ብውልቀ ፃዕሮም መነባብሮኦም እናለወጡ ዝርከቡ መናእሰይ ኣብ ዓድኻ ሰሪሕኻ ምልዋጥ ከም ዝከኣል ሓቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣብ ስራሕቲ ፈርኒቸር ተዋፊሮም ብውልቀ ፃዕሮም መነባብሮኦም እናለወጡ ዝርከቡ መናእሰይ፣ ኣብ ዓድኻ ሰሪሕኻ ምልዋጥ ስለዝከኣል ዝኾነ ይኹን መንእሰይ ፃዕሩ ከሐይል ከም ዝግባእ ገሊፆም።

መንእሰይ ክብሮም ፀጋይ፣ ኣብ እንዳ ሰብ ተቖፂሩ ይሰርሕ ምንባሩ ብምግላፅ፣ ካብቲ እንዳሰብ ተቛፂሩ ዝሰርሖ ኣስታት 160 ሽሕ ብር ብምውህላል ዝኸፈቶ እንዳ ጣውላ ን27 መናእሰይ ካብ 2500 ክሳብ 17 ሽሕ ወርሓዊ መሃያ እናኸፈለ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረሎም መናእሰይ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ንካሊእ ሰብ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከም ዘሎ ኮይኑ ንዓርሱ ድማ ከባቢ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ካፒታል ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ እንተኾነ ግና መስርሒ ቦታ ብዘይምህላዉ ተኻርዩ ይሰርሕ ከምዘሎን ዝምልከቶ ኣካል ፀገሙ ተረዲኡ ክፈትሐሉን ይላቦ።

ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ተዋፊሩ ዝርከብ መንእሰይ ግርማይ ሽሻይ፣ ነዚ ስራሕ ብ50 ሽሕ ብር ከምዝጀመረ ብምሕባር፤ “ሐዚ ካብ ባዕለይ ሓሊፈ ብዓቕመይ ንኣርባዕተ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ፈጢረ ይርከብ፤ ይኹንምበር ሰኣን መስርሒ ቦታ ተኻርየ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ፡፡ ብምኻኑ ዝምልከቶ ኣካል ፀገሙ ክፈትሐሉ ይላቦ።

እቲ መንእሰይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክልወጥ እየ ኢሉ እንተፅዒሩ ንዓርሱ ክኢሉ ንካልኦት እውን ክጠቅም ከምዝኽእል ብምርዳእ ፣ኣብ ዓድኻ ሰሪሕ ምልዋጥ ከምዝከኣል ብምጥቃስ፣ መናእሰይ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ዓዶም ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ ብምምዓድ እግሮም ናብ ዝመርሖም ብምኻድ ንኣደዳ ሞትን ስደት ካብ ክሳጥሑ የብሎምን ክብል ምዒዱ።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ጉዳይ ኮሚኒኬሽን ትግራይ እቶም መናእሰይ ናብዚ ብርኪ ንምብፃሕ ብዙሕ ዕንቅፋታት ከም ዝሓለፉን ሐዚ ’ውን መንግስቲ ፀገም መስርሒ ቦታን ልቓሕን ክፈትሐሎምን ከምኦም ሰሪሖም ክልወጡ ዝደልዩ መናእሰይ ‘ውን ስራሕ ንምጅማር ፀገም መስርሒ ቦታን ልቓሕን መሓንቖ ስለዝኾኖም እዚ ፀገም ክፍታሕ ብምግባር መናእሰይ ንኣዳዳ ስደትን ሞትን ካብ ምቅላዕ ከድሕን እንተዝግበር ዝብል ለበዋ ኣቕሪቦም።

መተሓባበሪ ማኒፋክቸሪንግ እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ገብረስላሴ ብርሃነ፣ ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ኣብ መስርሒ ቦታን ልቓሕን ፀገም ኣሎ ብምባል፤ መስርሒ ቦታን ልቓሕን ዝረኸቡ እውን ብሰንኪ ሓይሊ መብራህቲ ናብ ስራሕ ንምእታዉ ይፅገሙ ‘ዮም ኢሎም።

ስለዚ እቶም ፀገማት ብምንፃር፣ ንዝምልከቶም ኣካላት እናሓተቱ ከም ዝርከቡን ብሓፈሻ በቶም መናእሰይ ዝለዓሉ ፀገማት ብክፍለ ከተማ ዝፍትሑ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዘሎን ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ክፍለ ከተማ ዝኾኑ ድማ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብምፍላጥ ንክፍትሑ ምንቅስቓስ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You