“ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ብዙሕ ዝተርፈና እንትኾነ ‘ውን ሰላም ክሳብ ዝሃለወ ተስፋ ኣለና ‘ዩ” – ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ

ቅድሚ ሐዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፓርላማ ቀሪቦም ክዛረቡ ሰሚዐ ኣለኹ። ብቢልየን ዝግመት ሓገዝ ናብ ጥዕና ሴክተር ትግራይ ምልኣኹ ትኽክል እዩ። ይኹን እምበር እቲ ሓበሬታ ትኽክል ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሓደ ሓደ ሰባት ዝተሰሓሓተ ምልክት የርእዩ ‘ዮም።

ቢልየናት ዝኣክል ሓገዝ እንተረኺብኩም ደኣ ትካላኩም ዘድልየን ነገር ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም። ሰራሕተኛታትኩም ደኣ ንምንታይ ክሳብ ሐዚ ዘይትኸፍሉ ናብ ዝብል ካሊእ ኣጀንዳ ይኸይድ። ስለዚ እቲ ትኽክልኛ ነገር እትፈልጥ ዝርዝር ነገር ክትፈልጥ ከለኻ ‘ዩ።

ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ገይርና ዘቅረብናዮም ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ድ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ጉድኣትን ዳግመ ህንፀትን ትካላት ጥዕና ትግራይን ኣብ ካሊእ ተመሳሳሊ ዛዕባን ዝገብርዎ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣቅሪብኖዮ ኣለና ሰናይ ንባብ፡-

ትፕ ኢ:- ኣብ ክልል ትግራይ መንግታዊ ግልጋሎት ምሃብ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓደ ‘ዩ። ነዚ ድማ ዝተፈላለዩ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ኣድላይ ‘ዩ። ካብ ህንፀታት መሰረተ ልምዓታት ድማ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ጥዕና ሓደ ‘ዩ። በዚ ኣንፃር ኣብቲ ክልል እንታይ ይስራሕ ኣሎ? ይስርሑ ካብ ዘለው ዋና ዋና ግለፁለይ?

ዶ/ር ኣማኑኤል:- ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክሳብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምስረት ካብ ኣቅርቦት መድሓኒት ኢጀንሲ ኢትዮጵያ መድሓኒት ኣብ ምቅራብ ዝተወሰነ ‘ዩ ነይሩ፤ ድሕሪ ምምስራት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ግና ምስ ጥዕና ሚኒስትር ተቀራሪብካ ብምስራሕ ዝሰራሕናዮም ኣለው።

ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው 13 ሆስፒታላት ምስ ኣብ ትግራይ ዘለው 13 ሆስፒታላት ብምትሕብባር ‘ቶም ሆስፒታላት ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ስራሕ ዘእትው እንተዘይኮነ ‘ውን ብዝተወሰነ ናብ ስራሕ ክምለሱ ዘኽእል ንኣብነት ድንገተኛን ተመላላስን ሕክምና ብሓደ ጠረጴዛን ወንበርን ዋላ ይኹን ሆስፒታላት ነኒባዕሎም እናተዘራረቡ ዝደጋገፉሉ ስራሕ ነይሩ።

ካብዚ ወፃኢ ድማ ንህፃናት ዝወሃቡ ክትባታት መሊስካ ንምጅማር ብጥዕና ሚኒስተር ወገን ዝተገዝኡ ብፀሓይ ዝሰርሑ መዝሓሊ መዓቀቢ መድሓኒት ብምምፃእ ኣብ ገጠራት ዘለው ኬላታት ጥዕና ሚእቲ ብሚእቲ እንተዘይኮነ ‘ውን ደሓን ቁፅሪ ዘለዎም ተላኢኾም ንኽግጠሙ ብምግባር ክሳብ ሐዚ ዘይተግጠሙ እነተሃለው ‘ውን ። ዳግም ግልጋሎት ክትባት ንክጅምር ብሓባር ሰሪሕና ኢና።

ካብዚ ወፃኢ ድማ ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣለው ‘ዮም። ብዝተወሰነ መልክዑ ምስ ተፈናቀልቲ ተተሓሒዙ ዝተወሰነ ምንቅስቃስ ገበርቲ ሰናይ ኣሎ ‘ዩ። ይኹን እምበር ‘ቶም ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብዚ ጥራሕ ተወሶኖም ክተርፉ የብሎምን።

