ንክለባት ትግራይ ተስፋ ዝሃበ ኣጀማምራ ፕሪሚየር ሊግ

ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናይዚ ዓመት ውድድር ካብ ዝጅምር ሳልሳይ ሰሙን ዘቑፀረ እንትኾን፤ ክለባት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ተኣኪቦም ውድድር እናካየዱ ይርከቡ። ኣርባዕተ ዓመት ካብቲ ሊግ ሪሒቖም ዝፀንሑ ክለባት ክልል ትግራይ ኣብ ዝተመለስሉ ዓመት ፅቡቕ ኣጀማምራ እናርኣዩ ይርከቡ።

ብ19ክለባት ከምዝካየድ ትልሚ ተታሒዙ ከምዝጀመረ ዝዝከር ‘ዩ። ብምኽንያት ዝነበረ ኹናት ካብ ኹሉ ውድድራት ርሒቖም ዝተመለሱ ክለባት ትግራይ ሰለስተ ክለባት ብፕሪሚየር ሊግ ዘበረታትዕን ተስፋ ወሃብን ጅማሮ ኣሪኦም ‘ዮም። እቶም ክለባት ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ልምምድን ውድድርን ርሒቖም ብምፅንሖም፤ እቲ ውድድር ፅዕንቶ ክበዝሖም ‘ዩ ተባሂሉ ስግኣት እንተነበረ ‘ውን ኣጀማምረኦም ትፅቢት ካብ ዝተገበረሉ ንላዕሊ ፅቡቕ ዝባሃል ኮይኑ ‘ዩ።

እቶም ክለባት ኣብቲ ክልል ዝነበረ ፀገም ኣንፃር ኣብ ሓፂር እዋን ተወዲቦም ንውድድር ምብፀሖም ንባዕሉ ዝድነቕ ዝበረታታዕን ነገር ‘ዩ። ካብ እግሪ ኩዕሶ ንሓደን ኽልተን ኣዋርሕ ምርሓቅ እኳ ዋጋ ዘኽፍል ኣብዚ ዘመን ፀገማት ተፃዊሮም ናብ ውድድር ምምላስ ካልኦት ክለባት ክማሃርሉ ዝግባእ ዓብይ ኣብነት ‘ውን ‘ዩ። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ከም ሓድሽ ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ ናይ ክለባት ፍቓድ ምርካብ ብምምላእ ንውድድር ምብፃሕ ንሓደ ሓደ ክለባት ባዕሎም ንክፍትሹ ከምዝግባእ ዘመልክት ‘ዩ።

ንሓደ ክለብ መመዘኒ መሰረታዊ ዝባሃሉ ኣገደድቲ መመዘኒ ኣማሊኦም ምዝገባ ክለብ ወዲኦም ናብ ዓብይ ውድድር ምምላስ ተወሳኺ ጉልበት ከምዝኾን እዚኦም ክለባት መርኣያ ‘ዮም። ኣብዝሓ ናይቲ ሊግ ክለባት ናብ ክለብ መመዘኒ ሒዞም ብዘይምርካቦም ከም ክለብ ክዋፅእዎ ዝግባእ ሓላፍነት ከይወሰዱ ብምትራፎም መዘራረቢ ክሳብ ምዃን በፂሖም ‘ዮም። ፈተና ዘይሳዓሮም እቶም ክለባት ኣድላይ ሰብ ሓይሊን ናይ ቢሮ ኣወዳድባ ኣማሊኦም ናብ ሊግ ተመሊሶም ‘ዮም።

መቐለ 70እንደርታ፣ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቱ ከምኡ ‘ውን ስሑል ሽረ ኣብ ጅማሮ ሊግ ኽልተን ሰለስተን ፀወታታት ፅቡቕ ተነሓናሕቲ ከምዝኾኑ ኣሪኦም ‘ዮም። እቶም ክለባት ክሳብ ኸዚ ብዉሑዳት ፀወታታት ብዘመዝገብዎ ፅቡቕ ውፅኢት ኣብ ብርኪ ሰንጠረዥ ዝሓሸ ቦታ ምድሓዝ ክኢሎም ‘ዮም። መቐለ 70 እንደርታን ስሑል ሽረን ጠንካራ ተፎኻኸርቲ ኾይኖም ዝተመለሱ እንትኾን ምስ ዓበይቲ ክለባት ሊግ ኣብ ዝገበርዎ ፀወታ ነጥብታት እናኣከቡ ይርከቡ።

