ውልቀን ከባቢን ፅሬት ብምሕላው ሕማም ሸሮኽ ከንከላኸል ይግባእ

ኣብ እዋን ክረምቲ ብሰንኪ ውሕጅን ካልኦት ምኽንያታትን ዝስተ ማይ ስለዝብከል ዝተፈላላዩ ሕማማት ይኽሰቱ ‘ዮም። ዝናብ ብብከላ ማይ ንዝፍጠሩ ሕማማት ዝዓበየ ዕድል ይፈጥር። ረሳሕ ማይ ፀራሪጉ ናብ ዝስተዩ ማይ ብምውሳድ ንእንሰትዮ ማይና ክብክሎ ይኽእል።

እዚ ድማ ጠንቂ ከም ሕማም ሕማም ሸሮኽ ፣ ታይፎይድን ካልኦት ሕማማትን ከንተሓዝ ይገብር። ብፍላይ ሕማም ሸሮኽ ከንርኢ እንተለና ብባክተርያ ቪብሪዮ ሸሮኽ ዝመፅእ ከቢድን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ሕማም ‘ዩ። እዚ ብማይ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ብቐንዱ ብዝተበከለ ማይን ምግብን ዝመሓላለፍ ኮይኑ፣ ኣብ ውሱን ተበፃሕነት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት መብዛሕትኡ ዝፍጠር ‘ዩ።

እዚ መብዛሕትኡ ኣብ እዋን ክረምቲ ከጋጥሙ ካብ ዝኽእሉ ብዙሓት ሕማማት እቲ ሓደ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ምስ ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ክኢላ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ገብረሰላማ ገብረትንሳኤ ከብርሁልና እዚ ከምዝስዕብ ፃኒሒት ጌርና ኣለና።

ወጋሕታ፡- ኣብ ክልልትግራይ ሕማም ሸሮኽ ብፍላይ ምስ እዋን ክረምቲ ተተሓሒዙ ተኸሲቱ ኣሎ፤ እስቲ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከምዝመስል መብርሂ ይሃቡና፤ ብዋናነት ኣበይ ከባቢታት ‘ዩ ተኸሲቱ ዘሎ?

ኣይተ ገብረሰላማ፡– መጀመርያ ሕማም ሸሮኽ እንታይ ‘ዩ? እንተይልና፤ ሕማም ሸሮኽ ብዓይኒ ብዘይረኣዩ ተሃዋስያን / ቫይቤሪዮ ኮሌሬ / ኣቢሉ ዝመሓላለፍ ሕማም ‘ዩ።

እቲ ሕማም ዝኽሰት ሰባት ብቫይቤሪዮ ኮሌሬ ዝተበከለ ምግብን ማይን እንትጥቀሙ ‘ዩ። ሕማም ሕማም ሸሮኽ ኣብ ሰውነት ደቂ ሰብ ዘሎ ፈሳሲ ፀንቂቑ ክውዳእ ብምግባር ሓደጋ ዘስዕብ ሕማም እንትኸውን እንተዘይተሓኪሙ ድማ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰዓታት ሞት ከስዕብ ዝኽእል ‘ዩ።

ክሳብ 28 ሓምለ 2016 ዓ.ም 16 ዝኾኑ ወገናት በቲ ሕማም ዝተተሓዙ እንትኾኑ፣ እቶም 15 ሰባት ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ ‘ያ። ካብዚኦም ኣቶም 7 ድሒኖም ካብ ሕክምና ዝወፁ እንትኾኑ እቶም 9 ድማ ኣብ ክትትል ሕክምና ይርከቡ። ካብቶም ዝሓመሙ 8 ወርቀኛታት፣ 5 ገባራት፣ እቲ ሓደ ሓላዊ እንስሳ እንትኾን እቶም 2 ድማ ኣብ ካሊእ ስራሕ ዝነጥፉ ‘ዮም።

ኩነታት እቲ ሕማም ብመንፅር ወረዳ እንትርአ ድማ ኣብ ኣስገደ 14 ሕሙማት፣ ኣብ ወረዳ ፅምብላ ጣብያ ደብረ ማርያም 1፣ ኣብ ሽረ እንዳ ስላሰ ‘ውን 1 ኮይኑ እቲ ሓደ ካብ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ሕፃፅ ዝመፀ ወርቀኛ ‘ዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ መንቀሊ እቲ ሕማም ከንርኢ እንተለና ድማ 15 ሕሙማት ካብ ሩባ ማይ ብምስታይ ዝሓመሙ እንትኾኑ፣ 1 ድማ ካብ ዒላ ማይ ብምስታይ ዝሓመመ ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዋናነት እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ዓይነት ሕማም፣ ሕማም ሸሮኽ ‘ዩ፤ ብተወሳኺ ሕማም ዓሶ ‘ውን ኣብዝተወሰነ ከባቢታት ይረአ ‘ዩ፤ በቲ ዝተረኣየ መሰረት ማለት ኣባና ዕለት 20 ሓምለ ‘ዩ ሕማም ሸሮኽ ተራእዩ ዘሎ፤ እዚ ብወናነት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳታት ኣስገደን ፅምብላን ‘ዩ ክረአ ጀሚሩ።

እቲ ዝበዝሐ ተረኣየ ኣብ ኣስገደ ጣብያታት ደደቢት፣ ሰላም፣ ዕዳጋ ሕብረት፣ ዓዲ ሓሚዳይን ማይ ሓንሰን ዝበሉ ከባቢታት ‘ዩ። ኣብ ወረዳ ፅምብላ ድማ ኣብ ደብረማርያም ኣብዝበሃል ‘ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምስ ምንታይ ተታሓሒዙ ‘ዩ እንተይልና ማለት ግዳያት እቲ ሕማም ኮይኖም ዘለዉ እቶም 20 ሰባት ናይ ሩባ ማይ ብምስታይ ኮይኑ እቲ ሓደ ሰብ ድማ ካብ ዒላ ዝተቐድሐ ማይ ብምስታይ ከምዝኾነ ‘ዩ ተረጋጊፁ ዘሎ።

እዚኣቶም ኣብ ዝተፈላላዩ ጥዕና ትካላት ኣትዮም ሕክምና እናወሰዱ ዝርከቡ 15 ሰባት ‘ዮም። ሓደ ሰብ ድማ ንበይኑ ተፈልዩ ንካልቸር ምርመራ ተላኢኹ ምርመራ እናተገበረሉ ‘ዩ። ሰለስተ ሰባት ድማ ብደገ ኮይኖም እናተሓከሙ ይርከቡ። ክልተ ሰባት ድማ ድሒኖም ናብ ገዝኦም ከይዶም ኣለዉ።

ወጋሕታ፡- ምልክታት፣ ቀንዲ ጠንቂን ከምኡ ‘ውን ሜላታት ምክልኻል እቲ ሕማም ሸሮሕ ተዝገልፁልና?

ኣይተ ገብረሰላማ፡- ምልክታት እቲ ሕማም፣ ማይ ሩዝ ዝመስል ቀጢን ውፅኣት ከምኡውን ፈሳሲ ሰውነት ምቕናስን ምድራቕ ሰውነትን (ዲሃይድሬሽን)፤ ቅልጡፍ ህርመት ልቢ፣ ምሽብሻብ ቆርበት፣ምድራቕ ኣፍ፣ ትሑት ፀቕጢ ደም፣ ምውሓድ ማይ ፈሳሲ ሰውነትን ቃንዛ / ምጭምዳድ ጭዋዳታትን፤ እቶም ተሃዋስያን ናብ ኣካል ወድሰብ ድሕሪ ምእታው ካብ 12 ሰዓታት ክሳብ 5 መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዘ ምልክታት ይርኣዩ ‘ዮም።

ቀንዲ ጠንቂን እቲ ሕማም ድማ ዝተበከለ ምግቢ፣ ዝተበከለ ማይ፣ ውልቃውን ከባብያውን ፅርየት ዘይምሕላው፣ ኣብ ሜዳ ምፍታን፣ ሽቓቕ ዘይምህላውን እንተሃልዩ ድማ ብግቡእ ዘይምጥቃምን ፅሬቱ ዘይምሕላውን ክኽሰቱ ይኽእሉ ‘ ዮም።

ከምኡ ‘ውን ቀንዲ መመሓላለፊ መንገድታት ሕማም ሸሮኽ ብባክተርያ ዝተበከለ ምግብን ማይን ምጥቃም፣ ብዝተበከለ ማይ ዝተለቕለቑ/ዝተሓፀቡ ኣቑሑት ክሽነን መመገቢ ኣቑሑትን ምጥቃም፣ ብተህዋስያንን ሕማም ተሰከምቲ ሃመማታትን ዝተበከለ ምግቢ ምምጋብ፣ ውፅኣትን ተምላስን ሕሙም ብግቡእ ዘይምውጋድ፣ ጥዑይ ሰብ እቲ ሕሙም ዝተጠቐመሎም ነገራት ብግቡእ ከየፅረየ እንትጥቀም፣ ኣካልን ክዳውንትን ብሕማም ሸሮኽ ዝሞተ ሰብ ምትንካፍ፣ ሽቓቕ ብፅሩይ ማይን በረኪናን ብዘይምሕፃብ እቲ ሕማም ክመሓላለፍ ዝገብሩ ‘ዮም።

ሜላታት ምክልኻል እቲ ሕማም ኮሌራ ዝተሓከመ ወይ ፈሊሑ ዝዘሓለ ማይ ኣብ ዝተሓፅበን ፅሩይን መትሐዚ ምዕቃብ፣ ንመስተን መመገቢን ኣቑሑት መሕፀቢ ፅሩይ ዝተሓከመ ወይ ፈሊሑ ዝዘሓለ ማይ ምጥቃም፤ ኢድ ኩሉ ግዜ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ ብፍላይ ድማ ኣብ ወሳኒ እዋናት፤ ኣሕምልትን ፍረምረን ብዝተሓከመ ወይ ብፅሩይ ማይ ምሕፃብ፤ ምግብታት ካብ ዝኾነ ይኹን ብኽለት ምክልኻል፤ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ምህናፅን ብግቡእ ምጥቃምን ፅርየቱ ምሕላውን፣ ኣብ ወሰን ፅርግያ ዝርከቡ ሸየጥቲ ምግቢ ምፍታሽን ምቁፅፃርን፣ ደረቕን ፈሳስን ጉሓፍ ብኣግባቡ ምእላይ፣ ፍታን ህፃውንቲ ኣብ ሽቓቕ ምውጋድ ወይ ኣብ ዓሚቕ ጉድጓድ ምቕባር፣ኣብ ወሰንቲ እዋናት ኣእዳውና ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ፣ ካብ ሽቓቕ ድሕሪ ምምላስ፣ ቅድሚ ምድላው ምግቢ፣ ቅድሚ ምምጋብ፣ ህፃናት ድሕሪ ምፅራይ፣ ቅድሚ ምጥባው፣ ዝኾነ ርስሓት ድሕሪ ምትንካፍካ፣ ብሕማም ሸሮኽ ዝተትሓዘ ሰብ ድሕሪ ምትንካፍ ኣእዳው ብፅሩይ ማይን ሳሙናን ብኣግባቡ ብምሕፃብ ነቲ ሕማም ምክልኻል ይከኣል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሕማማት ንምክልኻል እንታይ እናሰርሐ ይርከብ?

ኣይተ ገብረሰላማ፡- ቐዳማይ ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ዝተፈላላዩ ትምህርትታት እናተወሃበ ይርከብ። ካልኣይ ድማ ብምድያታት ኣቢልካ መልእኽቲ ክመሓላላፍ እናተገብረ ‘ዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ሕብረተሰብ በቢኸባቢኡ እቲ ናይ ፅረት ስራሕቲ ክግበር ብናይ ጥዕና መሓዉራት ኣቢልካ ናይ ምምሃር ወይ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ።

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ ከም ቢሮ ሓምለ 27 ንሚድያታት መግለፂ ክወሃብ ተገይሩ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ብዝተዋደደ መንገዲ እቲ ተጣይሹ ዘሎ ኮሚቴ ኣብታሕቲ ወሪዱ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ሕበረተሰብ ጥንቓቐ ምእንቲ ክገብር ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ሕማም ሸሮኽ ዝተርኣየ ምዃኑ እቲ ቢሮ 27 ሓምለ ብዕሊ ኣውጁ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ምስእዚ ተተሓሒዙ ክቐሪ ዘይግበኦ ነገር እንተሃልዩ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ገብረሰላማ፡- ሕዚ ምስ ሕማም ኮሌራ ተተሓሒዙ ዘሎ ኩነታት ከንገልፆ እንደሊ ሕማም ሸሮኽ ብቐሊሉ ከንከላኸሎ ንኽእል ሕማም ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ኣቅሊልካ ዝረአ ሕማም ኣይኮነን፤ ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ሕማም ‘ዩ። እዚ ሕማም እዚ ውልቀን ከባብያውን ፅሬትናን ፅሬት ንጥቀመሉ ማይን ምግብናን ብምሕላው ሕማም ኮሌራ ከንከላኸል ንኽእል ኢና።

ሕብረተሰብ ሕማም ኮሌራ ብኸመይ ክመዝመፅእ ከምዝኽእል ብግቡእ ተረዲኡ ብጋንኡ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ። ማለት ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለፅክዎ ናይ ውልቑን ከባቢኡን ፅሬት ብምሕላው ክከላኸል ኣለዎ። ሕማም ሸሮኽ ንምክልኻል ኣብዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ግዲኡ ክዋፃእ ኣለዎ። ክሳብ ዕለት 29 ሓምለ 21 ወገናት ተታሒዞም ኣለዉ። እዚ ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ትኹረት ገይርና ከንስርሐሉ ‘ዩ ዘለና።

ወጋሕታ፡- ምእ እዚ ተተሓሒዙ ሓፈሻዊ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ገብረሰላማ፡- ከምቲ ቐድም ኢለ ዝገለፅክዎ፣ ሕብረሰብ ምልክት ሕማም እንትርኢ ፅሩይ ማይ እናሰተየ ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድ፤ ቆልዑ እንተኾይኖም ብዝተኽኣለ መጠን ቀልጢፎም ጡብ ኣደ ብምጥባው ናብ ትካል ጥዕና ምውሳድ፣ ኣብ ሓደ ሊትሮ ፅሩይ ማይ ሓደ እሹግ መድሕን ሂወት /ORS/ ብምብፅባፅ ብተደጋጋሚ ብምስታይ ቀልጢፍካ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድ፤ እቲ ዝተዳለወ መድሕን ሂወት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክውዳእ ኣለዎ።

ኣብ ገዛ መድሕን ሂወት እንተዘይሃልዩ 6 ማንካ ሻሂ ሽኮርን ፍርቂ ማንካ ሻሂ ጨውን ኣብ ሓደ ሊትሮ ፅሩይ ማይ ብምብፅባፅ ብተደጋጋሚ ምስታይ። ተቓላዕቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ምሕብሓብ፤ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ፀገም ዘለዎም፣ ቁጠባዊ ፀግም ዘለዎም፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎም፤ ከምኡ’ውን ተመዛበልቲ ክፋላት ሕብረተሰብን ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ።

ሰብ ሞያ ድማ ኣድላዪ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሓገዝ ብምሃብ ነቲ ኣገልግሎት ምጅማር፣ ምልክታት ሕማም ሸሮኽ ብኣግባቡ ምግላፅ፣ መንገድታት ምምሕልላፍ ሕማም ሸሮኽን ኣገባብ ምክልኻልን ዘርኢ ናይ መምሀሪ ሓገዝ ሞዴላት ምምዕባል፣ በቲ ባክተሪያ ዝተለኸፉ ናብ ትካል ጥዕና ብምውሳድ ሕክምና ምግባር፣ ናብ ገዝኦም ምስ ተመልሱ ኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል እቲ ሕማም ብኣድማዒ መንገዲ ኣብ ግብሪ ከመይ ከምዘውዓሉ ምርኣይ፡ ኣድላይ ‘ዩ።

ምልክት ሕማም ሸሮኽ ከጋጥም እንተሎ ክግበር ዝግብኦ ጥንቓቐን ቕልጡፍ ሕክምናን፣ጨው እንግሊዝ ወይ 6 ናይ ሻሂ ማንካ ሽኮርን ፍርቂ ናይ ሻሂ ማንካ ጨውን ብ1 ሊትሮ ማይ ብምብፅባፅ ፈሳሲ እንዳተወሃቦ/ባ ብቅልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ንበዓልኻን ስድራኻን ካብቲ ሕማም ምክልኻል የድሊ።

