
መኣርግ ገ/ሄር
ኣፍሪካውያን ናፅነቶም ምስ ኣረጋገፁ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ዝመስረቱ ንምርድዳእ፣ ንምትሕግጋዝን ሓቢርካ ንምልማዕን ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ተጓንፎታት ኣብ ዘጋጥምዎም እዋን ብሰላማዊን ብዝሰልጠነ መገዲ ንምፍታሕ ብምሕሳብ እዩ። ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት‹‹ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሕታት›› ኣብ ዝብል መትከል ተመስሪቶም ተመኻኺሮምን ተኣራሪሞሙን ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህሎም ንምዕባይ እናሰርሑ ይርከቡ።
ተማራማሪ ፖለቲካል ሳይንስ ዝኾነ ፕሮፌሰር ቴሪ ሜይስ “African Solutions for African Problems: The Changing Face of African-Mandated Peace Operations” ብዝብል ርእሲ ብዝፀሓፎ ፅሑፍ ‹‹ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ ፍታሕ›› ብዝብል መትከል እቲ ዕላማ ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ባዕሎም ፀገም ብባዕሎም ምፍታሕን ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ጉዳያት ናይ ደገ ፅዕንቶ ንምቕናስ ምዃኑ ይገልፅ።
ኢትዮጵያ ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ክፍትሑ ፅኑዕ ቕዋም ካብ ዘለዎን ግንባር ቀደም ሃገራት ሓንቲ እያ። ናይ ታሪክ ሙሁራት ከምዝገልፅዎ ኢትዮጵያ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ክምስረት ብምግባር ወሳኒ ግደ ኣበርኪታ እያ። ኣፍሪካውያን ፍቕሮምን ሓድነቶምን ኣስጢሞም ንሓበራዊ ዕቤት ክሰርሑ ከምኡ’ውን ፀገሞም ብባዕሎም ክፈትሑ ኢትዮጵያ ዝተፃወተቶ ግደ ልዑል ከምዝኾነ ይዝረብ።
ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ይኹን ካልኦት ሃገራት ብሕውነትን ብምትሕብባርን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ምልማዕን ዝፀንሐ ባህሊ ዘለዋ ሃገር እያ። ናይ ነዊሕ ዘመን ታሪኽን ዓቕምን ዘለዋ ብምዃና ንኻልኦት ሃገራት ንምሕጋዝ ፃዕሪ ካብ ምግባር ሓሊፋ ንዝኾነት ሃገር ነኺኣ ኣይትፈልጥን። እኳዳኣስ ምስተን ሃገራት ብዘለዋ ጠንካራ ሕውነት፣ ግብረ ሽበራ ብምውጋእ፣ ሰላም ኣብ ምኽባር ተልእኾኣ እትፍለጥ ሃገር እያ። ምስ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ኰይና ሓቢርካ ንምልማዕ ድሌት ስለዘለዋ ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳርን ንምጥንኻር ዘመን ዝሳገሩ ፕሮጀክትታት እናሰርሐት ትርከብ። ነዚ ኣብነት ዝኸውን ሓደ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እዩ።
ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ 24 መጋቢት 2003 ዓ.ም እምኒ ኩርናዕ ምስ ተነበረሉ ጀሚሩ ብምኽንያት ግብፅን ሱዳንን ብዘልዕልዎም ተቓያየርቲ ጥርዓናት ንብዙሕ ግዘ ዘተን ምኽክርን ዝተኻየዱ ዋላ ይኹኑ ክሳብ ሕዚ ኣማላልኣ ማይን ኦፕሬሽንን መዕለቢ ኣይተረኸበን። ኢትዮጵያ ሰለስቲአን ሃገራት ሓቢርካ ናይ ምልማዕ ድሌት እትድግፍ’ምበር ፈፂማ ጉድኣት ከምዘይተብፅሕ ብተዳጋጋሚ ዋላ ትግለፅ ክልቲአን ሃገራት ግና ካብ ምቕዋም ንድሓር ኢለን ኣይፈልጣን።
ብፍላይ ግብፃውያን ‹‹ሩባ ናይል ካብ ፈጣሪ ዝተዋሃበና ውህብቶ እዩ፤ ናይቲ ማይ ሰብ ዋና ንሕና ኢና›› ክሳብ ምባል ዝበፅሐ ቕዋም ብምሓዝ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝኾነ ዓይነት ልምዓት ከይስራሕ ንዘመናት እናሐንኮሉና ነይሮም እዮም። ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሙሃመድ ሙርሲ ብ 2013ዓ.ም ፈረንጂ ብቴሌቪዥን ቐጥታ ፈነወ ኣብ ዝተመሓላለፈ ዘተ ሩባ ኣባይ ሓንቲ ንጣብ ማይ ተኣክል እንተቐኒሱ ኩሉ ኣማራፂ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደዱ እዮም ተዛሪቦም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ ንሱ ናይ ሕዚ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ኣብዱል ፈታህ ኣልሲሲ ናይታ ሃገር ኣዛዚ ሰራዊት ነይሮም። ህዳሰ ግድብ ክሳብ ዝውዳእ እዚ ኣተሓሳስባ ከምዝቐፀለ ምዃኑ ዘርእዩ ዝተፈላለዩ መግለፂታት ይስትውዐሉ ነይሮም። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግድብ ህዳሰ ናይ መጀመርያ ዙር ምምላእ ማይ ከይካየድ ዝላዕለ ፀገም ገጢሙ ነይሩ። ለብዘበን’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኽረምቲ እዋን ካልኣይ ዙር ንምምላእ ማይ ኣብ ዝግበር ምድላው ንምዕንቃፍ ዘይፈንቐልዎ እምኒ የለን።
ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብዎ መብሪሂ ‹‹መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ንሩባ ኣባይ ኣይገደቦን፤ ኣብ ቐፃሊ’ውን ኣይግድቦን፤ እቲ ማይ ከምዝነበሮ ይኸድ ኣሎ እዩ። ዝተኸልከልናዮ ማይ ዝናብ ኣይትግድቡን እዩ። ንማይ ኣባይ እንተንግድቦ ነይርና እማ ሕዚ እቲ ማይ ኣይምውሓዘን ነይሩ፤ ከምቐደሙ ይውሕዝ ኣሎ እዩ። እቲ ኻብ ጣና ዝኸይድ ማይ ከም ናይ ቕድሚኡ እናፈሰሰ እዩ ዘሎ። ከምዚ ክንብል ከለና ካፍቲ ኣብ ኽረምቲ እዋን ዝዘንብ ማይ እንተበዚሑ 5ሚኢታዊ ንምቕራይ እዩ ፃዕሪ ንገብር ዘለና። ጣና ኣይትጠቐሙ ተባሂልና፤ ዝናብ እውን ኣይትጠቐሙ ተተባሂልና ከቢድ እዩ። ›› ብምባል ገሊፀሞ እዮም።
ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሓት ናይቲ ዘፈር ሙሁራት፣ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ናይ ዝናብ ማይ ኣብ እትረኽበሉ ወቕቲ ማይ ምምላኣ ኣብ ዋሕዚ ሩባ ኣባይ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ከምዘየለ ብምጥቃስ፣ ግብፂ እትገብሮ ናይ ምፍርራሕ ስራሕቲ ትርጉም የብሉን ብምባል ይገልፁ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ከምኡ’ውን ተመራማሪ ጉዳይ ማይ ኣባይ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ያእቆብ ኣርሳኖ ምስ ምስንዳእ ክፍሊ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ንግብፂ ይኹን ንሱዳን ክጎድእ ኣይኽእልን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምምላእ ማይ ብምክንዋኑ ጥቕሙ ጎሊሁ ተራእዩ እዩ ብምባል የብርሁ። ተወሳኺ ማይ ምምላእ እንተተኻይዱ እኳደኣስ ተወሳኺ ማይ ከምዝረኽቡ ፣ ግብፅን ሱዳንን ማይ ክጎድለና ይኽእል እዩ፤ ህዝብና ክጉዳእ እዩ ብምባል ዘቕርብዎ ጥርዓን ንዝሰምዖም ወይ ንዝኣምኖም ኣካል መግለፂ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዘይ ኮይኑ ንዖኦም ዝጎድእ ነገር ክሳብ ሕዚ የለን ብምባል ኣብሪሆም እዮም።