ሓዚ ‘ውን ዘይተፀገኑ ህንፃታትን ዘይተማልኡ ሕክምናዊ ኣቁሑትን ስለዘለው ኣብዚ ‘ውን ትኹረት ንክገብሩ ብምዝርራብ ዝሰራሕናዮም ‘ውን ኣለው ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ተቋሪፆም ዝነብረኡ ግልጋሎታት ሕክምና ከም ኤች ኣይ ቪ ዝበሉ ግልጋሎታት ናብቲ ናይ ቀደም ዝነብርዎ ሙሉእ ንሙሉእ እንተዘይመልስናዮም ‘ውን ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ዝነበረ ኣንፃር ክንሪኢ ከለና ኣብ ኤች ኣይ ቪ መሊሱ ንክጅምር ፅቡቅ ለውጢ ኣሎ ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ሳንባ መንቀርሳ ቲቢ ካልኣይ ብደንቢ ንምስራሕ ዝተጓደሉ መሐከሚ እቲ ሕማም ኣብ ዝተመረፁ ትካላት ሕክምና እነማልኣሉ ኩነታት ኣሎ። ምክንያቱ ብሓደ ግዜ ናብ ኩሉ ምብፃሕ ስለዘይክኣል ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ካብ ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ትካላት ጀሚርና ናብ ታሕቲ እንኸደሉ ኣሎ ኣብ ካሊእ ከባቢ ድማ ካብ ታሕቲ ጀሚርና ናብ ላዕሊ እናኸድና እናማላእና እንኸደሉ ኩነታት ኣሎ።

ትፕኢ:- መንግስቲ ፌደራል ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ብባጀት ወይ ብገንዘብ ብሓፈሻ ዝገበሮ ድጋፍ ክንደይ ዝኣክል ይኸውን?

ዶ/ር ኣማኑኤል:- እሺ ናብኡ ‘ውን ክመፅእ ‘የ። ሓዚ እቲ ሰላም ይኹን እቲ ምስ ጥዕና ሚኒስተር ዝነብረና ምትሕብባር ቅድሚ ሓደ ዓመት ከም ዝነበርናሉ ኣይኮናን ዘለና። ብምትሕብባር ፅቡቅ ንቅድሚት ዝኸድናሎም ኣለው ‘ዮም። ምስዚ ተተሓሒዙ ፅቡቅ ካብ ዝሰራሕናሎም፤ ኣብ ዳግመ ህንፀት ፖለቲካዊ ዝግበረሉ ኩነታት ኣሎ።

ክንድዚ ዝኣክል ጉድኣት ክንድዚ ዝኣክል ሓገዝ እናተብሃለ ዝተጋነነ ከይመስል ኢልና ምስ ሚኒስተር ጥዕናን ትካል ጥዕና ዓለምን ካልኦት ድጋፍ ወሃብትን ብሓደ ብምዃን ንኹላትና ተመሳሳሊ ግንዛበ ንክህልወና ዝገብሩ ፅቡቅ መፅናዕቲ ዝገብርናዮም ነይሮም። ኣብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት እንታይ ከምዝመስል ትካል ጥዕና ዓለም ዝጥቀመሉ ሜላ መፅናዕቲ ብምጥቃም ንኹላትና ተመሳሳሊ ግንዛበ ንክህልወና ዝገብሩ ብሓባር መፅናዕቲ ገይና ነይርና።

እዚ መፅናዕቲ ድማ 86 ሚእታዊ ብከፊል 3 ሚእታዊ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ትካላት ጥዕና ዝዓነዋ ወይ ጉድኣት ከምዝበፅሐን ‘ዩ ዘርኢ። እቲ 86 ሚእታዊ ብክፋል ክንብል ከለና ድማ ሓደ ጥዕና ጣብያ ክንደይ ዝኣክል ክፋሉ ዓንዩ እንትብሃል ካብ 25 ክሳብ 50 ሚእታዊ ዝዓነወ ካብ 50 ክሳብ 75 ሚእታውን ካብኡ ንላዕልን ዝዓነዋ ብዝብል ንምሕጋዝ ብዝምችው መልክዑ ከፋፊልናዮ ኢና።

