‹‹ ዘመናዊት ዝኾነት ሃገርን ቴክኖሎጂ ዝስሕብ ዓውዲ ምፍጣር የድሊ ‘ዩ›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኮምሽን ፖሊስ ፌደራል ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ብምትሕብባር ተሳትፎ ዜጋታት መተግበሪ (EFPApp) ኣጀሚሩ ‘ዩ፡፡ እዚ ስራሕ ንዜጋታት መሰረታዊ ግልጋሎት ንምሃብ ተተሊሙ ዝስራሕ ኣካል ዲጅታል ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ‘ዩ፡፡

ኹሎም ዘፈራት ብሙሉእ ዓቕሚ ንምስኻዕ ብዲጅታል ኢትዮጵያ ክድግፉ ኣለዎም ክብሉ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ካብ ኣናሎግ ናብ ስርዓት ዲጅታል ተሰጋጊሩ ‘ዩ፡፡

በዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ዘሎ ከተማ ንቁሕ ተሳታፎ ዜጋታት ኣድላይ ‘ዩ ኢሎም ፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገበርዎ መደረ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናኩም ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ!

‹‹ኣብዚ ቦታ እትርከቡ ኩሎኹም ሎሚ ዲጅታል ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ንምስላጥ ንምስኻዕ ዝግበር ፃዕሪ ኣካል ዝኾነ ኣፕ ብኣርቴፍሻል ኢንተለጀንት ትካል ተሰሪሑ ንክንምርቕ ስለዝኻኣልናን ንምርኣይ ስለዝበቃዕና እንኳዕ ደስ በለና እብለኩም፡፡

ዋና ዋና ዕላማ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝዋሃቡ ሰርቪሳት ዝተቐላጠፉ ንህዝቢ ዘርውዩ ንክኾኑ ንምግባር ቅድሚ ኸዚ ዝነበረና ኣሰራርሓ ብሴክተር ሰርቪስ ጥራሕ እንተይኾነስ ብኹሉ ዘፈር ኣሰራርሓ ኣቕሊልካ ድልየት ተጠቃሚ ልዕል ዘብል ምግባር ንክኽእል ኣብ ኹሉ ዘፈር ዲጅታል ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበረ ይርከብ፡፡

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኹሉ ትካላት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሰርቪሳት ኦውቶሜት ተገይሮም ‘ዮም፡፡ እዚ ዲጅታል ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ካውንስል ብሓፈሻ ኣሰራርሓ ኣመራርሓ ውፅኢት ስለዝኾነ እዚ ስራሕ ንክጠናኸር ኣብ ጎኖም ክንኾን ኹሉ ትካላት ከሓስበሉ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ፡፡

ብዘፈር ማዕድን እነውፅኦ ሃፍቲ ብግብርና እንስርሖ ስራሕ ብኢንዱስትሪ እንሰርሖ ስራሕ ብቱሪዝም ዝጀምራናዮ ፃዕሪ ኹሎም ብዲጂታል ኢትዮጵያ እንድሕር ዘይተሓጊዞም ሽቶኦም ኣየሳኽዑን፡ ፡ ብዙሓት ነገራት ቴክኖሎጂ የደልዮም ‘ዮም፡፡ ብቱሪዝም ሓበሬታ እንረኽበሉ ግልጋሎት እንጥቀመሉ ብርሕቐት እንደልዮ ነገር እንረኽበሉ ቴክኖሎጂ የድሊ ‘ዩ፡፡ እዚ ኣብ ኹሉ ዘፈር ምስፋሕ ምዕባይ ምጥቃም የድሊ ‘ዩ፡ ፡

ኣብዝሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ መንእሰይ ስለዝኾነ ካብ ኸዚ መሰረት ቴክኖሎጂ እናዕበና እንተዘይኸድና ቀፂሉ ብነምፀኦ ዕብየት ዘይምጥን ኣሰራርሓ እትኽተልን ፤ ዘመናዊት ዝኾነት ሃገርን ቴክኖሎጂ ዝስሕብ ዓውዲ ምፍጣር የድሊ ‘ዩ፡፡ እዚ ናይ ትልሚን ሕልምን ኣካል ዝኾነ ስራሕ ኣብ ፖሊስ ፌደራል ዝረእናዮ ‘ዩ፡፡ ፖሊስ ፌደራል ቅድሚ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓመታት ኮምኒኬት ዝገብረሉ ናይ ኮምኒኬሽን ስርዓት ትሑት ‘ዩ ነይሩ፡፡

ሎሚ ዲጂታል ኮምኒኬሽን ኣለዎ፡፡ ቴሌኮሙኒኬሽን ኢትዮጵያ ሃለዎም ኣይሃለወን ፌደራል ፖሊስ ዘመናዊ ብዝኾነ ስርዓት ቴክኖሎጂ ብዘይ ምንም ፀገም ሕድ ሕድ ወታደር ኣተሓባቢሩ ስርሑ ክሰርሕ ይኽእል ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ ካብ ዋና ቤት ዕዮ ምቁፅፃር ዘኽእል ብጣዕሚ ዘመናዊ መቆፃፃሪ መራኸቢ ስርዓት ፈጢሩ ‘ዩ፡፡