ሱዳናውያን ብተወሰነ ኩነታት ፈሪሖም ዋላ ይዛረቡ ብርትዕ ዝበለ ተቓውሞ ኣይነበሮምን ። ሰብ ሞያ ማይ ከምዝገልፅዎ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንሱዳናውያን ናይ ፖለቲካ ውሳነ እንተይኮነስ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ እዩ። ካብቲ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝገልፁ ሰብ ሞያ ንኢንዱስትሪኦም ከምዘነቃቕሕን፣ግብርና ስርሖም ንምስፍሕፋሕ ከምዝሕግዞም ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ እቲ ግድብ ካብ ሓደጋ ውሕጅ ከምዘድሕኖም ይገልፁ። ነዙይ እዩ እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ግብፂ ንሱዳን ብተፈላለየ መገዲ ዝላዕለ ፅዕንቶ ዋላ ተሕድረላ ክሳብ ቐረባ እዋን ኣብ ዝተገበሩ ዘተ መብዛሕቲኡ ናይ ኢትዮጵያ ቕዋም ከትድግፍ ዝፀንሐት።
ይኹን’ምበር ሱዳን ኣብዚ ዓመት እዚ ምስ ግብፂ ሕብረት ምፍጣራ ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ። እዚ ግና ቐፃልነት ዘለዎ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ከይዲ ዝረአ ኮይኑ ሱዳንን ግብፅን ወታደራዊ ስምምዕ ፈፂሞም እዮም። መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ሓደ ግዘ ካርቱም ካሊእ ግዘ ድማ ካይሮ ብምምልላስ ኣብ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ መኺሮም እዮም። ዝተፈላለየ መደባት’ውን ሓንፂፆም እዮም። ኢትዮጵያ ሙሉእ ቐልባ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝገበረትሉ ግዘ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢ ዶብ ይነብሩ ዝነበሩ ሓረስቶት ኢትዮጵያውያን ብምምዝባል ኣብ ንብረቶም ጉድኣት ብምብፃሕ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሮሞ እዮም። ኣብዚ ኩነታት ሞራላዊ ድጋፍ ግብፂ ልዑል ነይሩ።
ክልቲአን ሃገራት ቕድም ኢሉ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ እንተይተወደአ ሓዱሽ ሓሳብ ብምምፃእ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ብተወሳኺ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከዛትዩ ሓቲተን እየን። ከምኡ’ውን ክልቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ ዘገድድ ሕግታት እንተዘይፈሪማ እቲ ምምላእ ማይ ‹‹ንህዝብና ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዩ››ብምባል ማይ ምምላእ ከይካየድ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ፅዕንቶ ንምሕዳር ፃዕሪ ኣብ ምግባር እየን ዝርከባ። ይኹን’ምበር እቲ ዘቕረበኦ ሕቶ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ፀገም ብኣፍሪካ ምፍታሕ ኣብዝብል መትከል ትርከብ። ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሱዳን ምስ ግብፂ ዝፈጠረቶ ሕብረት ባህሪ ህዝቢ ሱዳን ዝገልፅ ኣይኮነን ብምባል ገሊፆም ነይሮም እዮም።
ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዝምልከት ‹‹ኢትዮጵያ ንግብፂ ዀነ ንሱዳን ክትጐድእ ኣይትደልን ኢያ። ኢትዮጵያ ነዘን ሃገራት እዚኣተን ከይጐድአት ኽትጥቀም እያ እትደሊ። ኣሕዋትና ክርድኡልና እንደሊ ንሕና ኣብ ፀልማት ክንነብር ኣይንደልን ኢና፤ ኣምፑል ኢና እንደሊ። ናይና ብርሃን ክጠቕሞም ይኽእል’ምበር ክጐድኦም ኣይክእልን። ድልየትና ብሓባር ምዕባይ እዩ›› ብምባል ቕዋም ኢትዮጵያ ንፁር ገይሮም እዮም።
እቲ ሕዚ ሒዘሞ ዘለዉ ሓዱሽ ድሌት ግብፅን ሱዳንን ንኢትዮጵያ ዝጎድእ ነገር ኮይኑ ኣገዲድካ ከትፍርም ምግባር እንተዘይፈሪማ ድማ ኣብ መፃኢ ኽረምቲ ካልኣይ ዙር ማይ ከይትመልእ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ፀቕጢ ምግባር እዩ። ንዘተ ዘቕርብዎ ምምላእ ማይን ኦፕሬሽንን ብሓደ ክከናወን ኣለዎ ዝብል እዩ። ብወገን ኢትዮጵያ ማይ ምምላእን ኦፕሬሽንን ክልተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ስለ ዝዀኑ ብሓደ ክኸዱ ከምዘይኽእሉን ተቐባልነት ከም ዘይብሎምን ተገሊፁ እዩ።
ኢትዮጵያ ምስቲ ማይ ምምላእን ኦፕሬሽንን ብሓባር ምርኣይ ዘካራኽር ስለ ዝኾነን ከምኡ’ውን ግዘ ክወስድ ስለ ዝኽእል በዚ መሰረት ድማ እቲ ክረምቲ ማይ ብዘይ ምምላእ እንተተሓሊፉ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ 1 ቢልዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ከመዘስእና ተገሊፅሎም እዩ። ይኹን’ምበር እዘን ክልተ ሃገራት እዚአን ንባዕልተን ረብሓ ጥራይ’ምበር ስለ ረብሓ አትዮጵያ ስለ ዘይግድሰን እቲ ጉዳይ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽወፅእ ወይ ካልኦት ዘዛትዩ ሃገራት ክውሰኹ ፀቕጢ እናገበራ እየን። ካብዚ ሓሊፉ እውን ናብ ካውንስል ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምውሳድ ትልሚ ሒዘን እየን ዝርከባ። ብሕብረት ኣፍሪካ ኣዳራዳሪነት ዝተጀመረ ዘተ እንተይተወደአ ካልኦት ዘዛትያ ምሕታት ናይቲ ሕብረት ግደ ምንዓቅ እዩ።
ናይ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ኽረምቲ እዋን ኣብ ዝዘንብ ዝናብ ብምጥቓም’ምበር ምሉእ ዓመት ከምዘይኰነ ካብ ናይ መጀመርያ ኣመላልኣ ምርዳእ ይካኣል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ዙር ምምላእ ማይ ኩነታት ዝናብ ዝላዕለ ኣብ ዝነበረሉ ወቕቲ ስለ ዝነበረ ከይተፈልጠ እዩ ተዛዚሙ። ናይ መፃኢ’ውን ካብዚ እተፈልየ ኸምዘይኸውን ፍሉጥ እዩ ። እንተዀነ ግና ኣብ ግብፅን ሱዳንን ዘሎ ኣተሓሳስባ ናይ ክረምቲ ዝናብ ማይ’ውን ዝኽልክል ኢዩ። እዚ ኸዓ ምስቲ ዓለምለኻዊ ፍትሓዊነት ዘለዎ ኣጠቓቕማ ማይ ተግባር ዝጋጮ እዩ።
ኢትዮጵያ ንሩባ ኣባይ 86 ሚእታዊ ማይ እተበርክት ሃገር እያ። ኮይኑ ግና 60 ሚእታዊ ዜጋታታ መብራህቲ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይብሉ ፀልማት እዮም ዝነብሩ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ፀልማት ዝነብሩ ዜጋታታ ብርሃን ኤሌክትሪክ ረኺቦም ካብ ፀልማት ንኽወፁ ምእንቲ እያ እዚ ፕሮጀክት እትሃንፆ ዘላ። ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ፍትሓውነትን ማዕርነትን መሰረት ገይርካ ምጥቃም መሰል ኣለዋ እዩ። በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ብፕሮግራም ተኸቲላ ካብ ምምላእ ማይ ዝዓግታ ኩነታት የለን። ስለዚ እቲ ፕሮጀክት ንዕቤት ተፋሰስ ሃገራት ካብ ምጥቓም ሓሊፉ ዝጎድእ ስለዘይኮነ ዘካትዕን ዘሳሓሕብን ክኸውን የብሉን። (ግዜኢ)
ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013