‹‹ምኽክር እንትባሃል ኹላትና ብሓደ ሰዓርቲ ዝገብረና ማለት ‘ዩ››  – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ ምኽክር ከምዝተጀመረ ዝዝከር ‘ዩ:: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ‹‹ኲናት ነቢርናሉ ኢና፤ ዝተወሰኑ ፀገማትና ፈቲሕናሉ ኢና። ኹናት ግና ፀገማትና ክፈትሐልና ኣይካኣለን::

ዘይተፈትሑ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተረፈና መገዲ ዘተን ምኽክርን ‘ዩ፤ እዚ ክሳብ ኸዚ ኣይተጠቐምናሉን ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም:: ይኹን እንበር ዘተ ንኹሉ ተዓዋቲ ከምዝገብርን በዚ እንተተሳዒርና ‘ውን ኩላትና ንሃገርና ኢልና ኢና ንሰዓር ኢሎም። ከይዲ ዘተ ሰለስተ ነገራት ዘጨብጥ ‘ዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፤ ቀንዲ ቀንዲ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ፣ ዘተ ባህሊ ንክኸውን ኣብ ምግባርን ኣብ መንጎ ተፃረርቲ ሓይሊታት ምቅርራብን ምርድዳእን ክፍጠርን ከምዝገብር ኣብሪሆም።

እቲ ምቅርራብ ብምጥቃም ንቕድሚት ኣብቶም ዛዕባታት እናተዘራረብካ ንምቕፃል ዘኽእል ከምዘኾነ ‘ውን ሓቢሮም። ብመሰረት እዚ እቲ ዕድል ከየበላሸየና ናብ ዝተማልአ ዓወት ንክንሰጋገር ይሓትት ክብሉ ፃውዒቶም ‘ውን ዘቅረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና :: ሰናይ ንባብ!

‹‹ካብ ቅድሚ ኸዚ ፍልይ ብዝበለ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምምኽራን ንሓባር ቅዋምን ሓሳብን ንምውሳድ በዚ መንገድ ምርኻብና ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓደ ዘይዝንጋዕ ምዕራፍ ስለዝኾነ እዚ ዕድል ዝረኸብና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣዳራሽ ንኢትዮጵያ ዝረብሕ ንምውሳን ኹለኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ክብል ይፎቲ::

ካብ መላእ ሃገርና ዝተሰብሰብኩም ብሚድያ ንእትከታሉን ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኩሎኹም ሎሚ እዚ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ስለዝኾነ እዚ ምዕራፍ ብቅንዕና ፈቒድና ፎቲናን ኹላትና ንክንሳተፍ ፃውዒት እናቕረብኩ እዚ ንክንጅምር ፈጣሪ ዝረድአና ከመስግን ይፎቱ::

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስብራት ኣለዉ:: ኣብ ዝሓለፉ ሚኢቲ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳኸዐልና እናመሰለና ብሓፈሻ ዝጎድኣና ኹናት ‘ዩ:: ካብ ዉግእ ዝሓለፈ ንደቅና እነውርሶም ነገር ምፅናሕ ኣይካኣልናን:: ሃፀይ ቴድሮስ እተይልና ውግእ ‘ዩ፣ ኣፄ ሚኒሊክ እንተይልና ውግእ ‘ዩ፣ ክሳብ ኸዚ ዘለናዮ ታሪኽና ውግእ ‘ዩ:: እዚ እንትድመር ውድቐት ‘ዩ::

ካብዚ ንምውፃእ ሓድሽ መንገድ ምኽክር ‘ዩ:: ነዚ ኹላትና ድላዋት ክንኸውን ኣለና:: ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድፍረት ዝተመልኦም ሪፎርም ንምክያድ ሞኪርና ኢና:: ናይቲ ሪፎርም ጥቕልል ዝበለ ሓሳብ ዝሓሸ ናይ ኣፈፃፅማ ዓቕሚ ከምዘለዋ ንደቃ ምርኣይ ‘ዩ:: ኣብ ኢኮኖሚኒ ዘፈር ሪፎርም ስርናይ ሓዊሱ ጠንካራ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም::

