‹‹ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ››ኣብ ደረጃ ኣትለቲክስ ዓለም ተኻቲቱ

ብዓለም ለኸ ብርኪ ተፈለጥቲ ዝኾኑ ኣትሌታት ዝርከቡላ ካብ ዝኾኑ ሃገራት እታ ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ‹‹ናይ ጎየይቲ መሬት›› ዝብል መፀውዒ ተዋሂብዋ ‘ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዝካየዱ ውድደራት ኣትሌቲክስ ኣድመቕቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናይ ውፅኢትን ጥንካሮኦምን እንታይ ክኾን ይኽእል ዝብል ንምፍላጥ ዘይደሊ የለን። በዚ ድማ ከም ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበሉ ዓለም ለኸ ናይ ጎደና ውድድራት ብዙሓት ባሕሪ ኣቋሪፆም ተሳተፍቲ ዝኾኑ ‘ዮም።

ንዝሓለፉ ኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ብብርኪ ኣፍሪካ ከምዝነገስ ዝፀንሐ እቲ ዓብይ ጉያ ናይ 10ኪሎ ሜትሮ ጉያ ጎደና ዓለምለኸ ብርኪ ተፈተውትን መዝናግዕትን ካብ ዝኾኑ ዓሰርተ ጉያታት ዝምደብ ‘ዩ። ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዝተኣኻኸቡ ቱሪስትታት ዘሳትፍ እቲ ጉያ ተፈላጢ ናይ ሃገር ውሽጥን ጎረባብቲ ሃገራትን ኣትሌታታ ብምስታፍ ዝፍለጥ ‘ዩ።

በዚ ‘ውን ናይ ዓለም ማራቶንን ጎደናታትን ጉያ ማሕበር ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዝሃበ እንትኾን ኣብቲ መድረኽ ዝምዝገቡ ሰዓት ተቐባልነት ዘለዎ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ምስሊ መርኣያ ዝኾነ ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኸዚ ድማ ብዓለም ኣሌቲክስ ብርኪ ሌብል ከምዝተውሃበ ናይቲ ጉያ መዳለውቲ ኣፍሊጦም ‘ዮም። ነቲ ስፖርት ዝምርሖ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዝካየዱን መመዘኒ ዘማልኡ ጉያታት ብርኪ ዝህብ እንትኾን፤ ብኣትሌታት ዝበለፀ ኣፍልጦ ንክረኽቡን ተመረፅቲ ንክኾኑ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

እቲ ማሕበር በቢ ዓመቱ ብርኪ እንትህብ በዚ ዓመት ንጎደና ጎየይቲ ዝሃቦም ኣርባዕተ ብርክታታ ‘ዮም። በዚ ድማ ቀዳሚን ልዑል ብርኪ ናይ ፕላቲንየም፣ ቀፃሊ ናይ ጎልድን ኤሊት ፣ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ናይ ሌብል ብርኪ ‘ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርኪ ዝተውሃቦም 20 ውድድራት ሓዊሱ ኣብዚ ዓመት 262 ጉያታት ብርኪ ተወሂብዎም ‘ዩ። ካብዚኦም ድማ 148 ዝኾኑ ጉያታት ሌብል ሬስ ዝርከቡ ‘ዮም። ኣብ ኣፍሪካ ኣብዚ ብርኪ ምእታው ዝኻኣሉ ዉሑዳት ሃገራት ‘ዮም።

ዳይመንድ ሊግ ሓዊሱ ብሕታ እተተኣናግድ ሰሜን ኣፍሪካዊት ሞሮኮ፣ ከምኡ ‘ውን ደቡብ ኣፍሪካ ኽልተ ኽልተ ውድድሮም ናይ ብርኪ ሌብል ምርካብ ክኢለን ‘የን። ዝተረፉ ሃገራት ድማ ኢትዮጵያን ጋናን ‘የን። ናይ ኣትሌታት መፈልፈሊት ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብዚ ብርኪ ምእታዋ ዓብይ ስጉምቲ እንትኾን፤ እቲ ጉያ ድማ ቅድሚ ኸዚ ብዝነበረ ተወሳኺ ኣፍልጦ ከውህቦ ዘኽእል ‘ዩ።

ሎሚ ዓመት ንመበል 24 ግዜ ዝካየድ ናይ ሶፊ ማልት ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ዓለምኸ 10ኪሎ ሜትር ውድደር ዝመፅእ ሕዳር 8/2017ዓ.ም እንትካየድ 50ሽሕ ጎየይቲ ክሳተፍሉ ‘ዮም። እዚ ቁፅሪ ካብ ለንደን፣ ፓሪስን ኒውዮርክ ማራቶን ናይ ዓለም ዓበይቲ ናይ ጎደና ውድድራት ማዕረ ዝገብር ‘ዩ። ኣትሌቲክስ ዓለም ‹‹ብርኪ ሌብል ›› ብዝብል ዝፀወዖም ውድድራት ብፅሬት ውድድራት፤ ድሕንነት ተሳተፍቲ ዝሓለወ፣ ምምሕዳር

እታ ከተማ ነቲ ምድላው ዘለዎም ሓገዝ፣ ከምኡ ድማ እቲ ምድላው ብኣትሌቲክ ውድድር ዘፈር ኣባ ኣበረታታዒ ቅመማት ዘለዎ ቁርፀኝነት ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብሪሁ ‘ዩ። ብጣዕሚ ብዙሕ ናይ ጉያ ውድድራት ኣብ ዘለዎ ዓለም እዚ ናይ ሌብል ብርኪ ምርካብ እቲ ምድላው ካብ

ግዜ ናብ ግዜ ዘርኣዮ ዕብየትን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ቀዳሞትን ተመረፅትን ናይ ጎዳና ውድድር እቲ ሓደ ከምዝኾነ ዘርእይ ‘ዩ። ናይ ዓለም ኣትሌትክስ ኣማሓዳሪ እቶም ውድድራት ብምምዛን በቢ ዓመቱ ብርኪ ዝህብ ‘ዩ። ናይ መጉየይ ርሕቐት ምልካዕ፣ ምዝገባን ተሳትፎ ኣትሌታት ኣብ ግምት ውሽጢ ዝኣትዉ ጉዳያት ‘ዮም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You