ብሽም ህዝቢ ንረብሓ ውልቀን ጉጅለን ዝገበር ፖለቲካዊ ሸቀጥ ይኾኖ!!

“ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዝምስክረሉ ንዝኣመነሉ ናይ ልቡ ገይሩ ኣብ ሽትኡ ዘብፅሕ ህዝቢ ‘ዩ። ጭቆናን ዘይምዕሩይ ስርዓትን ዘይቅበል ጥራሕ ዘይኮነስ ተቃሊሱ ዝኽፈል ኸፊሉ ማዕርነትን ዲሞክራስን ክመፅእ ዘይሕለል ፃዕሪ ዝገብር ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጡ ኮይኖም ብሽም ህዝቢ ንውልቀን ጉጅሌኣዊ ረብሓኦም ከብሉ ንህዝቦም ረዚን ዋጋ ብዝኸፈሉ ጀጋኑ እናጨረሑን እናታለሉን ድሌትን ባህጊን ህዝቢ ዝሕንሽሹን ልዕሊ ሕጊ ኮይኖም ገበርትን ሓደግትን ብዝኾኑ ውሑዳት ውልቀሰባት ምኽንያት ነቲ ፍረ ቃልሱ ዝኾነ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ንከስተማቅር ዝተዓደለ ህዝቢ ክኸውን ኣይከኣለን።

‹‹ህዝቢ ‘ዩ ሓይልና›› እናበሉ ብሽም ህዝቢ እናሸቀጡ ሓይሊ ህዝቢ ዝብትኑ፤ ረብሓን ድልየትን ህዝቢ ንጎኒ ገዲፎም፤ ህዝቢ ካብ ቁፅፅሮም ከይወፅእ ንምግባር ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ዘፈራት ብምድኻም ኣነ ጥራሕ ‘የ ዝፍልጠልካ እናበሉ ህዝቢ መጥቀሚ ፖለቲካኦም እናገበርዎ ዝርከቡ ኣካላት ኣለው።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ‘ዃ እንተሪእና፤ እቲ ህዝቢ ብውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዝረኸቦ ዕድል ሰላም ተጠቂሙ ካብ ስርሑ ዝተመዛበለ ናብ ስርሑ ፤ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ናብ መረበቱ ከይምለስን ሙሉእ ሕውየት ከይገብርን “ውድብ ከይድሓነ ህዝቢ ኣይድሕንን” ብዝብል ድልየት ስልጣን ውለቀ ሰባትን ጉጅለን ጥራሕ ክብሃል፤ ኣጀንዳ ተመዛበልትን ብሓፈሻ ኣጀንዳ ህዝቢ ነጎኒ ገዲፎም ኣብ ምእራይ ሓፂን መፂን፣ ካብ ኣፍ ዝጠመየ ህዝቢ ከይተረፈ ረዲኤት እናሕደጉ ‘ዮም። እቲ ወርቃዊ ግዘ ሰላም ‘ውን ዘይህጋዊ ወርቂ እናኣረዩ ጁባ ውልቀ ሰባት ክመልእ ብምግባር ህዝቢ ኣብ ድኽነት ከነብር ብምግባር እቲ ግዜ ኣባኺኖሞ።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ብመረፃ ቦርድ ዝተሰረዘ ጉጅለ ፍንጫል ኣመራርሓ ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ እናመሓለን እናተገዘተን ኣጀንዳ ህዝቢ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ናይ ባዕሉ ረብሓ ጥራሕ ዝደሊ ሓይሊ እናኾነ ምምፅኡ ብተደጋጋሚ እናረጋገፀ ዝመፅኣሉ እዋን ቀሊል ኣይኮነን።እዚ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብ ኢዱ ንዝኣተወ ስልጣን ካብ ምጥቃም ብተወሳኺ ብኔትውርክን ዝምድናን ብምጥልላፍን ድልየት ጉጅልኦም ድልየት ህዝቢ ትግራይ ብምምሳል ውድብን ህዝብን ሓደ ‘ዮም ዝብል መጭበርበሪ ሓሳብ ብምጥቃም ብስርቅን ካልኦት ጥፍኣታትን ዝተፈፀሙ በደላትን ተሓታታይ ንዘይምዃን ህዝቢ ከም ጅሆ ብምድሓዝ ከምዝኾነ ‘ውን ፈለጥቲ ውሽጦም እናገለፁ ይርከቡ ኣለው።

