ኢትዮጵያ ብጠረጴዛ ቴኒስ ድሕሪ 24 ዓመት ሜዳልያ ኣመዝጊባ

ኢትዮጵያ እናተኣናገደት ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና ናይ ኣፍሪካ ጠረጴዛ ቴንስ ብጉጅለ ውድድር ድሕሪ 24 ዓመታት ሜዳልያ ምዝጋብ ክኢላ ‘ያ፡፡ ካብ ጥቅምቲ 2 /2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ኣብ ስፖርት ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ጅምናዝየም ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣፍሪካ ጠረጴዛ ቴኒስ ሻምፒዮና ብጠንካራ ንሕንሕ ተዓጂቡ መበል ሓምሻይ ማዓልቲ ይርከብ፡፡

ብጠረጴዛ ቴኒስ ጠንካራ ተናሓናሕቲ ዝኾኑ ሃገራት ዝተሳተፉ እንትኾን ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ ዓወት ኣይቀንዓን፡፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ግና በቲ ጉጅለ መበል ራብዓይ ብርኪ ብምሓዝ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሜዳልያ ነሓስ ኣመዝጊባ ‘ያ፡፡

ብኽልቲኡ ፆታ ብዝተፈላለዩ ምድባት ሃገራት ዝገብርዎ ንሕንሕ ጠንካራ እንተኾነ ‘ውን ፤ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳኣን ደጋፊኣን ብምፅዋታ ፅቡቕ ተናሓናሒት ኾይና ልዕሊ ሜዳልያ ንሓስ ምምዝጋብ ኣይካኣለትን፡ ፡ ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ፍርቂ ፍፃመን ናይ ፍፃመ ፀወታታት እንትካየዱ ሻምፒዮና ከምኡ ‘ውን ደረጃ ብምድሓዝ ዝዛዘሙ ሃገራት ተፈልዮም ‘ዮም፡፡

እዚ ዓብይ ኣህጉራዊ ንሕንሕ እተተናኣግድ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጉጅለ ካብ ዓለምለኸ ፌዴሬሽን ኣሰልጣኒ ብምግባዝን ብናይ ባዕላ ኣልጣኒ ተሓጊዛ ጠንካራ ምድላዋት እናገበረት ፀኒሓ ‘ያ፡፡ ንኣዳላዊት ሃገር ዝዋሃብ ዕድል ብምጥቃም ተወሳኺ ተፃወቲ ብምስላፍ እቲ ዋና ሓዊሱ 8 ደቂ ተባዕትዮ 8 ደቂ ኣስትዮን ተፃወቲ ኣብ ምስታፍ ትርከብ፡፡

ናይ ኢትዮጰያ ክለባት ቻምፒዮና ከምኡ ‘ውን

ካብ ካልኦት ሃገርለኸ ንሕንሕ ዝተመረፁ ተፃወቲ ነዚ ውድድር ዝገበርዎ ፍሉይን ጠንካራን ምድላው ጠንካራ ተናሃናሕቲ ኾይኖም ‘ዮም፡፡ እቶም ውድድር ብጉጅለ ፣ብኽልቲኡ ፆታ፣ ብፅምድን ነፀላን እናተኻየዱ እንትኾኑ ጉጅለ ኢትዮጵያ ድማ ብምድብ ፀወታታት ጠንካራ ሃገራት ገጢሙ ፅቡቕ ተናሓናሒ ብምዃን መበል ራብዓይ ብርኪ ሒዙ ብምዝዛሙ ‘ዩ ሜዳልያ ነሓስ ክረክብ ዝኻኣለ፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ናይ ጉጅለ ምድብ መፃረይ ፀወታ ካብ ሱዳንን ቱኒዚያን ዝተመደበ ርብዒ ፍፃመ ግጥምያ ተፀዊታ 3ን2 ብምስዓር ንፍርቂ ፍፃመ ምብፃሕ ክኢላ ‘ያ፡፡ ካብ ምድብ መፅረይ ጀሚሩ በጉጅለ ፅቡቕ ምንቅስቃስ ብምርኣይ ንፅዋዕ ንምሕላፍ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ፍፃመ ግጥምያ ብናይጄርያ 3ን0 ተሳዒራ ንፅዋዕ ከይሓለፈት ተሪፋ ‘ያ፡፡ ናይቲ ውድድር ከባድ ተናሓናሒት ዝኾነት ሃገር ቶጎ ብተመሳሳሊ ውፅኢት ስዒራ ‘ያ፡፡ በዚ ድማ ናይጀርያ ብቡድን ውድድር ፅዋዕ ክሳብ ምውሳድ በፂሓ ‘ያ፡፡

ናይጀርያ በቲ ፍፃመ ፀወታ ናይ ሰሜን ኣፍሪካ ጠንካራ ተፎኻኻሪ ኣልጀርያ ገጢማ 3ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኣበወ ሸውዓተ ዓመት ናይ መጀመርያ ናይ ጉጅለ ፅዋዕ ዘሰኸዐት ኾይና ‘ያ፡፡ በዚ ናይ ጉጅለ ውድድር ኣልጀርያ ኻልኣይ ኾይንያ እንትዛዝም፣ ቱንዚያ ሳልሳይ፣ ኢትዮጵያ መበል ራብዓይኾይና ሜዳልያ ነሓስ ምምዝጋብ ክኢላ ‘ያ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ናይ ጉጅለ ውድድር ብምድብ ፀወታታት ኢትዮጵያ ዓወት ዘይቀንዓ እንትኾን ግብፂ ናይቲ ውድድር ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡፡ ብደቂ ተባዕትዮ ናይ ጉጅለ ፅዋዕ ዝወሰደት ናይጀርያ ብደቂ ኣንስትዮ ‘ውን ክሳብ ፍፃመ ዝበፅሐት እንትትኸውን ብግብፂ 3ን0 ተሳዒራ ‘ያ፡፡ ግብፂ ብወገና ንመበል ራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ፅዋዕ ወሲዳ ‘ያ፡፡

ንኣህጉራዊ መድረኽ ናይጀርያን ግብፅን ብውፅኢት ቀዳሞት እንትኾና ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2000 ባዕላ ኣብ ዛዳለወቶ ውድድር ሜዳልያ ውሽጢ ምስ ኣተወት ሜዳልያ እንተተመዝግብ ሎሚ ንኻልኣይ እዋን ‘ዩ፡፡ ቅድሚ ኸዚ መናእሰይ ጠረጴዛ ቴኒስ ቻምፒዮና ሓዊሱ ብ1993 መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መላእ ጠረጴዛ ቴኒስ ቻምፒዮና ብዝተሳኸዐ ኣተኣናጊዳ ‘ያ፡፡ እቲ ውድድር ኣብ ቀፃሊ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ምድባት ናይ መፃረይን ፍፃመ ግጥም እናተኣናገደ ዝቕፅል እንትኾን ዝመፅእ ቐዳም ተዓዋታይ ዝኸውን ሃገር ብምፍላይ ፍፃመኡ ክረክብ ‘ዩ፡፡

ኣልጀርያ፣ ናይጀርያ፣ ሴኔጋል፣ ሱዳን፣ካሜሮን ፣ጋና ፣ሩዋንዳ ፣ቱኒዝያ ፣ኣንጎላ ፣ ቤኒን፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ቶጎ፣ ዩጋንዳ፣ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ውድድሮም ብዝተፈላለየ ምድባት እናካየዱ ይርከቡ፡፡ ካብቲ ውድድር ምጅማር ቅድም ኣቢሉ ናይቲ ውድድር ኣመራርሓ ስልጠና ዝተውሃበ እንትኾን ከምኡ ‘ውን ናይ ኣፍሪካ ጠረጴዛ ቴኒስ ጠቕላላ ጉባኤ ብኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮምሺን ተኻይዱ ‘ዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ናይ ዓለም ጠረጴዛ ቴኒስ ፌዴሬሽን ፕሬዝዳንት ፔትራ ሶርሊንግ ሓዊሱ ናይ ኣፍሪካ ጠረጴዛ ቴኒስ ፕሬዝደንት ፣ሚኒስትር ስፖርትን ባህልን ፌዴሪኢ ሸዊት ሻንካ ከምኡ ‘ውን ፕሬዝደንት ፌደሬሽን ጠረጴዛ ቴኒስ ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋዬ ብዛኔ ተረኺቦም ‘ዮም፡፡

መሰረት ገብረዮሃን

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You