
ካብ ውለቀ ሰባት ጀሚሮም ክሳብ ትካላት ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣብ ዝህብዎ መጠንቀቅታ ሓዘል ሓሳባት ከም እንርድኦ ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ጎንፂ ከምርሑ ዘኽእሉ ጭቡጣት ምልክታት ይርኣዩ ከምዘለው ‘ዩ።
በሰንኪ እቲ ኣብ ቀረባ ዝሓለፈ ኲናት ዝሓደጎ በሰላታትን ዝተፈላለዩ ሳዕቤናትን መሊኡ ኣብ ዘይተሓከመሉን ኣብ ዘይሓወየሉን እዋን ዝስማዕ ዘሎ ሕማቅ ሓበሬታ ብምዃኑ ንዋና እቲ ግዳይ ንዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጥሮ ሻቕሎት ንምግማት ዝኸብድ ኣይኮነን።
ኵናት ኣብ ልዕሊ ሰብን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ንብረትን እንታይ ዓይነት ብርሰት ከብፅሕ ከም ዝኽእልን ኩሉ ሰብ ዝፍልጦ እንተኾነ ‘ውን ብፍላይ ነቲ ኣብ ዝተፈላላየ ናይ ርሕቀት ዘበናት ኩናትን ሳዕቤኑን ዝረኣየን ግዳይ ዝኾነን ህዝቢ ትግራይ ግና ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ባዕሉ ብዝግባእ ስለዝፈልጦ ስለዝኾነ ምንጋር ‘ውን ዘድልዮ ኣይኮነን። ካብ ኵናት ኪሳራታት ‘ምበር ካብ ካሊእ ህዝቢ ዝሓለፈ ትርፊ ዘረኸበሉ ኩነታት ከምዘየሎ ‘ውን ካብ ሕሉፍ ተሞክርኡ ዝፈልጦ ሓቂ ‘ዩ።
ኣፈላላያት ኣብ ክንዲ ብዘተ ብሓይሊ ንምሽናፍ ዝግበር ጎንፂ ንህዝቢን ዓዲን ዝረብሕ ዘላቒ መፍትሒ ኣምፂኡ ኣይፈልጥን። ብፍላይ እቲ ጎንፂ ወይ ኵናት ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ክኸውን ከሎ ድማ ካብ ዝጠፍኦ ሂወት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ብተወሳኺ ዘይርሳዕ በሰላ ዝገድፍን ኣብ ሓፂር እዋን መፍትሒ ንምምፃእ ዝኸብድን ብጣዕሚ ሓደገኛ ተርእዮ ‘ዩ ዝኸውን።
እዚ መሪሕነት ትግራይ ብዝፈጠሮ ዝተኣከበ ሕመቅ “ንሕናን ንስኹምን” ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ንክፍጠር ብዝገበርዎ ፃዕሪ ከምድልቶም ንረብሓ ውልቆምን ጉጅልኦምን ዘውዕልዎ ናይ ጥፍኣት ሰራዊት ተኸተልቲ ተፈጢሮም ኣለው። ብፍላይ ካብ ክልቲኡ ጫፍ ዝወራወሩ ዘለው ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ዛዕባታት ብጣዕሚ መሰከፍን ከም ህዝቢ መፃኢኡ ዘፀልምትን ናብ ውድቀትን ድሕረትን ዘጥሕልን ‘ዩ።
ብሰንኪ ኣብ መሪሕነት ትግራይ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ትግራይ ካብ ዝበፅሓ ጉድኣት ከይሓወየት፣ ክትረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ኣይትረክብን ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብናህሪ ዕዳጋ ምፅጋሙ ካሊእ ፖለቲካዊ ትኩሳት ተፈጢርዎ ሰማይ ደጊፉ ይርከብ።
ብፍላይ መሪሕነት ነበር ህወሓት ምስ ዝነበሮ ዕቁርን ውህሉልን ሕመቅ ምክፍፋል መሪሕነት ተወሲኽዎ ኣብ ክልተ ዋልታ ተንጠልጢሉ ዝገብሮ ዘሎ ምትፍናን ኣይኮነን ንህዝቢ ትግራይ ንዓርሱ ነቲ መሪሕነት ዝኸፍአ ሓደጋ ዘስዕብ ምዃኑ ተረዲኡ ንውሽጡ ምርኣይ ክጅምር ከምዝግባእ ዝምዕዱ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣብዝሓ ግዘ ጎንፂ ይኹን ኵናት እንትግበር ብድሕሪት ኮይኖም ብዝኩብኩብዎ መራሕቲ ፖለቲካ እንተኾነ ‘ውን ብዘይካ ድጋፍ ህዝቢ ግና ዝኾነ ይኹን ኣካል ብሓይሊ ዝግበር ጎንፂ ከካይድ ዓቕሚ ኣይህልዎን ‘ዩ። ስለዚ ተጓነፅቲ ኣብ ጎኖም ደው ኢሉ ኣየኹም ናይና ዝብሎም ደጋፊ እንተዘይረኺቦምን ኵናት ይኾኖ እንተኢልዎምን ጎንፂ ፈጢሮም ኵናት ዝገብሩሉ ሞራልን ዓቕሚን ኣይህልዎምን ‘ዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ትግራይ ናብዚ ኣዐርዩ ዘሻቕልን ዘይትሽከሞን ሓደጋ ኣብ ተምረሐሉ እዋን ፖለቲካዊ ሓይሊታት፣ መንእሰይ ትግራይ፣ ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ናይ ሃይማኖት ትካላት ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ንህልውና ዓዱ፣ ንናይ ባዕሉን ቤተሰቡን ህልውና ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነታት ጠጠው ንምባል ድምፁ ዓው ኣቢሉ ሰላማዊ ተቓውሞ ብምስማዕ ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ንክመፅኡ ፅልዋ ከሕድር ከምዝግባእ ብዝተፈላላዩ ወገናት ፃውዒት እናተገበረ ይርከባ።
ብተመሳሳሊ ፖለቲከኛታት ብዝፈጠርዎ ፀገም ቀንዲ ዋኒን ትግራይ ክርሳዕ ዝገበረ ‘ዩ። ፀገም ትግራይ ብሓይሊ ከምዘይፍታሕ ብኹሉ ኣንፈት ዘሎ ኣካል ክርዳእ ይግባእ፣ ሰዓርን ተሰዓርን ኣካይዳ ንትግራይ ዘጥፍእ ምዃኑ ብምግላፅ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ነዚ ፀገም ኣብ ምእላይ ግቡአን ክፍፅማ ይግባእ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ውሑስ ሰላም ከይህሉ ዝገብሩ ፀገማት ንምፍታሕ ዓሊሙ ኣብ ዝካየዱ ዘለው ዝተፈላለዩ መደረኻት ፤ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ባዕሉ ንባዕሉ ጎንፂ ዝፈጥረሉ ኹነታት ከይፍጠር ክስራሕ ከምዘለዎን ሕዚ ዘሎ ሓደጋ ትግራይ ክስገር ዝኽኣል ሰለማዊ ኣካይዳ፣ ሓድነትን ምርድዳእን እንትህሉ ጥራሕ ምዃኑን እዚ ፖለቲካዊ ምጥልላፍ ዝወለዶ ፀገም ኣብ ምእላይ ግደ ህዝብን ትካላት ሃይማኖት ዕዙዝ ክኸውን ከምዝግባእን ‘ውን እናተሓበረ ‘ዩ ዘሎ።
ኣብ ትግራይ ሓድነት ካብ ዝሽርሽሩ ምትፍናንን ምንዕዓቕን ፖለቲከኛታት፣ ከም ባህሊ ይሰርፁ ስለዘለው ህዝቢ ንዚ ድኽመት ኣሪሙን ኣስተኻኺሉን ኣብ ምዕሳል ሰላም ግቡኡ ክዋፃእ ግድን ይኸውን።
ብሓፈሻ ሰላማዊ ድምፂ ህዝቢ ልዕሊ ብረት ዝሓየለ ጉልበት፣ ዘላቒ ሰላምን ዲሞክራሲን ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ተራእዩ ‘ዩ። ስለዚ መሪሕነት ትግራይ ከምዝቖሰለ ዝብኢ ዓርሱ ካብ ምብላዕ ወፂኡ ዓርሱ ይኹን ህዝቡ ዘድሕነሉ መንገዲ እንተዝፈጥር ይምከር።
ከምኡ ‘ውን መበገሲ ኩሉ ፀገም ዝኾነ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ንክሓዊ ኩሉ ፈታዊ ሰላም ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ ኣውንታዊ ፅዕንትኡ ኣብ ምዕራፍን እጃሙ ኣብ ምውፃእን ንፅባሕ ዝብሃል ስራሕ ስለዘይኮነ ኩናት ይኾኖ ብምባል ንሰላም ግቡእ ክዋፃእ ይግባእ።
ኣብ ትግራይ ተፈጢሮ ዘሎ ናብ ጎንፂ ከምርሕ ዝኽእል ፖለቲካዊ ኹነታት መፍትሒኡ ዘተን ሰላምን’ዩ፡፡ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ካብዚ ፀበባ ክወፅአሉ ዝኽእሉ ዋናን ሓደን መፍትሒ ዘተን ምኽክርን ‘ዩ፡፡ ካብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ምውሳድ ፅቡቕ ይኸውን፡፡
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም