ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሒዝዎም ዝመፀ ሰናይ ተግባራት

ከም ዝፍለጥ ኣብዛ ሃገር ብፍላይ ምስለውጢ መንግስቲ ተተሓሒዙ ማለት ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ‘ዩ:: እዚ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ድማ ካብ መጀመርትኡ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ከይዱ ከይዱ ናብ ጎንፂ ኣምሪሑ ብፍላይ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ቐሊል ዘይበሃል ጉድኣት ኣጋጢሙ ‘ዩ::

ብዙሕ ክሳራታት ተኸሲቱ ‘ዩ:: ብፍላይ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ፀገም ስዒቡ ዝበፅሐ ጉድኣት ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን:: ከም ዝፍለጥ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ክሳራ በፂሑ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና እዚ ድሕሪ ብዙሕ ክሳራታት ብፖለቲካዊ ስምምዕ መእለቢ ረኺቡ ‘ዩ:: ንሱ ኣብ 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ብዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ ፌርማ ‘ዩ:: እዚ ስምምዕ እዚ ንብዙሓት ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ዝሃበ ነይሩ።

እዚ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩላይ ንህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ዝሃበ ነይሩ:: ምኽንያቱ እዞም ክልላት ካብ ትግራይ ቐፂሎም ናይቲ ኩናት ሰለባ ‘ዮም ነይሮም:: ብዓብይኡ ድማ ከም ሃገር ራህዋ ፈጢሩ ‘ዩ:: ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዝነብሩ ዜጋታት እንተይኮነ ኣብ ካልኦት ክልልላት ዝነብሩ ዜጋታት ‘ውን ካብ መከራን ስቃይን ክወፁ ዝገበረ ‘ዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ቃላት ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ዝሃበ ‘ዩ ነይሩ::

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግራይ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ብዙሓት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ብፍጥነት ስራሕ ንክጅምሩ ተገይሩ ‘ዩ። መንግስቲ ፌዴራል ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሎም ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ:: ብወገን ህወሓት ‘ውን ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ምምስራት፣ ከበድቲ ዕጥቒ ኣብ ምፍታሕ ተወፋይነት ኣርእዩ ‘ዩ::

ማለት እቲ ሰላም ክፀንዕ ኣወንታዊ ግደ እናተፃወተ መፂኡ ‘ዩ:: ምኽንያቱ ከምዝፍለጥ ሰላም ብሓደ ወገን ጥራሕ ክመፅእ ስለዘይኽእል ክልቲኦም ኣካላት ንሰላም ዘርአይዎ ውፍይነት ዝነኣድ ‘ዩ:: ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ናብ ክልል ትግራይ ዝበፅሓሉ ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ። እቲ ስምምዕነት ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ መንግስቲ እቲ ስምምዕነት ካብ ዝኣተዎ ግዴታ ብዝሓለፈ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምህናፅ ኣድለይቲ ‘ዮም ዝበሎም ስጉምቲ ብተኸታታሊ እናፈፀመ መፂኡ ‘ዩ።

ብፍላይ መንግስቲ ፌዴራል ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ነቲ ሰላም ንምድልዳል ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን እንተሪእና ኣዝዩ ዝነኣድ ‘ዩ:: ድሕሪ እቲ ምፍርራም ናይ ሰላም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ማለት ከም ቴሌኮም፣ መንገዲ ኣየር፣ ባንኪ፣ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ካልኦት ትካላት መሰረተ ልምዓታትን ብፍጥነት ብምስራሕ ህዝቢ ናብ ንቡር ምንቕስቃስ ክምለስ ገይሩ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ብዝነበረ ፖለቲካዊ ፀገም ካብ ውድድር ርሒቑ ዝፀንሐ ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ናብ ዝነበሮ ስፖርታዊ ምንቕስቓስ ንምምላስ ዝተፈላላየ ድጋፋት እናገብረ መፂኡ ‘ዩ ሕዚ ‘ውን እናገበረ ይርከብ:: ካሊእ ኣብ መዳይ ቱሪዝም ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም:: ቱሪዝም ትግራይ ዳግማይ ናብ ዝነበሮን ካብኡ ንለዓልን ክኸይድ መንግስቲ ሰፋሕቲ ምንቕስቓሳት እናገበረ መፂኡ ‘ዩ::

ሕዚ ‘ውን እናተሰርሐሉ ይርከብ:: ከምኡ ‘ውን ካብዚ ሓሊፉ ካሊእ ሓዱሽ ሎጅ ኣብ ገርዓልታን እናተሰርሐ ይርከብ:: እዚ ድማ ንምንቕስቓስ ቱሪዝም ትግራይ ዘለዎ ግደ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን:: ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ተፈላላያ ኢንዱስትሪታት ናይ ዳግመ ሕውያት ስራሕቲ ተሰሪሑለን ማለት ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣብ ዝተገበረ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓሳት ብዙሓት ስራሕ ጀሚረን ይርከባ::

ትካላት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ዝተፈላላዩ ምንቕስቓሳት እናገበሩ ይርከቡ:: ማለት ብሓገዝ መንግስቲ ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበርዎ ኩነታት ገሊኦም ተመሊሶም ገሊኦም ድማ እናተመለሱ ይርከቡ:: እዚ ብፍላይ ነቲ ስራሕ ስኢኑ ዝነበረ መንእሰይ ዓብዪ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ::

ካሊእ መንግስቲ ኣብ ልምዓት መስኖ ወይ ሕርሻ ‘ውን ዝነኣድ ደገፍ እናገበረ ‘ዩ:: ትራክተራት ኣብ ምሃብ፣ መዳበርያ ኣብ ምቕራብ፣ ኣብ መስኖ እንተሪኢና ብሚኒስቴር ሕርሻን መዳርግቲ ኣካላትን ልምዓት መስኖ ንምስፍሕፋሕ ዝሕግዙ ስራሕቲ ‘ውን እናተሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ:: እዚ ዝነኣድ ተግባር ‘ዩ።

ብሓፈሻ መንግስቲ ፌዴራል ከም እንዚኦምን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ:: መንግስቲ ከምዚ እንትገብር ንሰላም፣ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ካብ ዘለዎ ድሌትን ባህግን ዝብገስ ኮይኑ እዚ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕን ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ዘለዎ ግደ ልዑል ኮይኑ እዚኦም ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ድማ ኩሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ክሕገዝ ይግባእ::

ኩናት ዕንወት ካብ ምምፃእ ሓሊፉ ንማንም ኣይጠቕምን፤ ከም ሃገር፣ ዘለካ ንብረት ካብ ምዕናውን ህዝቢ ናብ ስቃይን መከራን ካብ ምእታው ሓሊፉ ዝኾነ ይኹን ዘትርፎ ነገር የለን። ተስፋ መፃኢ ወለዶ ካብ ምጥፋእ ዘሓለፈ ጥቕሚ የብሉን። ብምዃኑ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ፖለቲካዊ ፀገም ብፖለቲካዊ ዝርርብ ክፍታሕ ብምግባር ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ዝሃበን ብዙሕ ክሳራታት ዘቕረየን ‘ዩ:: በቲ ስምምዕ መሰረት ብዙሓት መሰረታዊ ነገራት ክስርሑ ተገይሮም ‘ዮም:: እዚኦም ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ድማ ኩሉ ሓገዚ ክኸውን ይግባእ::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 29 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You