ካሊእ 72ሚእታዊ ዝኸውን መሳርሒ ሕክምናታቶም ዝተጎዱኡ ወይ ዝተጎሓሉ እንትኾኑ 72 ሚእታዊ ምሳርሒኦም ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ዝዓነው ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ገጠራት ከባቢ ዝርከቡ ብጣዕሚ ዝተጎድኡ ‘ዮም። ኣብ መቐለ ዝርከብ ዓብይ ሆስፒታል ዓይደርን ካልኦት ሆሰፒታላትን ዓበይቲ ማሽናት እንተነበርዎም ‘ውን ብምኽንያት ኹናት ዘበፅሖም ጉድኣት ግልጋሎት ፅገና ዘይተገበረሎም፤ ዓብይ ወፃኢ ዘሓቱ ማሽናት ብልሽት ዘጋጠሞም ‘ዮም እዚኦም መሊስኻ ንምፅጋን ብዙሕ ወፃኢ ‘ዩ፡፡

ነዚ ጉድኣት ድሕሪ ምርኣይ ድማ ብዓለም ባንኪ ይኹን ብኻልኦት ኣካልት ናይ ዳግመ ህንፅት ስራሕ ንክስራሕ ብዙሕ ፕሮፐዛል ፅሒፍና ኢና። ነዚ ዘድሊ ገንዘብ ንምፅዋዕ ብጣዕሚ መፍርሒ ‘ዩ ብብዙሕ ቢሎናት ዝግመት ብር ‘ዩ። ነዚ ክገልፅ ዝኽእል ድማ ብብርኪ ክልል ዝምልከቶ ኣካል ኣሎ። ኣብ ዳግመ ህንፀት ምስ ሚኒስትር ጥዕና ተቀራሪብና ኢና ንሰርሕ ዘለና። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ስራሕ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ገለገለ ፀገም ካብኦም ብላዕሊ ‘ውን ሰፊሕ ስራሕ ዝሓትትን ‘ዩ።

ንኣብነት ከም ኣምቡላሳት ዝበሉን ካልኦት ኣቁሑት ሕክምናን መሊስካ ንምህናፅ ዝተሰርሐ ብጣዕሚ ውሑድ ስራሕ ‘ዩ ተሰሪሑ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ሽራሮ ከይደ ክምዝረኣክዎ ሓደ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ዳግመ ህንፀት ኣብ ዝሰረሐሉ ካብ ሸሞንተ ክፅገኑ ዝግብኦም ህንፃታት ክልተ ጥራሕ ብምፅጋን እኹል ገንዘብ የብልናን ‘ዩ ኢሉ።

እቲ ህዝቢ ግና ብሻራ ዝተሸፈኑ ግልጋሎት ዝህቡ እናማላኸተ እዚኸ እዚኸ ኣይፅገንን ድዩ እናበለ የሓተኒ ነይሩ። ዝዓነው ኬላታት ጥዕና ክሳብ መሊስካ ዝህነፁ ምፅባይ ካሊእ ጉድኣት ስለዝኸውን ብሻራ ሸፊንኩም ይኹን ኣብ ናይ ውልቀ ሰብ ገዛ ተኻሪኹም ጀምሩ ኢና ኢልናዮም። ስለዚ ኣብ ዳግመ ህንፀት ገና ብዙሕ ስራሕ ከምዘለው በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይደሊ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ካሊእ ግልፂ ምግባር ዘድሊ ቅድሚ ሐዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፓርላማ ቀሪቦም ክዛረቡ ሰሚዐ ኣለኹ።ብቢልየን ዝግመት መድሓኒትን መሳርሒ ሕክምናን ናብ ጥዕና ሴክተር ትግራይ ከም ዝተልኣኸ ትኽክል ‘ዩ። ይኹን እምበር ናብ ዝርዝር ክንኣትው ከለና ኢና እቲ ዋና እንረኽቦ። እቲ ሓበሬታ ትኽክል ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ሰብ ከይስሓሓት፤ ንኣብነት ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልየን ብር ዝግመት ናብ ትግራይ ኣትዩ ‘ዩ።