ካልኣይ ድማ ኣብ ከተማናን ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ብሲሲቲቪ ዝስርሑ ስራሕቲ ብሓፈሻ ዘሎ ምንቅስቃስ ካብዚ ካብ ዋና ቤት ዕዮ ንምቁፅፃር ዘኽእል ስራሕ ፈጢሮም ‘ዮም፡፡ እዚኦም ኽልተ ስራሕቲ ናይ ፖሊስ ስራሕ ፍጥነት ዝሕግዙ እንተኾኑ ‘ውን ሎሚ እንጀምሮ ዲጂታል ኣፕ ግና ካብ ኽልቱኦም ዝበልፅ ‘ዩ፡፡

ምኽንያቱ ኣብ እናዘመነን እናዓበየን ዘሎ ከተማ ፤ብጣዕሚ ቡዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ከተማ ውሽጢ ፖሊስ ህዝቢ ከየሳተፈ ሰላም ምርግጋፅ ገበን ምቕናስ ኣይኽእልን፡፡ ህዝቢ ዘሳተፈ ገበን ንምቕናስን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝሕግዝ ኣፕሊኬሽን ‘ዩ ሎሚ እናጀመርና ዘለና፡፡

ብቀሊሉ ሰብ ፎቶ ብምልዓል ቴክስት ብምግባር ድምፂ ብምስማዕ እቲ ሰብ እንትዕፈን እንትስረቕ ፣ ስርቆት እንትርኢ ፣ ጥሕሰት ትራፊክ እንትርኢ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ምቅስቃስ ንፌደራል ፖሊስ ብቴክስት ኣፍሊጡ ፌደራል ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ቁርብ ደቒቓ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፖሊስ ቦታታት ዝተዋፈሩ ወታደራት ትእዛዝ ብምሃብ ገበን ንክቕንስ ዝጥቀመሉ ‘ዩ፡፡

ሕድሕድና ንሃገርና ጠጠው ዝበልና ሃገርና ሓለውቲ ከምዝኾና ወታደር ምስ ፖሊስ ብሓበሬታ ብሓሳብ እናደገፍና ጠጠው እንድሕር ዘይልና ሎሚ ዘሎ ዘይግደብ ድልየት ሎሚ ተወሊዱ ተመሪቑ ፅባሕ መኪና ፎቕ ፅባሕ ኹሉ ነገር ምሓዝ ዝችኩል ዘለናሉ ዘመን ገበን ይብርክት ‘ዩ፡፡

እዚ ገበን ንምክልኻል ህዝብን ፖሊስን ብሓባር ጠጠው ክብሉ ይግብእ፡፡ ህዝብን ፖሊስን ብሓባር ጠጠው ንክብሉ ድማ እዚ ቴክኖሎጂ ብጣዕሚ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ሕድሕድ ዜጋ እዚ ኣፕሊኬሽን ብምጥቃም በቢሰፈሩ ዝሪኦም ገበናት ንፖሊስ ንከፍልጥን ብሓባር ገበን ንክንከላኸል ሓደራ ይብል፡፡

ንፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣመራርሓን ኣባላትን ክሳብ ኸዚ ንከተማና ንሃገርና ዝኸፈልምዎ መስዋትነት ንእትገብርዎ ፃዕሪ ፣ መንግስትን ህዝብንን ኢትዮጵያ ዓብይ ምስጋና ኣለዎ፡፡ ንስኻትኩም ስለዘለኹም ወፂና ንኣቱ ኢና ንስኹም ስለዘለኩም ስራሕ እናሰራሕና ኢና ንስኻትኩም እናሞትኹም ንሕና እናነበርና ኢና፡፡ ነዚ ድማ ዓብይ ክብሪ መንግስትን ህዝብ ኢትዮጵያ ኣለዎ፡፡

ሎሚ ሓደራ ክብለኩም ዝደሊ ነገር ፖሊስ፤ ወታደር ትካላት ፀጥታ ሕልምኹምን ድልየትኹም ፈቒድኹም ዝኣተኹምዎ ስራሕ ንረብሓ ህዝቢ መስዋእቲ ምዃን ‘ምበር ህዝቢ ምጉዳእ ኣይኮነን፡፡ ፖሊስ ገበን ዝከላኸል ወታደር፤ ገበን ንምክልኻል ባዕሉ ኣሕሊፉ ዝህብ እንትኾን’ምበር ኣብ ገበን እንትሳተፍ ዓብይ ሓደጋ ‘ዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣብ ከተማና ምስማዕ ተጀሚሮም ‘ዮም፡፡

ክትትል እናገበርና ኢና፤ ዝኾነ ኣባል ፖሊስ ኾነ ወታደር ብዘይግባእ መንገድ ዜጋታትና ንክጎሳቖል ሕጊ ብዘይተኸተለ መገዲ ስጉምቲ ንክወስድ ኣይፍቀደሉን፡፡ ዝፍቀደልና ሕጊ ተተርኢስና ህዝቢ ሓሊና ንሕና ተጎዲእና ዜጋታትና ብሰላም ወፂኦም ንክኣትዉ ‘ዩ፡ ፡ ንውልቀ ረብሓ ህዝቢ ዝጎድእ ተግባር ካብ ወታደር ብፍፁም ትፅቢት ኣይግበርን፡፡ ብዙሓት ንሰናይ ስራሕ እናፃዓሩ ዉሑዳት በዚ ጥፍኣት ሽም ትካልና ከየጥፍኡ ምስ ህዝብና ኾይና እቲ ገበነኛ ኣባና ውሽጢ ይኹን ካባና ወፃኢ ብሓባር ምክልኻል ኣለና፡፡

እዚ ንምግባር ኣመራርሓ ፖሊስ ብሓፈሻ ትካላት ፀጥታ ኣመራርሓታት ብትግሃት ንክትሰርሑ ብሓደራ መልክዕ ከተሓሳስበኩም ይፈቱ፡፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ኢትዮጵያ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ካብ ዝጣየሽ ዉሑዳት ዓመታት ‘ዩ ኾይንዎ፤ሕድሕድ ትካላት ብዘድለየና ኹሉ ቴክኖሎጂ ብምብልፃግ ስራሕትና ዘመናዊ ንክኾኑ ገበን ንምክልኻል ንክንኽእል እናበሮ ዘሎ ፃዕሪ ካብ ዕድሚኡ ንላዕሊ ‘ዩ፡ ፡

ኣብ ፋይናሻል ሲስተም እናሰርሑ ዘለዉ ሲስተማት ብዙሕ ዝጨብርበሩ ዝኽእሉ ነገራት ምርኣይ እናኽኣለና ‘ዩ፡፡ ሎሚ ድማ ንፖሊስ ዝሰርሕዎ ኣፕ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓበዩ ሃገራት እንሰምዖ ነገራት ኣብ ሃገርና ንክንሰምዕን ንክንርኢን ንክንትቐመሉ ብቋንቋና ንክንግልገል ዕድል ዝሃበ ስለዝኾነ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ንዝተፈጠረ ዕላማ ጠጠው እናበለ ዘሎ ትካል ‘ዩ፡፡

እዚ ጅማሮ ምስ ኢንሳ፣ ፋይናንስ ኢንተለጀንስን ምስ ካልኦት ትካላት ቴክሎጂ ብምትሕብባር ኣብ ኹሉ ዘፈር ዲጂታል ኢትዮጵያ ንክተሳኽዑ ሓደራ እናበልኩ ክሳብ ኸዚ ንዝሰራሕኽምዎ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓብይ ምስጋና ፍቕርን ከቕርበልኩም ይደሊ፡፡ ቴክኖሎጂ ብጣዕሚ ኣድላይ ነገር ‘ዩ፡፡ ኣፕሊኬሽን ኣድላይ ነገር ‘ዩ፡፡ እቲ ዋና ድማ ምጥቃም ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ኣፕ ዜጋታት ክንጥቀም ኣለና፣ ሃገርና ብኹሉ ዘፈር እናዓበየት ‘ያ፤ ፖሊሳት ክፍለሃገር እንትዋፈሩ ሕድሕድ ዞባ ለውጢ ንምምፃእ እናሰርሐ ‘ዩ፡፡

ቤት ትምህርት፣ጣብያ ጥዕና ፣ መንገዲ፣ ግድባት ፣ ናብ ኢንዱስትሪ እንተመፂና ድማ ብጣዕሚ ብዙሓት ኢንዱስትሪ እናተስፋሕፈሐ ‘ዩ ዘሎ፣ ግብርና ብጣዕሚ ተስፋ ዝህብ ጉዳይ ‘ዩ ዘሎ፣ ኸዚ ካብ ዘይረብሕ ዘረባ ወፂና ብፍቕሪ ሃገር ኢትዮጵያ እነብልፅግ፤ ንደቅና እነብልፅግ ሃገር እነሻግረሉ ግዜ ስለዝኾነ ዝርርብና ደጋፊ፣ ድርጊትና ሓቋፊ ሕድሕድ ስጉምትና ኢትዮጵያ ልዕል ዘብል ንክኸውን ካብ ኹለትና ትፅቢት ዝግበር ከምዝኾነ ሓሲብና ንክንሰርሕ ሓደራ እናበልኩ ብልፅግናና ዘይተረፍ ‘ዩ፣ ብልፅግና ንምስትምቓር የብቀዐና፤ ደቅና ግና ብዘይ ምንም ጥርጥር ኣይልምኑን፡፡ ››

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 22 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You