
ብሓደ ውልቀሰብ እትመሓደር ጎረቤት ሃገር ኣላ፤ንሳ ‘ውን ኤርትራ ትበሃል። ንሹማ ሃገር ትበሃል ‘ምበር ብውሽጣ ሃገር ዘብል መሓውር ስለዘይብላ ሃገር ኢልካ ንምፅዋዕ ዝኸብድ ‘ዩ። ብሕግን ደንብን ዘይትመሓደር ብሓደ ሰብ እትዝወር ዘላ ሃገር ኣብ 1993 ዓ.ም ብመንግስታት ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበት ኮይና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መበል 34 ዓመት ሃገር ኮይና ዝተመስረተትሉ ዓመት ኣኽቢራ ኣላ። ካብታ ሃገር ኮይና ዝተመስረተትላ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኺ ሰብ ምስ ሃገራት ዘቓራርብን ዝረብሕን መደረ ገይሩ ኣይፈልጥን።
እዚ ሰብ እዚ ብኹሉ መዳይ ሃገሩ ባዶ ኣቕርዩ ኣብዚ በዓል ናፅነት ዝበሎ መዓልቲ ኣዝዩ ውሑድ ሽማግለታትን ቖልዓ ሰበይትን ኣብ ዝተኣከበሉ ስታድዩም ትርጉም ኣልቦ መደረ ገይሩ ኣሎ። ኣብ ዝተወሰነ መደርኡ ነቲ ናፅነት ዘይረኸበ ህዝቢ “ናፅነትና ምሕያል ኣገዳሲ ‘ዩ” ክብል ናይ ላግፂ ዘረባ ምስ ኣስመዐ ዳርጋ ሙሉእ መደርኡ ብዛዕባ ሃገሩ ዘይኮነስ ብዛዕባ ካልኦት ሃገራት ‘ዩ ነይሩ። እዚ ብብዙሕ ነገራት ዝንቀፍ ሰብኣይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ዘይኮነስ ኣብ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ዘተኮረ ተጠሊዑ መደረ ክገብር እንተሎ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ሕፍረትን ሕንከትን ‘ዩ ነይሩ።
እዚ ሽማግለ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ? ኢልና ዝተወሰነ ንምርኣይ ዝኣክል፤ እዚ ንህዝቡ ፎቖድኡ ስደት ፋሕፋሕ ኣቢሉ ክገዝኣ ዝፀንሐ ሰብኣይ ካብ ሓሶት ተበጊሱ ንኢትዮጵያ ክወቕስ እንተሎ፤ ካብ ቅድሚ ዓመታት ጀሚሩ ዝነበረ ኩነታት ኢትዮጵያ ክሳብ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝምራሕ መንግስቲ ናብ ስልጣን ምምፃእ ተዛሪቡ ‘ዩ፤ ኩሉ ግዜ ብዝኾነ ኣጋጣሚ መደረ እንትገብር ኮነ ቃለ መሕትት እንትገብር ንነበር ህወሓት ‹‹ጃንዳ ወያነ›› ኢሉ ንምፅዋዕ ካብ ኣፉ ፈልይዋ ዘይፈልጥ ኣብዚ መደረ እዚ ግና “ወያነ” ዝብል ወይ ‹‹ጃንዳ ወያነ›› ዝብል ቃል ኣብ ዘረብኡ ኣይተጠቕሰን።
‹‹ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰማንያ ዓመታት ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታትን ደገፍቶም ዋሽንግተንን እንታይ ከም ዘጋጠመ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ንዝሓለፉ ክልተ ወለዶታት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ ህንፀት ዕድል ጠፊኡ ‘ዩ›› ይብል።
እዚ ሰብ እዚ ካብዚ ንላዕሊ ‘ውን ተተዛረበ ዘገርም ኣይኮነን። ውልቀ መላኺን ኣብ ሃገሩ ዝሰርሖ ስራሕ ስለዘየለ ዘቤታዊ ጉዳይ ክዛረብ ስለዘይክል ብዛዕባ ካሊእ ካብዚ ንላዕሊ ክዛረብ ይኽእል ‘ዩ። ከምዚ ክብል እንተሎ ንምንታይ ህዝበይ ፈቆድኡ ስደት ይንከራተት ኣሎ? ንምንታይ ሃገረይ ናይ መወዳእታ ድኻ ሃገር ኮይና ኢሉ ዝሓስብ ኣይኮነን። ከምዚ ኢሉ ዝሓትት ዜጋ ‘ውን የለን። ምኽንያቱ ኣብ ኤትርትራ ምሕታት ይኹን ሓሳብ ምሃብ ኣይፍቐድን። ኣብ ርእሲ ህዝቡ እናቖመረ ዝርከብ ሽማግለ ሰባኣይ ንኻልኦት ሃገራት ክነቕፍ ሞራል ካበይ ኣምፀኦ ኢልካ ክትሓስብ እንተለኻ ትግረም።
