በዓል መስቀል 2017 ምክንያት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ዓብዪ ጉያ ተኻይዱ

ማሕበር መስቀል ጮምዓ መቐለ ምስ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ብምትሕብባር “ኣንበሳ ንኩለመዳይ ዕብየት ጎቦ ጮምዓ መቐለ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ባንኪ ኣንበሳ ዝመወሎ፤ 12 መስከረም 2017 ዓ/ም 5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ውድድር ዓብዪ ጉያ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ ።

ኣብቲ ውድድር ኣትሌታትን ማሕበረሰብን ዝሳተፉ እንትኾኑ ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ኣመራርሓን ኣብ ዝተረኸብሉ ነቲ ውድድር ኣጀሚሮምዎ ‘ዮም። ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፤ መበገሲኡ ኣደባባይ ሮማናት ኮይኑ መፈፀምትኡ ድማ ኣብ ጎቦ ጮምዓ ዝገበረ ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌታት ተዓወቲ ንዝኾኑ ዝተዳለወሎም ሽልማት ተቐቢሎም ‘ዮም ።

ብመሰረት እዚ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ፤ ኣትሌት ዝማም ባራኺ ካብ ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ቐዳመይቲ ብምኻን ተሸላሚት ወርቂ እንትትኸውን ፤ ኣትሌት ገነት ሳህለ ካብ ጋንታ ዋልታ ተሸላሚት ብሩር መዳልያ ፤ ሳልሳይቲ ድማ ዘነቡ ወልደ ስንበት ካብ ጋንታ ፖሊስ ነሓስ መዳልያ ተዓዋቲት ኮይና ‘ያ።

ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ፤ ቐዳማይ ኣትሌት በሪሁ ተስፋይ ካብ ከተማ ማይጨው ተዓዋቲ ወርቂ ሜዳልያ እንትኸውን ፤ ኣትሌት በሪሁ ባይራይ ካብ ጋንታ ጉና ካልኣይ ብምውፃእ ተዓዋቲ ብሩር ሜዳላያ ፤ ኣትሌት ኣታኽልቲ ኪዳኑ ካብ ጋንታ ጉና ሳልሳይ ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ኮይኑ ኣሎ።

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You