌ፣ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መተከል፣ ኣሶሳ፣ ካማሺን ፍሉይ ዞባ የማኦኮሞን፤ ካብ ክልል ጋምቤላ ፍሉይ ዞባ ኢታንግ፣ ኑዌር፣ ኣኝዋን ማጃንግ ኣብ ብዙሕ ቦታታቶም ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረኽቡ ተጠቂሱ።

ካብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር፣ ምብራቕ፣ ምዕራብን ሰሜንን ጎጃም፣ ናይ ሰሜን፣ ናይ ደቡብን ማዕከላዊ ጎንደር፣ ኣዊ ዞባታት ኣብ ዙርያ ባሕርዳር፤ ካብ ክልል ትግራይ ኣብ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ቀሊል መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረኽቡ እቲ ትንበያ ይሕብር።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You