እዚ ናብ 90 ነጥቢ 8 ሚእታዊ ኣብ ጥዕና ውሽጢ “program item and Supply” ዝበሃሉ ኣለው እዚ እንታይ ማለት ‘ዩ ፤ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ካብ ካልኦት ሃገራት ናይ ገንዘብ ድጋፍ ተገዚኦም ዝኣትው ‘ዮም። ንኣብነት ናይ ኤች ኣይ ቪ፣ ስንባ መንቀርሳን ናይ ዓሶን መድሓኒት፣ መመርመሪ መሳርሒታት፣ ኬሚካልን ዛንዚራን ዝበሉን ናይ ህፃናት ክትባታት መከላኸሊ ዓይኒ ትራኮማ ዝበሉ ኩሉ ካብ ሳልሳይ ኣካል ‘ዮም ዝርከቡ።

እዚኦም ንመንግስቲ ይግዝኡሉ እሞ ንክልላት ብነፃ ይዕድሎም ክልላት ድማ ንህዝቢ ብነፃ ይዕድላ እዚ ‘ዩ ፕሮግራም ሳፕላይ ዝብሃል። እቲ ዝተረፈ 9 ነጥቢ 2 ብሚእቲ ‘ዩ ብገንዘብ ተገዚኡ ዝመፅእ። 180 ሚልየን ብር ዘውፅእ ኮይኑ እዚ ድማ ብመንግስቲ ጥዕና ሚኒስተር ዝሽፈን ይኸውን ማለት ‘ዩ። እቲ ብበዝሒ ቁፅሪ ዝድለይ ድማ እቲ 9ነጥቢ 2 ሚእታዊ ዝሽፍን ‘ዩ። እቲ ሕፅረት ዘጋጥም ‘ውን ኣብዚ ውሽጢ ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ እታይ የጋጥም መሲልካ ክንድዚ ዝኣክል ቢልየናት እንተረኺብኩም ደኣ ናበይ ገይርክሞ ይብሉና። እዚ ነገር እኮ ቀዳማይ ናብ ትግራይ ጥራሕ ዝልኣኽ ዘይኮነስ ናብ ኩሉ ክልላት ዝልኣኽ ‘ዩ። ይኹን እምበር በቲ ዝነበረ ኲናት ምኽንያት ናይዚ ተጠቃምነት መደሓኒታት ምቁርራፅን ናብ ደው ምባልን ‘ውን ዝበፅሐ ስለዝነብረ፤ እቲ ተቀሚጡ ዝነብረ መድሃኒት ይኹን መሳርሕታት ብፅሒት ትግራይ ሐዚ ምሉእ ስለዝመፅእ ‘ዩ።

ብኣና ወገን ነዚ ኹሉ ሓሊፍና ናብዚ ምብፃሕና እግዚኣብሄር ይመስገን ፅቡቅ ነገር ‘ዩ ንሓደ ሓደ ሰባት ግና ዝተሰሓሓተ ምልክት የርእዮም ኣሎ። ብቢልየናት ዝኣክል ሓገዝ እንተረኺብኩም ደኣ ትካላኩም ዘድልየን ብዙሕ ነገር ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም ይብሉ። ሰራሕተኛታትኩም ደኣ ንምንታይ ክሳብ ሐዚ ዘይትኸፍሉደኣ ናብ ዝብል ካሊእ ኣጀንዳ ይኸይድ።

ስለዚ እቲ ትኽክልኛ ነገር እትፈልጥ ዝርዝር ነገር ክትፈልጥ ከለኻ ‘ዩ። እቲ ካብ ሳልሳይ ኣካል ዝርከብ ምምፅኡን ሰላሙን ስምምዕን ፅቡቅ ‘ዩ ምዃን ንርዳእ ኢና ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ክፍተት ድማ ትካላት ዘለዋሉ ኩነታት ግልጋላተን ላብራቶሪ ኤክስረይ ኣብዝሓ ካብ ወረዳታት ናብ መቐለ ዓይደር እናመፅኡ ‘ዮም ራጂ ምርመራ ዝረኽቡ። ብሓፈሻ እንተጠቃልሎ ሰላም ዓቢ ነገር ምዃኑ ንሪኦ ኣለና ኢና።

ትፕኢ:- ናብኡ ቅድሚ ምኻድኩም ብሓፈሻ ካብ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ካብ ገበርቲ ሰናይ ንዳግማይ ህንፀት ጥዕና ሴክተር ዝረኸብክምዎ ክንደይ ዝኣክል ሓገዝ ተገይሩ? ክሳብ ሓዚ ክንደይ ዝኣክላ ሆስፒታላትን ጥዕና ጣብያታትን ካብዚ ናይ ሓገዝ ዕድል ተጠቀምቲ ኾይነን?

ዶ/ር ኣማኑኤል:– ትካላት ጥዕና ዳግማይ ኣብ ምህናፅ ኣንፃር ፌደራል መንግስቲ ሐዚ ‘ውን ገና ‘ዩ። እቲ ዘሎ ነገር ከምዝፍለጥ ኲናት ዝነብረን ሓሙሽተ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ኦሮምያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ተባሂሉ ንዳግመ ምሕዋይ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ማሕበረሰብ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኽበ 3R ዝብል ፕሮጀክት ኣሎ፤ እዚ 3R ማለት Response Recovery- Resilience for Conflict affected.. ኮይኑ፤ ብሓፈሻ ንኢትዮጵያ መንግስቲ 300 ሚልየን ዶላር ዝተወሃበ ኮይኑ፤ ካብዚ ሰለስተ ሚእቲ ሚልየን ዶላር ድማ ንሓሙሽቲአን ክልላት ኮይኑ፤ ነዚ ዘጠቃልል ኣለውዎ።

ሓደ ንትካላት ጥዕና፣ ትምህርትን ማይን ዘጠቃለለ ‘ዩ። ካልኣይ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ፃታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ‘ዩ። እዚ ፕሮጀክት ብሚኒስትር ገንዘብ ኣቢሉ ምስ ባንኪ ዓለም እንትፍረም ትግራይ ኣብ ኲናት ስለዝነብረት ብሳልሳይ ኣካል ኣቢላ ዩኖፕስ (UNOPS) ብዝብሃል ኣካል ትካል ሕቡራት መንግስቲ ዓለም ዝኾነ ንክትግበር ‘ዩ እቲ ገንዘብ ተዋሂብዎም።

ካብ ሓደ ብፅሒት ትግራይ 25 ሚልየን ዶላር ‘ዩ ነይሩ። (UNOPS) ንዓና ብምዝራብ በዚ ገንዘብ ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ ክነብፅሕ እንተዘይከኣልና ‘ውን ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ 93 ወረዳታት ሓሙሽተ ወረዳታት ንክንመርዝ ነጊሮምና። ኣብዚ መረፃ መዐቀኒታት ‘ውን ነይርዎ ‘ዩ። ካብ መዐቀኒታት ድማ ንጡፍ ኲናት ካብ ዝገብረሉ ከባቢ 60 ኪሎ ሜትር ዝረሓቀ ንክኸውን ‘ዩ ነይሩ። ስለዚ ሓሙሽተ ወረዳታት መሪፅና ሂብናዮም።

ካብኡ ነሃትና ዝነብረ ትፅቢት ዝነብረ ኣብቶም ዝተመረፁ ወረዳታት ዘለው ዝተጎድኡ ኩሎም ትካላት ጥዕና ጣብያታት ቤት ትምህርትታትን ማያትን ክፅገኑ ‘ዮም ዝብል ‘ዩ ነይሩ፤ ይኹን እምበር ንኣብነት ወረዳ ሕንጣሎ እንተሪእና ሓንቲ ዝተመረፀት ጥዕና ጣብያ ወፃኢ ካልኦት ኣብኡ ዘለው ዝተጎድኡ ትካላት ንክሽፈን ኣይተገበረን። ኣብ ካሊእ ወረዳ ‘ውን ብተመሳሳሊ ሓደ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ጥራሕ ‘ዮም መሪፆም ስሪሖም።

እቲ ስራሕ ከምዘሎ ኮይኑ፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ግና እቲ ብፕሮጀክት 3R ዝመፅእ ገንዘብ ናብቲ ክልል ኣታዊ ንክኸውን እቲ ክልል ድማ ወረዳታት ብምምራፅ እቲ ገንዘብ ንዕኦም ክህቦም እሞ ንሳቶም ድማ ካብ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ካብ ዝወሃቦም እናመረፁ ንክፅግኑ ‘ዮም ተዘራሪቦም።