ኣብ ገጠር ዝረኸብናዮ ውፅኢት ስርናይ ኣብ ከተማ ‘ውን ክንደግሞ ኣለና:: ናይ ሰብ ከተማ ምድናቕ እንተይኾነስ ናይ ባዕልና ከተማ ምምልካዕ ንኽእል ኢና ብዝብል ሪፎርም ድፍረት ዝተመልኦ ስራሕ ‘ዩ:: ኣብ ፒያሳ ዝተሰርሐ ስራሕ ናይ ሰብ ሃገር ከይድካ ፎቶ ምልዓል ብምግዳፍ ናባና መፂኦም ፎቶ ዝላዓልሉ ስራሕ ከምዝኾነ እናተርኣየ ‘ዩ::

እዚ ስራሕ ብዙሓት ከምዝብልዎ እንተይኾነስ ብናትና ሃፍቲ ብናይና ፃዕሪን ብናትና ሓሳብን ዝስራሕ ‘ዩ:: ኢትዮጵያን ኣብ ስርናይ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ከተማ ‘ውን ከምንኽእል ዘርኣየ ሪፎርም ‘ዩ:: ቆሪፅና ዝተልዓልና ኣብ ቅድመና መረፃ ኣሎ ኢልና እንተይኾነስ ሕድሕድ ማዓልቲ ዕድል ‘ዩ፤ ተጠቒምና ሰሪሕና ንምሕላፍ ዝብል ቅዋም ስለዘለና ‘ዩ::

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠር መውዐሊ ህፃናት ምርኣይ ብርቂ ‘ዩ:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብውልቀ ክፍሊት ዘላዉ እንተኾኑ ‘ውን ከም ሃገር ናይ መንግስቲ ቀዳማይ ብርኪ፣ ካልኣይ ብርኪን ንዓይነ ስውራት ዝኾኑ ቤት ትምህርቲ ብርቂ ‘ዩ:: በዚ ዘፈር ታሪኽ ክርሰዖም ዘይኽእል እኹል ስራሕ ሰሪሕና ኢና::

እዚ ሪፎርም ገንዘብ የብላናን እሞ ኣይንሰርሖን ተንብል ነይርና ኣየሳኽዕን ነይሩ:: ህዝብና ሒዝና ቤት ትምህርቲ ኣስፊሕና ኢና እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ፈጠራ ትምህርትን ቴክኖሎጂን መሰረት ኾይኑ ከምዘገልግል ሙሉእ እምነት ኣለና:: ኣብ ህንፀት ትካላት ድማ ዝፀረዩን ብቴክኖሎጂ ዝተዓጀቡ ተሰሪሖም ‘ዮም::

ምሸት ተትወፁ ከንቲባ ከተማ ሓዊሱ ኣመራርሓታት በቢ ኮሪደሩ እናዞሩ ኢኹም እትሪእዎም፤ እዚ ህዝብኻ ናይ ሙፍታይ፣ ድኻ ምርዳእ፣ ንድኻ ገዛ ገዚኡ ምሃብ ልምምድ ባህሊ እንድሕር ገይርናዮ ትካላትና ባዕሎም ክኢሎም ንከገልግሉ ዘኽእል መሰረት እናቕመጥና ንርከብ::

ኣብ ዘፈር ዲፕሎማሲ ኣብ እዋን ፀገማትና ዝሓገዙና ሃገራትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘብ ዘድልይ ናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲ ጥቕሚ ብሄራዊ ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ‘ዩ:: ብሄራዊ ረብሓና ኣቐዲምና እንገብሮ ቃልሲ ካብዚ ወፃኢ በዚ መንገድ ንኣፍሪካ ምሕሳብ ግቡእ ኣይኮነን ብዝብሉ ሓይልታት ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ሰባት ‘ውን ግንዛበ እንትሓፅር ይስተውዓል ‘ዩ::

ንኣብነት ግድብ ህዳሴ ንምዝዛም ብዙሓት ዕንቅፋት ነይሮም ‘ዮም:: ንሕና ብሄራዊ ረብሓና እንትንብል ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሃገራት ንጉዳእ እናበልና እንተይኾነስ ብሓባር ነሸንፍ እናበልና ኢና:: እዚ ኹሉ ፅዕንቶ እንተሃለወ ግን ግድብና ግና ዛዚምናዮ ኢና::

እዚኦምን ካልኦትን ብድፍረት ዝተመልኡ ሪፎርም ኣብ ሃገርና ውሽጥን ወፃእን ብዘለዉ ሓይልታት ዘጫቓጭቑ ሪፎርማት ፅቡቕ ጅማሮ እንተኾኑ ‘ውን ኢትዮጵያውያን ተዛቲና እንድሕር ዘየይተጓዒዝና ገንዘብ ስለዘለዎም ንዓና ገዚኦም ውሽጥና ክኸፋሉ ይኽእሉ ‘ዮም ሞኪሮም ‘ውን ‘ዮም:: ምዝታይን እዚ ጅማሮ መሰረት ክድሕዝ ኣድላይ ‘ዩ::

ናይ ኢትዮጵያ ዋና ዋና ስብራት ካብዚ መድረኽ ኣንፃር እንታይ ‘ዮም ኢልና እንተሪእና እቲ ሓደ ኣካታቲ ዝኾነ ፖለቲካ ክኸውን ይግባእ:: ኣነ ዘበልክዎ ‘ዩ ትኽክል ኢልካ ምትእንጋድ እቲ ሓደ መንገድ ‘ዩ እዚ ድማ ክቕረፍ ኣለዎ:: ካልኣይ ድማ ትርኽቲ ‘ዩ ምቅርራብና ዘርእይ እንተይኾነስ ሓዲኡ ምስ ሓዲኡ ዘፈላልይ ኣብ ኢትዮጵያ እናተዘንተዉ ፀኒሖም ‘ዮም::

ሳልሳይ ስብራት ኢልና እንሓስቦ ነገር ንምፍታሕ እንወስዶ መንገዲ ‘ዩ:: ንኣብነት ኣብ ስርዓተ መንግስቲ ደርጊ ዝነበረ ሕገ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓዞ ሓሳብ ንኢትዮጵያውያን ኣይረብሕን ኢልና እንትንላዓል ንሱ ቀዲድና ናይ ባዕልና ንምስፋር እንበር እቲ ስሕተት ጥራሕ ወሲድካ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተዛትይሉ ንክምሓየሽ ኣብ ምግባር ኣይኮናን እንሰርሕ::

ኩላትና ከምንፈልጦ ኣብ ኣህጉርና ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ሕገመንግስቲ ቀዲዶም ንባዕሎም ዝምቸዎም ሕገ መንግስቲ ፅሒፎም ዝነብሩን እናነበሩን ዘለዎ መንግስታት ኣለዉ:: ንሕና ምስ መፃና ሕገመንግስቲ ዘቕድድ ብጣዕሚ ሰፊሕን ብዙሕን ምችው ኩነታት ነይሩ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ተዘራሪብናን ካብኡ ጠቓሚ ሓሳብ ወሲድና ዝጎደለ መሊእና ዝብል ሓሳብ ኢና ተግባረዊ ገይርና:: እዚ ተግባር ዝመረፅና ስለዘይካኣል እንተይኾነስ ትኽክል ስለዘይኾነ ‘ዩ::

ምኽክር ንኢትዮጵያ ንምንታይ እዩ ዘድልያ? ቅድሚ ኸዚ እናበልናዮም ከምዝነበርና መን ምስ መን ተፃሊኡ ‘ዩ ምኽከር ዘድልይ? ዝብል ሕቶ ናይዚ ምኽክር ዋና ዓላማ ተቃራኒ ብምትራፍ ዝምድና ንምጥንኻር ‘ዩ:: ኣብ መንጎ ብሄር፣ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት ካብ ዘለዉ ቅሬታታት ንላዕሊ ዝምድና ስለዝበልፅ ንሳቶም ንምጥንኻር ‘ዩ::

ሓደ ዝገብረና ነገራት መዚዝና ምውፃእ ተንኽእል ካብ ዘፈላለዩና ዘዛምዱና ነገራት ዝበዝሑ ‘ዮም:: ምጉዳል ስብራት ኢትዮጵያ ውሽጢ ከምዘሎ ኹላትና ንፈልጥ ኢና:: ምጉዳል ግና ብምቅትታል ክንመልኦ ግና ኣይንኽእልን:: ምጉዳል ብምምክር ኢና ክንመልኦ እንኽእል:: ዓለም ጎደሎ እንተኾነት ‘ውን እዚ ንምምምላእ ምኽክር እንበር ምቅትታል ክኾን ኣይኽእልን::

በዚ ምኽክር ውሽጢ ዘለኣለማውነት ምኽክር ነዛ ሃገር ዝሓሸን ዝረብሕን ሓሳብ ሒዝና ኢትዮጵያ ንመፃኢ ብሩህ ተስፋ ዘለዋ ንምግባር ንክንኽእል እቲ ምኽክር ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ:: ዕድል እንድሕር ተጠቒምካሉ ዓወት ዝምፅእ ‘ዩ:: ግና እቲ ዕድል እንድሕር ዘይተጠቐምናሉ መከራ ‘ዩ ዘኸትል:: እዚ ዕድል እንድሕር ዘይተጠቂምናሉ ይሓልፍ ‘ዩ::

ኣካይዳ እቲ ዘተ ብዝምልከት በዚኦም ዝተኸበሩ ኮምሽነራት ስራሕ ንሓንቲ ሰከንድ ጣልቃ ናይ ምእታው ድልየት መንግስቲ የብሉን:: እዚኦም ኮምሽነራት ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ክህቡ ‘ዮም ኢልካ ምሕሳብ ስሕተት ‘ዩ:: ኣብቲ ዘተን ምኽክርን ብኹሉ ዘለዉ ወገናት ክግንዘቡዎ ዘለዎም ነገር ኣብ ኣዳራሽ ክንመክር ኢና በቲ ጉዳይ እንድሕር ተስማዕሚዕና ናብ ካልኣይ ጉዳይ ቀፃሊ ይኸውን::

እንድሕር ዘይተስማዕሚዕና ድማ ብጣዕሚ ቀሊል ‘ዩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሪፍረንደም ክውስን ይግበር:: ንሕና ከም መንግስቲ ሓሳብ ኣለና ሓሳብና እንድሕር ተቐባልነት ረኺቡ ፅቡቕ ናትና ሓሳብ ብካሊእ ሓሳብ እንድሕር ተሸኒፉ በቲ ሓሳብ ተገዛእቲ ንምዃን ድልዋት ኢና::

ኾይኑ ግና ከም ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪካ ንሕና ኢና ንፈልጠልካ ዝብል ሰባት ኣብ ኣዳራሽ ኣትዮም ሓሳብ እንትህቡ ይረአ:: ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኸዚ ኣይፅሓፉን:: ክፃሓፍ ዝኽእል ብሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ድምፂ ውሳነ ‘ዩ:: ዝኸበርኩም ኣብዚ ኣዳራሽ ዘለኹም ኢትዮጵያውያን፤ ኢትዮጵያ ጠንካራ ኾይና ግና ብሕጊ ዝግዛእ መንግስቲ የድልያ ‘ዩ:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዛረቦ ዝፍፅም ክኾን ይግባእ::

እዚ መንግስቲ ግና ግዴታ ንሕና እንመርሖ መንግስቲ ክኾን የብሉን :: ዝኾነ ይምራሕ ግና ጠንካራ መንግስቲ ክኸውን ይግባእ:: ሓደ ሓደ ግዜ ሓሳባት ካብ ግራን ምዝጋን ይላዓሉ ‘ዮም፤ ንኣብነት ስግግር መንግስቲ ዝብል ይላዓል ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ውሽጢ ድሕሪ ኸዚ ስግግር መንግስቲ ኣይህልይን::

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኸዚ ዝህሉ ብመረፃ ዝተመረፀ መንግስቲ ጥራሕ ‘ዩ:: ብመረፃ ኣብ ዝግበር ከይዲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሞኪርና ዕደል ሂብናኩም ኣይተሳኸዐልኩምን እንተተባሂለና ደጋጊመ ከምዝብሎ ኣረኪብና ንኸይድ ኢና:: ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ሙከራታት ንዓና እንተይኾነስ ንኢትዮጵያ ኣይጠቕማን::

ምኽክር እንትባሃል ኹላትና ብሓደ ሰዓርቲ ዝገብረና ማለት ‘ዩ:: ኹልግዜ ካብ እንቀታተል ሓደ ግዜ ኮፍ ኢልና ተንምኻኸር ዝምረፅ ‘ዩ:: በዚ ምኽክር ዝሽነፍ የለን ኢትዮጵያ ግና ተሸንፍ ‘ያ:: መዛዘሚ ሓሳብ ግና ኢትዮጵያን ኢትጵያውያንን ዝጠቅም ጥራሕ ክኾን ይግባእ:: እዚ ዕደል ከየምልጠኩም እንድሕር ኣምሊጡ ኣፀጋሚ ‘ዩ::

ኸዚ ብቅንዕነትን ብዝተኸፈተ ልብን በዚ ምኽክር ዝርከቡ ውፅኢት ንምቕባል ድልው ዝኾነ መንግስቲ ስለዘሎ ንክንጥቀመሉ ብመላእ ኢትዮጵያውያን ስም ፃውዒተይ የቕርብ :: ›› ምስዚ ተተሓሒዙ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳናች ኣቤቤ ብወገነን፤ ብፍልላያት ብሓይልን ጠበንጃን ካብ ምፍታሕ ታሪኽ ብምውፃእ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብዘተ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኣብ ሃገርና ንመጀመርያ እዋን ዝካየድ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምጅማሩ ዓብይ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ‘ዩ::

እቲ ሃገራዊ ምኽክር ከም ሃገር ዘለዉና ሰናይ ነገራት ብዘይጎድእ መልክዑ ሕማቕ ገፅታና ዝነበረ ምፍልላይና ብጠበንጃን ጉልበትን ካብ ምፍታሕን ናይ ሓደ ሃገር ህዝብታት በዚ ልክዕ ከም ፀላኢ ምውቅቃስ ተላቒቕና ብዘተ ጥራሕ ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላም ሃገርና ኣብ ምስፋን ዓብይ ግደ ከምዝፃወት ትፅቢት ይግበር::

እዚ ንሃገርና ተወሳኺ ታሪኽን ዓብይ ውፅኢት ዘርክብ ሃገራዊ ምኽክር፣ ህዝብና ናይቲ ጉዳይ ባዓል ዋና ኾይኑ ብቀጥታ ዝመረፆም ተወከልቲ ኣጀንዳታት ኣቀራራቢ ብዝኾነ መገዲ ብምጥንኻርን ብምፍታሕን ሃገራዊ ፍታሕ ከምዘምፅእ ትፅቢት ይግበር::

ስለዚ ነበርቲ ከተማና ብፍላይ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ተወኪልኹም ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ኣብ ምስታፍ እትርከቡ ኹለኹም፤ እዚ ዓብይ ሃገርዊ ሓላፍነት ብምዃኑ ካብ ዝኾነ ውልቃውን ጉጅላውን ስምዒትን ኣመለኻኽታን ብምውፅእ ብብቅዓት ብምስታፍ ናይ ምፍልላይ ፍታሕ ዘተ ጥራሕ ከምዝኾነ ብመርኣይ ሓድሽ ታሪኽ ብምስራሕ ግደኹም ንክተወፍዩ ዓብይ ተስፋ ኣለና ›› ክብላ ገሊፀን ‘የን::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 29 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You