ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያዊነትን

ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውነቱ ዘይደራደርን ንሃገሩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ህዝቢ ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላላዩ ዘመናት ፀላእቲ ንኢትዮጵያ ክወርዋ እንትመፁ ሓፁር ኮይኑ ብምክልኻልን መስዋእቲ ብምኽፋልን ዓቒቡ ዘፅነሐ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ኣካላት ነዚ ኮነ ኢልካ ይኹን ብዘይምርዳእ ካብ ኢትዮጵያውነቱ ንምንፃል ወይ ናይ ምግንፃል ስምዒት ከሐድር እናሰርሑ መፂኦም ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን እናሰርሑ ይርከቡ። ህዝቢ ትግራይ እዞም ፖለቲከኛታት ከሰጉምዎ ብዝፀንሑ ናይ ምግንፃል ተረኽ ከይተደናገረ ኣብኢትዮጵያነቱ ዘለዎ ፅኑዕ መርገፂ እናርኣየ መፂኡን ሕዚ ‘ውን የርኢ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያውነት መንፈስ ክርሕቕ ወይ ናይ መግንፃል ስምዒት ከሕድር ይስራሕ ‘ዩ። እዚ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያውነቱ ክንፅሎ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ይኹን ሕዚ ፅኑዕ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ። ኢትዮጵያዊ መንነቱ ዓቂቡ ዝፀንሐን ሕዚ ‘ውን ዓቒቡ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ ‘ምበር ብፖለቲከኛታት ዝታለል ኣይኮነን። ብማንም ፖለቲካዊ ሓይሊ ተታሊሉ ኢትዮጵያውነቱ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ኣይኮነን።

ካብ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅልኢት ብዘለዎም ሓይልታት እቲ ህዝቢ ኢትዮጵያውነቱ ክፀልእን ናይ ምግንፃል ተረኽ ብምትራኽ ብኢትዮጵያዊነቱ ክደናገርን ዘለዎ ፅኑዕ ኢትዮጵያውነት ቅዋም ንምስባር ብዙሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። እንተኾነ ግና እዚ ህዝቢ እዚ ብኢትዮጵያውነቱ ከምዘይዋላለወል ብተግባር ዘርኣየ ህዝቢ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላላዩ እዋናት ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕመቓት ጎንፂ ከጋጥም እንተሎ ህዝቢ ትግራይ ጉልባብ ብምግባር ንህዝቢ ዝሓሰብካ ብምምሳል እቲ ህዝቢ ንሃገሩ ክፀልእ ብዙሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ንኢትዮጵያ ክፀልእ ተባሂሉ ብዝተዘርግሐ ዝተዛብዐ ትረኻታት እቲ ህዝቢ ሕማቕ ስምዒታት ክፈጥር ከምተገብረ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና እቲ ህዝቢ ፀገም ምስ ዝገጥሞ ሃገሩ ዝፀልእ እንተይኮነስ ነቲ ዘጋጥሞ ፀገም ምስ ካልኦት ኣሓት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሓደ ብምዃን ንምፍታሕ ‘ዩ ዝሰርሕ። ህዝቢ ትግራይ ንሃገሩ ዘይፀልእ ምዃኑ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተዋሃሂዱን ተስማዕሚዑን ይነብር ኣሎ።

ሓደ ሓደ ኣካላት ንውልቃውን ጉጅለኣዊን ፅሊኢቶም ክብሉ ተረኽ ተነፅሎ ብምግዋሕ ከርእዩ ዋላ እንተፈተኑ እቲ ህዝቢ በዚ ዝታለል ከምዘይኮነ ኩሉ ክርደኦ ይግባእ። ምኽንያቱ እዞም ኣካላት እዚኦም ንበዓሎም ‘ምበር ንህዝቢ ከምዘይሓስቡን ከምዘይውክሉን ብዝግባእ ይፈልጥ ‘ዩ።

እዞም ኣካላት እዚኦም ነቲ ህዝቢ ዝፈልጥዎ ኣብ ፀገሞም ‘ምበር እንትርህቦም ዝፈልጥዎን ዘስታውስዎም ኣይኮኑን። ሓዊ እንትፍጠር ጥራሕ ‘ዮም ንዑ ኣጣፍኡና ዝብሉ። ኣብ ጥቕሚ ንበይንቶም ኣብ ፀገም ግና ብሓደ ኢና ይብሉ። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ፈሊጥዎ ዝሓደረ ጉዳይ ‘ዩ፤ በዚ ዝታለል ብዙሕ ኣይህሉን።

ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት ተጋሩ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ረኺቡ ሰሪሑ ናብርኡ ክቕር ኣይደልዩን። ጥራሕ ንውልቃዊ ረብሓኦም ከብሉ ሓዱሽ ጎንፂ ክፈጥሩን ጎንፂ እተጋጥም እውን እቲ ጎንፂ ከይፍታሕን ክናዋሕን ብምግባር ናይ በዓሎም ረብሓ ክሕልዉ ‘ዮም ዝደልዩ።

ሰላም ከይህሉ ብተደጋጋሚ ይፅዕሩ ጎንፂ እንተዝህሉ ‘ውን እቲ ህዝቢ ሃገሩ ፀሊኡ ናይ ምንፃል ስምዒት ክህልዎ ዝገብሩሉ ምኽንያት ስለምንታይ ‘ዩ እንተይልና ንረብሐኦም ክብሉ ጥራሕ ‘ምበር ንዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ብምሕሳብ ኣይኮነን።

ህዝቢ ትግራይ ብናይ ምግንፃል ትረኻታት ብዘለዓዕሉ ኣካላት ተደናጊሩ ኣብ ሃገሩ ናይ ምፅላእ ስሚዒት ክሓድሮ ምግባር ኣግባብነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ብኢትዮጵያውነቱ ብምፅናዕ ዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ልምዓትን ምርግጋፅ ‘ዩ ዝደሊ። ናይ እማን ንህዝቢ ዝሓስቡ እንተኾይኖም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ‘ዮም ክሰርሑ ዝግባእ።

ስለዚ እዞም ፖለቲከኛታት እዚኦም ቕድሚ ሕዚ ብዝተፈጥረ ጎንፂ ዝተፈጠሩ ሕማቕ ስምዒታት ‘ውን እንተልዮም ብምፍታሕ ሓባራዊ ረብሓን ሓድነትን ንምጥንኻር እዮም ክሰርሑ ዘለዎም ‘ምበር ናይ ምንፃል ትርኽቲ ክነዝሑ የብሎምን።

ንምስኻዕ ናይ ሓባር ትርኽቲ ምህናፅ የድሊ፤ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያን ወላ እንተተፈትሐ ነዚ ሰላም እዚ ከጠናኽሩ ዘይደልዩ ኣካላት ኣለዉ። ሰላም ብምርካቡ፤ ምጥፋእ ህይወት ጠጠው ብምባሉ ዘሕጉስ እምበር ዘጣዕስ ጉዳይ የብሉን። ኮይኑ ግና ነዚ ሰላም እዚ ኣብክንዲ ንምጥንኻር ምስራሕ ሐዚ’ውን ጎንፂ ክፍጠር ድሌት ከምዘለዎም ንዕዘብ ኣለና።

መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል ኣብ ምትግባር ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓት ናብ ንቡር መሊሱ ‘ዩ። ተመዛበልቲ ምምላስ ‘ውን ዝተወሰነ ክያዶ ተኸይዱ ‘ዩ። ኣብዚን ኣብ ካልኦት ዘይተፈፀሙ ስራሕቲን ንኽፍፀሙ ምትሕብባር የድሊ። ንህዝቢ ዝሓስብ ፖለቲካዊ ሓይሊ የድሊ፤ ቕድሚ ኩሉ ካብ ውልቐን ጉጅለን ረብሓ ወፂእና ንህዝቢ ክንሓስብ ይግባእ። ፀገም ህዝቢ ንምቕራፍ ብምስራሕን ንህዝቢ ብምቑርቋርን ኩሉ ይጥቐም ‘ምበር ዝጉዳእ ኣካል የለን።

ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ንውልቀ ረብሓኦም ብዝሓስቡ ፖለቲካዊ ሓይለታት ከይተታለለ ከም ትማሊኡ ኢትዮጵያውነት መንፈሱ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ። እቲ ፖለቲካዊ ኢሊት ‘ውን እንተኾነ ሓበራዊነት ኣብ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ክሰርሕ ይግባእ። ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብምትግባር ህዝቢ ረብሕኡ ክረጋገፅሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ክፍጠር ምስራሕ የድሊ።

ብዘጋጠመ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያውነቱ ንኽፀልእ እንተይኮነ ክስራሕ ዘለዎ ኢትዮጵያውነቱ ኣጣናኺሩ ዝቕፅለሉ ኩነታት ክህሉ ‘ዩ፡፡ድሌት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያውነት ዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ልምዓትን ምርግጋፅ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ሓቢሩ ረብሕኡ ንምሕላውን ጎንፂ ከይፍጠር ምስ መንግስቲን ካልኦት ደለይቲ ሰላምን ሓቢሩ ብምስራሕ ኢትዮጵያውነቱ ኣጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You