እዚ ጉጅለ ንዓርሱ ወኪል ህዝቢ ገይሩ ህዝቢ ንኽሰግደሉ ብምግባር ህዝቢ ዝኾነ ዓይነት ናይ ምቅዋም ምልክት ንኸየርኢ ዓፊኑ፤ ኣብ ውሽጢ ኣጀንዳ ስርቂ ተዋሒጡ፤ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ‘ዮም ብምባል ዓርሱ ነፃ ንምውፃእ ዝፍትነሉ ኩነታት ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ንግድን ምዝማትን ወርቂ ዝተዋፈሩ ውሑዳት መሻርኽቶም ብመስዋእቲ መንእሰያት ትግራይ ክንድሕን ኢና ኢሎም ዝፍክሩ ከምዘለዉን ፤ ካብ ካዝና መንግስቲ ዝወፀ ብቢልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ‘ውን ዝዘረፉ ሰባት ሕዚ ብሽም ሓድነት ትግራይ ንመንእሰይ ትግራይ ናብ ካሊእ ኵናት ንምእታው እናፈከሩ ከምዘለዉ ‘ውን ይስማዕ ኣሎ።

ይኹን ‘ምበር እዚ ከምዚ ኢሉ ክቕፅል ስለዘይግባእ፤ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ንምዕዋት እዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ሕመቅ ከመይ ኢሉ ኣብዚ ከምዝበፅሐ ንምፍላጥ ንምንታይ ናብዚ ፀገም ከም ዝበፃሕና ምሕታትን ምፍላጥን ኣድላይ ‘ዩ:: ንምንታይ ናብዚ ፀገም ኣቲና? ንምንታይ ህይወት ብዙሓት ወገናትና ተበላሽዩ? ንምንታይ ጭቡጥ ረብሓ ንዘይርከበሉ ከቢድ ዋጋ ከፊልና? ናብዚ ኩሉ ስቃይን ኪሳራን ንክንኣትው ዝገበረኸ መን ‘ዩ?ንምንታይ? ዝብሉን ሕቶታት ብምምላስ ብሂወት ብዙሓት ዝቋመሩ ኣካላት ይኣኽለኩም ክብሃሉ ‘ኣለዎ።

እዚ ንምግባር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ክግበር ጀሚሩ ዘሎ እቢታ ፅቡቕ ተስፋ ዘስንቅ ‘ዩ ምባል ይክኣል። ብፍላይ ኣብ ከተማ ማይጨው፣መኾኒ ኮረምን ካልኦትን ዘተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዓብዪ መልእኽቲ ዘመሓላለፈሉን’ዩ። እዚ ድማ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ድምፂ ገይርካ ክውሰድ ዝኽእልን ‘ዩ።ምኽንያቱ እዚ ኣንፃር ጉጅለ ድሕረት ዝተገበረ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ምላሽ ናይቲ ክሳብ ሕዚ ዝተዓፈነ ድምፂ፣ ዝተገፍዐ ሓሳብ፣ ዝተደርበየ ቅዋም፣ ዝተናዕቐ ኣካል፣ ዝተነዓቐ መሪሕነት፣ ዝተነፀገ ድልየት ህዝብን ከም ኣማራፂ ኽውሰድ ዘይተካኣለ ኣተሓሳስባ ሚልዮናትን ከምዝኾነ ብምርዳእ ናብ ካልኦት ‘ውን ክጋፋሕ ዘለዎ ‘ዩ።

ብተወሳኺ እዚ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ዘመላኽቶ፤ ከም ድላይካ ዝግበር ህዝቢ ከምዘየለ፣ “ዝበልኩኻ ስማዕ ዝሃብኩኻ ብላዕ” ዝብሃል ሓይሊ ዕድመ ፃንሒቱ ከምዘብቅዐ፣ ብመንገዲ ድንቁርና ዝምራሕ፡ ብኣብታር ድሕረት ዝግናሕ መንእሰይ ከምዘየለ፣ ትዕግስቲ ህዝቢ ‘ውን ገደብ ከምዘለዎን ብሓፈሻ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህልን ወፍርን ናይ ምብቋል ምልክት ተገይሩ ዝውሰድ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ‘ዩ።

ኣብ’ቲ ብዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ኣቢሉ ዝተውሃበ መግለፂ እቲ ዓንዳራይ ክብል ዝገለፆ ሓይሊ ከመይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ህዝቢ እቲ ዞባ ደቡብ ድማ ብፍላይ ፖለቲካዊ ፀቕጢ ክፈጥር ይፍትን ምህላዉ ‘ዩ ዝገለፆ። ንናይ ቀደም ኣቦ ወንበሩ ወቒሱን ነቒፉን፡ “እቲ ጉጅለ ብጠርናፊኡ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ዘለዎ ንዕቐት ምግላፁ” ቁጥዐ ከምዝፈጠረ ‘ውን ኣብሪሁ ነይሩ።

ትግራይ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ‘ምበር ናይ ሓደ ፍንጫል ጉጅለን ውልቀሰባትን ክትኸውን ኣይትኽእልን። ስለዚ ንኹሉ ብማዕርነት ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ›› ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ሰልፈኛ ህዝቢ ደቡብ ትግራይ እቲ ጉጅለ ድሕረት ኣናኢሱ ርኣዮ፣ ኣጣሚሙ ተረደኦ፣ ዋጋ ይሃቦ ኣይትሃቦ ብዘየግድስ ሓደ ዓብዪ ተረኽ ድሌት ለውጢ ህዝቢ ትግራይ ኾይኑ ግን ወፂኡ ‘ዩ:: ኣብ ሓቃዊ መረዳእታን ኣብ ልባዊ ስሚዒትን ሚልዮናት ዝተፈጠረ፣ ዝገበርካ እንተገበርካዮ ዘይስረዝ ዝብሃካ ቄናን ትርጉም ሃብካዮ ኣይሃብካዮ ዘይድለዝ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ‘ዩ።

ሓምሳ ዓመት ዝገበረ ዉዱቡ ንክትስረዝ ገይሩ፣ ህዝቢ ትግራይ ሓምሳ ዓመት ዝሃነፆ ሓይሊ በቲኑ፣ ድሌትን ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፖለቲካዊ ጠላዕ ኣእትዩ ድምብርፅ ዘይብሎ ጉጅለ ድሕረት ግና ንዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተገበረ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብግቡእ ምስሉ ክርእይን ብቅኑዕ ድባቡ ክርዳእን ዘኽእል ቕሩብነት ኮነ ተበግሶ፤ናይ ምርዳእ ዓቕሚን ክህለትን ስለዘይህለዎ ብመገዲ ጥፍኣት ምቕፃሉ ዘይተርፍ’ዩ፡፡በዚህ ድማ ዕድመኡ ዝያዳ ዝሓፅረኡ ኹነታት ከምዝፍጠር ግልፂ’ዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ድሕረት ብዜካ ንሕና ካሊእ ንህዝቢ ዝፈልጠሉ የለን ስለዘበሉ ጥራሕ ንምሽካም ዘይክኣለን ዘይገባእን ፀገም ኣብ ልዕሊ እንግድዓ ህዝቢ ትግራይ ክድዕንኑ ዝኾነ ዝሃቦም ሓለፍነት የለን። ሰለዚ በዚ ተደጋጋሚ ውድቀትን ከቢድ ኪሳራን ዘስዓበ ኣከያይድኦም ክቅፅሉ ክፍቀደሎም ዘይኮነስ፤ እኳደኣስ ንሕድ ሕድ ጥፍኣቶም ንቀፃሊ ናብ ኣመራርሓ ንዝመፅኡ ኣካላት ‘ውን ተሓታትነትን ብዘምህር መልክዕ ብሕጊ ተሓተቲ ዝኾኑ ‘ዩ ዝግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብረሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You