ድሙቕ ንሕንሕ ዘተኣናገደ ዓብይ ጉያ ኣብ በቆጂ  

ዓለም ዘኽበሮም ኣብ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዓብይ ስም ዘለዎም ኣትሌታት ዘፍለቐት ቦቆጂ ንኢትዮጵያ ስፖርት በዓልቲ ውዕለታ ክትባሃል ትኽእል ‘ያ፡፡ እቲ ቦታ ፅቡቕ ንብረት ኣየር ዘለዎ ንስፖርት ምችው ብዃኑ ንዘመናት ብዙሓት ኣትሌታት ካብዚ ወፂኦም ‘ዮም፡፡

እዚ ቦታ ናይ ኣትሌታትን መባፅሒ ቱሪዝም ንምግባር ሚኒስትር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ምስ ዓብይ ጉያ ኢትዮጵያ ብምዃን ጉያ ውድድር ኣካይዱ ‘ዩ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓብይ ጉያ ኣብ ቦቆጂ ንመበል ሳልሳይ ግዜ፣ ሰገናትን መናእሰይን ውድደር ተኻይዱ ‘ዩ፡ ፡  ብመናእሰይ 12 ኪሎሜትሮ ናይ ኣትሌታትን ህዝባዊ ጉያን ውድድር፤ መልዓልን መባፅሕን ስታድየም በቆጂ ብምግባር ዝተገበረ ውድድር ‘ውን ዓሚ ኣብ ማራቶን ዱባይ ኣሸነፊ ዝኾነ ኣትሌት ኣዲሱ ጎበና ንካልኣይ እዋን ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ፡፡

ዓብይ ፉኽክር ዘተኣነገደ በዚ ጉያ ብርሃኑ ፈዬን ኣማን ከድርን ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ብምሓዝ ዛዚሞም ‘ዮም፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ትእግስት ደጀኔ፣ መስከረም ኣሰፋን ኣዳነች መስፍንን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተኸታቲለን ኣትየን እየን፡ ፡ ካብቲ ውድድር ምግንዛብ ከምዝተኽኣለ ዓብይ ጉያ ኣብ በቆጂ በቢ ዓመቱ እናደመቐን ብፈታኒ ፍኹክር ዝተዓጀበ ጉያ እናተኣናገደ ከምዝኾነ ‘ዩ፡፡

በቆጂ ናይ ዉርያት ኣትሌታት ምፍረይትን ጥራሕ እንተይኾነት ነባራይ እታ ከተማ ኹሉ ጎያይ ዝኾነላ ስፍራ ከምዝኾነት ዝገለፀት ስራሕ መካይዲት ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማዊት ኣማረ እያ፡፡ ዓብይ ጉያ ቅድሚ ኸዚ ብራኸ ዘለዎ ቦታ በዚ ርሕቐት ውድድር ኣካይዱ ኣይፈልጥን በቢ ዓመቱ ኣብ ካልእ ስፍራ ዝግበሩ ውድድራት ሓፀርቲ ርሕቐት ‘ዮም፡፡ ኣብ በቆጂ ካብ ኣትሌታት ሓሊፉ ህዝቢ ‘ውን ዘሳተፈ ጉያ ነዊሕ ርሕቐት ብምክያዱ ርግፅ ‘ውን መፍረይ ኣትሌታት ከምዝኾነ መርኣያ ‘ዩ፡፡ ሓገዝ ተመልካቲ ቁፅርን ስምዒትን ምስክር ከምዝኾነ ገሊፃ እያ፡፡

ድምቀት ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ዓብይ ጉያ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ናይ ዓለምን ኦሊምፒክ ዝኾኑ ተፈለጥቲ ኣትሌታት ይዕደሙ ‘ዮም፡ ፡ ኾይኑ ግና ንብዙሓት ኣትሌታት ዘብቀዐት በቆጂ ካብታ መሬት ዝወፀ ኣትሌት ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ሕቶ ብዙሓት ‘ዩ፡፡

ናይቲ ውድድር ኣዳለውቲ እዚኦም ኣትሌታት ፃውዒት እንተቐረበሎም ‘ውን ብኣካል ኣብቲ ስፍራ ምርካብ ከምዘይኻሉ ተዛሪቦም ‘ዮም፡ ፡ ካብዚ ብዝሓለፈ ኣብ ቱሪዝም ስፖርት ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ከምዘካይዶም ዓበይቲ ውድድር ጉያ መፍረይት ኣትሌታት ዝኾነት በቆጂ ማእኸል ቱሪስት ንምግባር ብዝተጠናኸረ ስራሕ ከምዝቕፅል እታ ስራሕ ኣካይዲት ገሊፃ እያ፡፡

ሚኒስትር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፤ እዚ ጉያ ዓላማ ገይሩ ዝተልዓለ ቱሪዝም ስፖርት ንምስፋሕ ብምዃኑንስፖርት ኣትሌቲክስ ብጣዕሚ ምችውን ፍልፍል ኣትሌታት ዝኾነት በቆጂ ተመራፂ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡ ነዊሕ ርሕቐት ዝጅምር ካብ ሓደ ስጉምቲ ‘ዩ፤ ከምዝፍለጥ ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብንእሽተን ቁፅሪ ዝጀመረ ጉያ ብኣሽሓት ብምዕባይ ብዙሕ ቑፅሪ ዘለዎ ጎያይ ቱሪስት ንምስታፍ ብዙሓት ስራሕቲ ክስራሕ ይግባእ፡፡ ካብ ጉያ ብዝዘለለ ብራኸ ንምውፃእ፣ ንብስክሌታ ስፖርት ምችው ብምዃኑ ኣብ ቀፃሊ ብምስፋሕ ቱሪስት ንምውሳኽ ክሰርሕ ‘ዩ፡፡

ኾይኑ ግነ እዚ ሽቶ ዕላምኡ ንክውቅዕ ንኣትሌታት ዝኾን መሰልጠኒ ቦታ ንቱሪስት ዝኾን መሰረተ ልምዓት ምምላእ ኣድላይ ‘ዩ፡፡ ከም በቆጂ ብዙሓት ኣትሌታት ዘፍረየት ኣብ ኬንያ እትርከብ ኤልዶሬት ከተማ እቲ ዋና ኣታዊኣ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ናብቲ ስፍራ ዝጓዓዙ ኣትሌታት ስልጠና ዝርከብ ‘ዩ፡፡ እዚ ኩነታት ኣብ በቆጂ ንክንፀባረቕ ንምግባር ድማ ናይ ባዓል ሃፍቲ፣ ናይቲ ክልል መንግስትን መንግስቲ ፌደራልን ተሳትፎ ኣድላይ ‘ዩ፡፡

እቲ ሚኒስትር ካብቲ ውድድር ሓሊፉ እቲ ከባቢ ንምንቅቃሕ ስራሕቲ ብምስርሑ ዝተወሰነ ለውጢ ተራእዩ ‘ዩ፡፡ በቆጂ ዘፍረየቶም ተፈለጥቲ ኣትሌታት ግና ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዓብይ ሓላፍነት ኣለዎም፡፡ እቶም ኣትሌታት ተወሊዶም ዝዓበይሉ ኸባቢ ንክፍለጥ፣ መባፅሒ ቱሪስት ንክኾን እቲ ህዝቢ ማሕበራውን ኢኮኖምውን ረብሓ ንክረክብ ምግባር ከምዝግባእ እተን ሚኒስትር ኣገንዚበን፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ  22 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You