ምስ መሬትን ካልኦት ጉዳያትን ተተሓሒዞም ዝረኣዩ ዘለዉ ግዕዝይናታት ተሓታትነት ክሰፍን ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝረኣዩ ዘለዉ ናይ መሬት ውራን ካልኦት ፀገማትን ንምስትኽኻል ክስራሕ ይግባእ ክብላ ምክትል ቢሮ ሓላፊት መሬትን ማዓድንን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣልማዝ ተስፋ ገሊፀን፡፡

እዚ ዝተገለፀ ካብ ሕድሕድ ቀበሌታት ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ዝተውፃእፅኡ መድረግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተጠቒሞም መሬት ህዝብን መንግሰትን መንገዲ ወሪሮም ኣብ ዝሓዙ ወገናት ዝወረርዎ ንኽምልሱ ዘኽእል ምይይጥ ኣብዝተገበረሉ ‘ዩ፡፡

እተን ምክትል ቢሮ ሓላፊት ከም ዝበልኦ፣ እዚ ስርዓት ክህሉን ክቅፅልን ዝኽእል ሰርዓት ተሓታትነት እንትረጋገፅ ጥራሕ ‘ዩ ። በዚ መሰረት ካብ ክልል ጀሚሩ ኩሉ ተወሪሩ ዘሎ መሬት ክምለስን መምርሒ ወሪዱ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ኩሉ ከባቢ ተፈፃሚ ክኸውን ከም ዘለዎን ሓቢረን።

ኣብ ከተማ ሸረን ታሕታይ ቆራሮን ሕጋዊ ርኽክብ ክህሉ ምርድዳእ ኣብ ሞንጎኦም ከም ዝተበፀሐን ንዕቤትን ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከተማ ሸረ ንምስላጥ ‘ውን ሓጋዚ ከም ዝኾነን እዚ ሓይሊ ዕማም ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳዱ ብዘይሕጋዊ ዝተሰርሐ ምዃኑ ህዝቢ ክመያየጠሉን ባዕሉ ‘ውን ከረጋግፆ ከም ዝግባእን ወሲኸን ሓቢረን ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብ ከተማ ሸረ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ሕጋዊ ስርዓት ንምትሓዝ ምስ ህዝብና ኮይንና ብዝላዓለ ተኣማምነትን ተወፋይነትን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበፅሑን ዝኾነ ይኹን ሰብ መሬት ወሪሩ ዝሃነፀ፣ዝሓፀረ፣ዝሓረሰ ክፈርስን ዕዱል ከም ዝተዋሃቦን እንተዘይኣፍሪሱ ድማ በቲ ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ከም ዝፈርስ ቤት ፅሕፈት መሬትን ካዳስተርን እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

 

Recommended For You