ሕዚ ሕማም ኮሌራ ብቐሊሉ ከንከላኸሎ ንኽእል ኢና ከንብል እንተለና፣ ቐዳማይ ሕብረተሰብ ናይ ውልቑን ከባቢኡን ፅሬት ክሕሉ ኣለዎ። ካልኣይ ሕማም ከጋጥም እንተሎ ክዳነገፅ እንተይኮነስ ናብ ሕክምና ‘ዩ ቐልጢፉ ክኸይድ ዘለዎ፤ እንተተደናጊፁ ዝገደደ ምንኽኻእ ኣሎ፤ንኻሊእ ሰባት ምልካም ‘ውን ኣሎ ‘ዩ።

ብቐሊሉ ናብ ካሊእ ከባቢ ክኸይድ ስለዝኽእል ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ። እንድሕ ሓደ ግዜ ኣጋጢሙ ግና ሕብረተሰብ ክገብሮ ዝግባእ ጥንቓቐ ምውሳድ ‘ዩ። ባህርያት እቲ ሕማም ሓደ ፈሳሲ ናይ ሰውነትካ ብምውዳእ ‘ዩ ክቐትለካ ዝኽእል። ኣብ ውሽጢ 24ሰዓት ክቐጥል ዝኽእል ሕማም ‘ዩ።

ስለዝኾ ኣብ ከባቢና ከንገብሮ ዝግባእ ሕድሕድ ሕብረተሰብ እንተተረኺቡ ኦኣርኤስ ዝበሃል ውሁድ ኣሎ፣ ወይ ደሞ ንሱ እንተዘይተረኺቡ 6ማንካ ሽኮርን ክልተ ማንካ ጨውን ገይርካ ሓደ ሊትሮ ማይ ብምብፅባፅ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ብጥንቓቐ ክወሃብ ክኽእል ኣለዎ።

ካሊእ ድማ ማይ ኣፍሊኽሓ ምጥቓም ወይ ከዓ ዝተሓከመ ማይ ምስታይ። ዘይተሓከመ ማይ ዘይምስታይ፤ ኣውዒኻ ምስታይ ‘ውን ተመራፂ ‘ዩ፤ ከምዚ ክጥቐመሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ‘የ ክህብ ዝደሊ። ኣብዚ ግና ዝምለከቶም ኣካላት በርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም። ብፍላይ ሰብ ሞያ ንሕበረተሰብ ከምህሩ ኣለዎም።

ኩሉ ነናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ኣለዎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምሕላው ውልቐን ከባቢን ፅሬት ቖላሕታ ክገብር ኣለዎ። ካሊእ ኣብ ከባቢና ዝሓመመ ሰብ እንተሪእና ኣብ ከባቢና ናብዝርከብ ትካል ጥዕና ከንወስዶ ኣለና። ወይ ከንህብር ኣለና። ሕዚ መብዛሕትኡ እቲ ሓደጋ ተራእይዎ ዘለ ከባቢ በረኻ ‘ዩ። ናይ ሕርሻ ቦታ ‘ዩ። ወርቐኛታት ዘለዎ ከባቢ ‘ዩ። ጓሶት ‘ውን ዝሓመሙ ኣለዉ። ወርቐኛታት ‘ውን ዝሓመሙ ኣለዉ።

ከምኡ ‘ውን ገባራት ኣለዉ። እዚ ሓደጋ ‘ዩ። ዝኾነ ምልክት ከንርኢ እንተለና እንተስ ኣብ ከባቢና ንዝርከብ በዓል ሞያ ጥዕና፣ ወይ ትካላት ጥዕና ሓበሬታ ከንህብ ኣለና። ነቲ ዝሓመመ ወገን ድማ ምርሓቕ እንተይኮነስ ናብ ትካል ጥዕና ወይ ሕክምና ምውሳድ፤ ዘየቋርፅ ውፅኣትን ተምላስን ኣለዎ ‘ዩ። ከምዚ ዓይነት ምልክት ከምዘለዎ ብምርዳእ ቐልጢፉ ናብ ሕክምና ክኸይድ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝሃቡና ሓበሬታ ኣዚና ነመስግን።

ኣይተ ገብረሰላማ፡- ኣነ ‘ውን ኣዝየ ኣመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You