ኣብቲ ሊግ መኽፈቲ መርሃግብሪ ሃድያ ሆሳእና መቐለ ሰብዓ እንደርታ በቲ ፀወታ እንትሰዓሩ ‘ውን ፅቡቕ ምንቅስቃስ ገይሮም ነይሮም ‘ዮም። ንዓመታት ካብ ውድድር ርሒቖም ከም ዝፀንሑ ሓደ ንዜሮ ብዝኾነ ፀቢብ ውፅኢት ‘ዮም ዝተሰዓሩ። ብኻልኣይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ካብ ፕሪሚየርሊግ ጠንካራ ክለባት ሓደ ዝኾነ ፋሲል ከነማ ተመጣጣኒ ንሕንሕ ብምግባር ነጥቢ ተኻፊሎም ወፂኦም ‘ዮም። ካብ ፀወታ ናብ ፀወታ እናጠንከሩ ዝመፁ መቐለ 70እንደርታ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ንቕዱስ ጊዮርጊስ 1ን0 ምስዓሮም ድማ ካሊእ ዘይተፀበየ ውፅኢት ‘ዩ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ ስሑል ሽረ ድሕሪ ዓመታት ናብ ውድድር ዝተመለሰሉ ዓመት ጠንካራ ተፎኻኻሪ ብምዃን ብፅቡቕ ውፅኢት ክጅምር ክኢሉ ‘ዩ። ኽልተ ፀወታታት ብምክያድ ኣርባዕተ ንጥብታት ካብ ዝእክቡ ክለባት ረድፊ ይርከብ። ኣብ መጀመርያ ሰሙን ፀዋታ ኣዳማ ክተማ ሰለስተ ንኽልተ ብምስዓር ብዓወት ውፅኢት ጀሚሩ ‘ዩ።

ካልኣይ ሰሙን ፀወታ ሃዋሳ ከነማ ሓደ ንሓደ ብምፍልላይ ኣብ ፅቡቕ ዓቕሚ ከምዘሎ ኣረጋጊፁ ‘ዩ። ካብ ሰለስቲኦም ክሳብ ኸዚ ዓወት ዘይቀነዖ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ሜዳ ግና ፅቡቕ ምንቅስቃስ ኣካይዱ ‘ዩ። ብ18ክለባት ውድድር ተኻይዱ ኣብ ዓመት መጨረሻ ናይቲ ፀወታ ተዓዋታይ ዝፍለየሉ 2017ዓ.ም ፕሪሚየር ኢትዮጵያ መን ፅዋዕ ይወስድ ዝብል ከምኡ ድማ ካብቲ ሊግ ኣየኖኦም ክለባት ይወርዱ ዝብል ትፅቢት እናተገበረሉ ‘ዩ።

ኣብ ካልኣይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማ ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን። ስሑል ሽረ ፋሲል ኣስማማው ኣብ መበል 48 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ እናመርሐት ትፅናሕ እምበር÷ ተፃዋታይ ጋንታ ስሑል ሽረ መሓመድ ሱሌይማን ኣብ መበል 93 ደቒቕ ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ ብዘመዝገባ ሸቶ ሃዋሳ ከተማ ነጥቢ ክትማቐል ክኢላ፡፡

መርሃ ግብሪ ካልኣይ ሰሙን እቲ ሊግ እንትቕፅል÷ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ሰዓት 10፤ ከምኡ እውን ባሕር ዳር ከተማ ምስ ኣዳማ ከተማ ምሸት ሰዓት 1 ክራኸባ ኢየን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You