እዚ ሓደ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ብ3R ፕሮጀክት ዝተመረፁ ወረዳታት ገንዘብ ተላኢኹ ስራሕ ከምዘይጀመሩ ‘ዩ ክሳብ ሐዚ ዘለኒ ሓበሬታ። ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንምስራሕ ግና ተስፋ ኣለና ‘ዩ። ካሊእ ኣብ ዳግመ ህንፀት ጥዕና ኬላታት ብኣውሮፓ ሕብረት ኬር ፎር ሄልዝ (CARE FOR HEALTH) ብዝብሃል ኣቢሉ ንክልላት ትግራይ ዓፋርን ኣምሓራን ዝተተሓዘ በጀት ነይሩ። እዚ ፕሮጀክት ዝተወሰኑ ትካላት መሪፆም ይፅግኑ።

ካብኡ ድማ ኣድላይ ዝኾነ መሳርሒ ሕክምና የማልኡ ኣብቲ ትካል ጥዕና ንዝሰርሑ ‘ውን መሪፆም ውን የሰልጥኑ። ነዚ ንክትግብር ዝተመረፀ ድማ ዩኒሴፍ ኮይኑ ቁሩብ ደንጉዩ ‘ዩ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ገይሩ ናብ ተግባር ኣይኣተውን ነዚ ዝተተሓዘ ገንዘብ ‘ውን ክንደይ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ልዕሊ 1000 ትካላት ጥዕና፣ 2 ሪፈራል ሆስፒታል 14 ሓፈሻዊ ሆስፒታል፣ 24 ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል፣ 231ጥዕና ጣብያታትን 754 ኬላ ጥዕናታት ብወገን ዩኒሰፍ ኣቢሉ 1 ኬላ ጥዕናን 15 ጥዕና ጣብያታትን 2 ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታላት ምሳና ብምዝርራብ ካብዚኦም ዝኸፍአ ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ዝመረፅናዮም ዝስርሑ ዝርዝር ከይዶም ‘ዮም። ኣብዚ ካብ ጥዕና ሚኒስትር እንፅበዮ ዝነብርና ብኣማኢት ዝቁፀሩ ንክፅግን ‘ዩ ነይሩ።

ብጥዕና ሚኒስትር ‘ውን ኣብ ትግራይ ናብ 18 ዝኣክል ቁፅሪ እንተወሪዱ ኣብ ካልኦት ክልላት ‘ውን ከምኡ እንተወሪዱ ከምዝሓሰብናዮ ኣይከደን ኢሎም ስብሰባ እናፀውዑ ‘ዮም ዘለው። ኣንሕና ከኣ ዋላ በዚ ቁፅሪ ይኹን እንተዝቅልጥፈልና እናበልና ኢና ዘለና፤ ምኽንያቱ ናብ ተግባር ከይኣተው ልዕሊ ዓመት ኮይንዎ ‘ዩ በቢዋን ድማ ዋጋ ኮንስትራክሽን እናወሰኸ ‘ዩ ዘሎ።

ካሊእ ዳግመ ህንፀት ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ብዩኒሴፍ ዝትግበር ‘ዩ። ብሓፈሻ ግና ንእስ ንእስ ዘበሉ ፅገናታት ኣብዚ ኣብ ትግራይ ብዝንቀሳቀሱ መዳርግቲ ኣካላት ስልጠና ጥራሕ ምሃብ ካብ ዝኸውን መስኮት ተሰቢሩ ሱቅ ካብ ዝብሉ ዝተመረፁ ኣዴታት ዝወልዳሉ እንተሃልዩ እስቲ ኣብዚ ሞክሩ ንብሎም ኢና።

እና ብከፊል ዝተመረፁ ክፍልታት ናብ ስራሕ እነእትወሉ ኣፍቲ ኣፍቲ ኣለው ‘ዮም። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ገለ ገበርቲ ሰናይ ሪፖት ክገብሩ ከለው እቲ ትካል ሙሉእ ከምዝተፀገነ ገይሮም ዝገልፅሉ ኩንታት ኣለው ‘ዮም። ብሓፈሻ ነሃትና ተስፋ ሰላም ምዃኑ ‘ዩ። እዚ ሰላም ክሳብ ዝሃለወ ተስፋ ኣለና ‘ዩ። ብፍላይ እቲ ዘሎ ዝተወሰነ ምንቕስቓስ ክሳብ ዝሃለወ ቀሊል ዘይብሃል ስራሕ ናይ ምስራሕ ዕድል ክህልው ‘ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። ብሓፈሻ ዘሎ እዚ ‘ዩ።