ካሊእ ዝገርመካ ድማ ብወገን ትግራይ ‘ዩ፤ ኢሊታት ተጋሩን ካብ ነበር ኣመራርሓ ህወሓት ምስ እዚ ሰብ እዚ ምሕዝነት ንምፍጣር ይፍትኑ ከምዘለዉ ብማሕበራዊ ሚድያታት ንርኢን ንሰምዕን ኣለና። እዚ ፍፁም ጌጋ ‘ዩ፤ እዚ ሰብ እዚ ካብ ቀደም ጀምሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ግፍዕታት ዝእናፈፀመ ዝመፅአን ዝነበረን ውልቀመላኺ ሰብ ‘ዩ፤ ስምምዓት ሰላም ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ንህዝቢ ትግራይ ከይወዳእኹ ‹‹በዚ ስምምዕነት እዚ ተኾሊፈ›› ዝበለ ሰብ ‘ዩ። በዚ ኣቢሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ከምዝኣተወ ‘ውን ዝፍለጥ ‘ዩ። ንደሓር ምልስ ኢልና እንተሪኢና ‘ውን ብ1977 ዓ.ም ረዳእታ እኽሊ ብኤርትራ ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ዝኸልከለ ተንከሲስ ሰብ ‘ዩ። እዚ ሰብ እዚ ንወዲሰብ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ዘይሓስብ ሰይጣናዊ ባህሪ ዝተላበሰ ሰብ ‘ዩ።
እዚ ከምእዚ እናሃለወ ልዕል ኢለ ከምዝገለፅክዎ፣ ውሑዳት ኢሊታት ተጋሩ ግና ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጉምብሕ ጥልዕ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ፍፁም ስሕተት ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ትግራይን ሃገርን ዘይጠቕም ስለዝኾ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ኣብ 1977 ዓ.ም ምግቢ ኣየሐልፍን ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ክውዳእ ዝፈረደ፤ ትማሊ ኩሉ ካብ ሸውዓተ ዓመት ዘሎ ጀሚሩ ክቕተል ኣለዎ ኢሉ ዘፅነተካ፤ ደቒ ኣንስትዮ ብዘስካሕኽሕ ዝደፈረ ሕዚ ምስ እዚ ሰብ እዚ ምሕዝነት ምምስራት ማለት ናይ ዕብዳብ ዕብዳን ‘ዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ነበር ህወሓት ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ኣብ ክንዲ ምቕዳም ንስልጣኑ ክብል ምስ እዚ ሰብ እዚ ምሕዝነት ክፈጥር ‘የ ማለት ዘዋፅእ ኣይኮነን። ባህሪ ናይዚ ሰብ እዚ ብግቡእ ዘይምፍላጥ ‘ውን ‘ዩ። ኣመራሓ ነበር ህወሓት ዝሓዞ ግትር ቅዋም ምስ ኢሳያስ ብምዃን ትግራይ ካብ ስግኣት ሓደጋ ከይትወፅእ እናገበራ ‘ዩ ዘሎ።
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዕላማኡ ፀገማት ብሕገ- መንግስታዊ ዓውዲ ክፍትሑ ምግባር ይኹን ‘ምበር፤ ካብ ስሕተቶም ዘይመሃሩ ሒደት ነበር ህወሓትን ንስልጣን ክብሉ ናብ ጎንፂ ንምእታው ድሌት ከምዘለዎም ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ነበር ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናይ ሕዚ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም ኔሮም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ቅድሚ ሕዚ ዝተፈጠረ ጎንፂ ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ከምዘኽፈሎን ህዝቢ ትግራይ ተመሳሳሊ ነገር ከየጋጥሞ ናይዞም ሓይሊታት እኩይ ድሌት ክፈልጥ እናቃላዕና ንርከብ፤ እዚ ሓይሊ ስልጣነይ እንተዘይተረጋጊፁ ኩሉ ነገር ገደል ይእቶ ዝብል ኮይኑ ዕላምኡ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ከምዝኾነ ገሊፆም ምንባሮም ዝዝከር ‘ዩ።
እዚ ሰብ እዚ ቕድሚ ሕዚ ዝፈፀሞ ግፍዒ ከይኣክል ሕዚ ‘ውን ንሓደ ሓደ ተጋሩ እናታለለ ንትግራይ ዓውደ ኩናት ክገብራ ይፅዕር ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክልል ትግራይ ዳግም ዓውደ ኩናት ከይትኸውን ህዝቢ ትግራይ ነዞም ናብ ጎንፂ ንምእታው ዝፅዕሩ ዘለዉ ሒደት ኢሊታት ተጋሩና ነበር መሪሕነት ህወሓትን ይኣኽለኩም ክብሎም ይግባእ። ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምፍራሙ ንትግራይ ዘድሕን ብምዃኑ ምስ ዝተጣዕሱ ሰባትን ሓይልታትን መሊስካ ምሕዝነት ምፍጣር ማለት ዕሽነት ‘ ዩ።
ካሊእ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዓለምለኸ ኣጀንዳ ብምግባራ ሕጉስ ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ዝዝረበሉ ሽማግለ ኢሳያስ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ለውጢ ብተደጋጋሚ ዝነኣዶ ሰብ ሕዚ በፂሑ ተገልቢጡ ክነቅፍ ተሰሚዑ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ሓደ ምኽንያት ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ገይራ ብምልዓል ኮይኑ ብተደጋጋሚ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ልምዓት ድሌት የብሎምን ዝብሃሉ ሓይልታት ክማኻኸርን ክስማዕማዕን ‘ዩ ዝረኣይ።
ካሊእ ካብ ነቐፌታቱ ‹‹ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ከስዕቦ ዝፀንሐ ፀገም ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝመፀ ለውጢ ኣብ ኩሉ ሰብ ናይ ተስፋ ስምዒት ፈጢሩ ነይሩ፤ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፤ ኣብ ህዝቢ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት፤ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝቢ ዓለም ክሳብ ክንደይ ተስፋ ከም ዝፈጠረ ናይ ትማሊ ተዝክሮ ‘ዩ›› ይብል። እዚ ብዛዕባ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከቶ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ምበር ነዚ ሰብ እዚ ኣይኮነን። መጀመርታ ናይ በዓሉ ሕገ መንግስቲ ዘይብሉ፤ብውልቀኡ ዝመርሓ ሃገር ሒዙ ከምዚ ክብል እንተሎ ሕፍረት ክስምዖ ነይርዎ።
ንበዓሉ ኣየናይ ህገመንግስቲ ወይ ዕቤት ኣለዎ? ንኤርትራ ን34 ዓመታት ብዘይ መረፃ ዝገዝእ ዘሎ ሰብ ከምዚ ክብል ሞራል የብሉን። መጀመርታ ናይ በዓሉ እልፍ ኣእላፍ ጉድለታት ይሸፍን። እዚ ሰብ ዝመርሓ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ካብ እትፍለ ጀሚራ መረፃ ኣካይዳ ኣይትፈልጥን፣ ሕገመንግስቲ ይኹን ተወከልቲ ህዝቢ የብላን፤ ኢሳያስ ንዝሓለፉ 34 ዓመታት በይኑ ከም ውልቀ ገዛኡ ብዘይ ምንም ህግን ደንብን እናገዝአ ይርከብ። በዚ ድማ ጥራሕ ዝባና ዘትረፋ ሃገር ‘ያ ዘለቶ። መጀመርያ ነዛ ዕርቓና ዝወፀት ሃገሩ ከይሸፈነ እሞ ድማ ንዘይ መወዳድርቱ ክነቕፍ ከትሰምዖ እንተለኻ ቐልጢፉ ካብ ዝመፀልካ ምስላ ዓበይቲ ‹‹ፀንብላልዒስያ መዓኮራ ከይከደነት ምድሪ ከደነት›› ዝብል ‘ዩ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም