ንልዕሊ 808 ሽሕ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብር ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ስርዓት ኣመጋግባ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፡– ማሕበር ልምዓት ትግራይን መዳርግቲ ኣካላትን ንልዕሊ 808 ሽሕ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብር ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ምምሕያሽ ስርዓት ኣመጋግባ ዕላዊ ከምዝኾ ተገሊፁ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ፤ ትካል ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍ ቢሮ ጥዕናን ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕ፣ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ንዝነብር ልዕሊ 808 ሽሕ ህዝቢ ተረባሒ ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ስርዓት ኣመጋግባ ዕላዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣብቲ ካብ 10 ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ ማልትን ትካል ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍን፣ ኣመሓደርትን ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ጥዕና ወረዳታትን ክኢታታት ስርዓት ኣመጋግባን ዝተረኸብሉ ምብሳር ፕሮጀክት ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር፤ ማልት ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ኩይናትን ስዒቡ ዝመፀ ድርቅን ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ሂወት ኣድሕን ስራሕቲ ስርዓት ኣመጋግባ እናተሰርሐ ከምዝፀመ ገሊፆም፡፡

በዚ ሐዚ ዕላዊ ዝኾነ ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ስርዓት ኣመጋግባ ድማ ዘላቒ ዝኾነን ውሕስና ስርዓት ኣመጋግባ ንምፍጣርን በዚ ኣቢሉ ብቑዕ ተረካቢ ዓዲ ዝኾነ ወለዶ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ባይታ ንምንፃፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ናብ ባይታ ወሪድካ ንምትግባር ኣብ ዝግበር ወፍሪ ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ኣመልኪቱ ፅሑፍ ዘቕረቡ ብዓል ሞያ ጥዕናን ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጥዕናን ስርዓት ኣመጋግባን ኣይተ ተስፋይ ተመስገን ብወገኖም፤ ብ52 ሚልዮን ብር ዝፍፀም ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ምምሕያሽ ስርዓት ኣመጋግባ ኣብ ውሽጢ 10 ወርሒ ዝዛዘም እንትኾን ኣብ 10 ወረዳታትን 111 ጣብያታት ዝነብር ሸሞንተ ሚኢትን ሸሞንተ ሽሕን 529 ህዝቢ ተረባሒ ከምዝገብርን ካብዚኦም እቶም ን118 ሽሕን512 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናትን 27ሽኽን599 መጥበውትን ነብሰፁር ኣዴታትን ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ዕድል ከምዝፈጥር ንዕውትነቱ ድማ ካብ ማልት ክሳብ ቁሸት ዘሎ ክኢላን ኣመራርሓን ብምውዳድ ኣቢሉ ዝፍፀም ምዃኑን ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ናዕዴር ኣይተ ማህደር ፀሃየን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጥዕና ከተማ ማይጨው ሲስተር ሂወት ነጋሲን ኣብ ምብሳር እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሳተፉ እንትኾኑ እቲ ፕሮጀክት ናብ ባይታ ብምውራድ ብብርኪ ማሕበረሰብ ዝፍፀምን ቅድሚ ምጅማር ኩይናት ኣብ ብፅቡቕ ኩነታት ይጉዓዝ ዝነበረ ስርዓት ኣመጋግባ ማሕበረሰብ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኩናት ንድሕሪት ተመሊሱ ብምህላው እዚ ናብ ንቡር ብምምላስ ጥዕንኡ ዝሓለወ መፍረያይ ዜጋ ኣብ ምፍጣር ልዑል ኣበርክቶ ዝህልዎን ኣብ ትግበርኡ ድማ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከምኡ’ውን ካብ ወረዳ ክሳብ ቁሸት ዘሎ መሓውርን ብምጥቃምን ጥቡቕ ክትትል ብምግባርን ንምውጋን ብዕቱብ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You