ትፕኢ:- ኣብ ኸይዲ ዳግመ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ጥዕና ተተሓሒዙ ቅድም ካብ ዝገለፁለይ ወፃኢ ብመንግስቲ ፌደራል ክኸውን ይኽእል ወይ ብትካላት ገበርቲ ሰናይ ዋና ዋና ክስተኻኸሉ ኣለዎም ዝብሃሉ ፈተናታት እንተሃልዮም።

ዶ/ር ኣማኑኤል:- ፈረንጂ ከምዝብልዎ “breath­ing space” ዝብሃል ኣሎ መተንፈሻ ግዘ ቀጥታ ካብ ኲናት ምስ ወፃእኻ ብሓደ ግዘ ስርዓት ጥዕና ናብ ዝነብሮ ኣይምለስን።

ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ሰባት ሓዚ እማ የኣኽለኩም እምበር በጀት እኮ ይምደበልኩም ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ ዓርስኹም ከኣሉ ዝብሉ ኣለው። ንኣብነት ቅድሚ እቲ ኲናት ትግራይ ፅቡቅ ትፍፅመሉ ዝነብረት መድሕን ጥዕና ዝብሃል ኣሎ። ካልኦት ክልላት ብፅቡቅ ኣፈፃፅማ ዝኸዱሉ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ግና ሙኡእ ንሙሉእ ደው ኢሉ ‘ዩ።

እዚ ማለት እንታይ ማለት ‘ዩ፤ ሰባት ናብ ትካላት ጥዕና እንትመፅኡ ካብ 95 ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል ከይኸፈለ ‘ዩ ዘሎ ግልጋሎት ክጥቀም ዝፅዕር። ምኽንያቱ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ካብ መረበቶም ዝተፈናቀሉ ኣለው። ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ 3 ዞናት ድርቂ ኣሎ። ስለዚ ክፈል ንምባል ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ ዝኸውን። ‘ቶም ሆስፒታላት ድማ ዝብጀተሎም በጀት ደመወዝ ንምኽፋል ጥራሕ ዝበቅዕ ‘ዩ።

ካብኡ ናይ መድሓኒት ዕዳ ይመፅእ። ዓሚ ናይ 2015 ሸፊና ኢና ሐዚ ግና ዝተረፈ ባዕልኹም ክፈሉ ኢሎምና። ያው ቅድም ከምዝነገርኩካ ምስ ምኒስትር ጥዕና እናተዘራረብና እናተሓባበርና ምርድዳእ ዝዓሰሎ ፅቡቕ ርክብ ‘ዩ ዘለና። ብዚ መሰረት እሺ እስቲ ኢሉ ናይ ሓምለ ነሓሰ መስከረም ዘሎ ርብዒ ዓመት ጥዕና ሚኒስተር ብምሽፋን ካብኡ ንድሓር ዘሎ ይከፈሉ ኢሉ።

ይኹን እምበር ካብኡ ናብዚ ዘሎ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ግና ትካላት ጥዕና ናብ 90 ሚእታዊ ዝኸውን ክፍሊት ክኸፍላ ኣይኸኣላን ዘለዋ። መድሕን ጥዕና ምምሊስካ ናይ ምጅማር ኸይዲ ናይ ስግግር እዋን ብምምችቻው መንግስቲ ገበርቲ ሰናያት ሃገራት ብምሕታት ብምዝርራብ እቲ ክኸፍል ዘይኽእል ህዝቢ ንክኽፈለሉ ብምግባር ናይ ስግግር እዋን ዝግበረሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ እሞ።

በቢብርኩ ዘለው ኣካልት እዚ ተዝርድኦም ዓቢ ነገር ‘ዩ። ኻሊእ ሓደ ሓደ ብብርኪ ፌደራል ስራሕ ሓነቅቲ ኣካላት ኣለው ‘ዮም። ንኣብነት ብነዳዲ ዝሰርሑ ተሽከርከርቲ ኣይኣትውን እንትብሃል ይርድኣኒ ‘ዩ። ብግሊ ንዘለው ካሊእ ኣማራፂ ክህልዎም ይኽእል ‘ዩ። መንግሳታዊ ንዝኾኑ ግና ንኣብነት ኣምቡላንሳት እንተረኸብና ‘ውን ንምእታው ኣፅገሚ እናኾነ ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብዚ ዘሎ ገደብ ብፍሉይ መልክዕ ኣለሕለሕ ተዘብለዎ ፅቡቅ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 22 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You