‹‹እቲ ጁንታ መሊሱ ከይቦቅል ኾይኑ ኽንቀል እዩ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ግብረ ራዕዳዊ ጁንታ ህወሓት ብርግፀኝነት መሊሱ ከይቦቅል ኾይኑ ከምዝንቀል ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፣ ዝገጠምናዮ ፀላኢ ነቀርሳ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፀላኢ እዩ፡፡

 ግብረ ራዕዳዊ ጁንታ ህወሓት ዝረኸቦ ስልጣን ፖለቲካ ንገዛ ሃገሩ ንምፍራስ ዝተጠቐመ ምልባት ኣብ ታሪኽ ብሕታዊ ጉጅለ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

ሓቢሩ ዝነበረ ሰይጣን ብቕልጡፍ ኣይንቀልን ከምዝባሃል ብየማን ፀጋም ምፍጭርጫሩ ኣይተርፍን፡፡ ብርግፀኝነት ግና እቲ ጁንታ መሊሱ ከምዘይበቅል ኾይኑ ኽንቀል እዩ ኢሎም፡፡

‹‹እዚ ዝኸውን ኩላትና ነቲ እንቦጭ ንምንቃል እንተተረባሪብና ኢና፡፡ ኣብ ከይዲ ኣብዝን ኣብትን ውልቀሰባት ክጋገዩ ይኽእሉ እዮም፡፡ ሓሳብ ዝኸፋፍሉ ሓበሬታ ክስምዑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብዕላማ ሓደ ኾይና ኣብ ኣከያይዳ ምክርኻር ክፍጠር ይኽእል እዩ›› ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ዝኾነ ኾይኑ ንዕላማኦም ዕንቅፋት ከምዘይኾን ኣፍሊጦም፡፡

ኢትዮጵያውያን ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ትልሚ ናይቲ ጁንታ ንምፍሻል ተላዒሎም እዮም ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ እዚ ንባዕሉ ዓወት እዩ፣ኢትጵያውያን ፀላኢኦም መን ከምዝኾነ ፈሊጦም እዮም፡፡ እንታይ ከምዝገብሩ እውን ፈሊጦም እዮም ክብሉ ገሊፆም፡፡

‹‹እዚ ሓድነትና ዘፍርሖም ሓይልታት ንምኽፍፋል ዝኻኣልዎ ኹሉ ክሰርሑ እዮም፡፡ ዓይንና ካብኣቶም ነቒልና ኣብ ወገናትና ንክንተክል ውዲት ይፍሕሱ፣እዚ ድማ ፈፂምና ኣይገብሮን›› ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡

ኸዚ ዝፈጠርናዮ ሓድነት ናይቲ ጁንታ ዝፀንሐ ሸርሒ ዘፍርሰ፤ቐፂሉ ድማ ባዓል ዋና ናይቲ ሸርሒ ዘፍርስ ፤ ኣብ መወዳታ ድማ ሸርሒ ዝተሓሰባ ሃገር ብሓድነት ዘሐድስ ከምዝኾን ገሊፆም እዮም፡፡

‹‹ሓይሊ ምክልኻልን ሓይልታት ክልልን ግቡእ ቦታ እናሓዙ እዮም፡፡እዚ ንምህዋኽ ትንኮሳ ክህሉ እዩ፡፡ ነዚ ድማ ንባዕልና ቃል ዝኣተውናዮ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ቃል እናኽበርና ግቡእ ምላሽ ክንህብ ኢና››ኢሎም፡፡

እንታይ ፣ንምንታይ ፣ከምይን መዓዝን ምግባር ከምዘለና ትልሚ ኣለና እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ ውፅኢቱ ኣብ ሓፂር እዋን ፈታውን ፀላእን ክሪኦ እዩ፡፡ እቲ ሰራዊት ኣድላይ እንተኾይኑ ኢድካ ኣብ ኣፍ ዘኽድን ተልእኾ ድልው ከምዝኾነ ኣፍሊጦም እዮም፡፡

ፃህያይ ንኽንቀል ገይርና ክንሰርሕ ኢና፡፡ እቲ ፃህያይ ክንነቅል ግና ስርናይ ከይንጎድእ ዝካኣሎ ኹሉ ጥንቃቐ ክንገብር ኢና ኢሎም፡፡ ኣብ ሃገርና ፃህያይ ብሕብረት እዩ ዝንቀል፡፡ ኢትዮጵያውያን ድማ እዚ እናገበሩ ከምዝለዉ ኣመልኪቶም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You