ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሃፍቲ ብኣግባቡ ብምጥቓም ስደት ምቕራይ

ከምዝፍለጥ ወዲ ሰብ ንኽነብር ምግቢ የድልዮ፤ ምግቢ ንኽረክብ ድማ ክሰርሕ ኣለዎ፤ ክልቲኦም ዝነፃፀሉ ነገራት ኣይኮኑን። ብዙሕ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ስራሕ እንትስእን ስራሕ ንምእላሽ ካብ ከባቢኡ ርሒቑ ናብ ስራሕ ዘለዎ ቦታ ይኸይድ። ኣብ ትግራይ ከም ኣብነት እንተሪእና ብዙሕ ስራሕ ዘይብሉ መንእሰይ ኣሎ።

እዚ መንእሰይ እዚ ስራሕ ንምድላይ ናብ ተፈላላዩ ከባቢታት ወይ ሃገራት እግሩ የምርሕ። መንእሰይ ትግራይ ስራሕ ንምእላሽ ናብ ስደት ምምራሕ ንቡር ገይርዎ ይርከብ። እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ ከባቢኡ ስራሕ ስለ ዝሰኣነ ‘ዩ። ስደት ክቐሪ ዝኽእል ግና ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምፍታሽ ስራሕ ምፍጣር ‘ዩ።

ስራሕ ምፍጣር ናይ ሓደ ኣካል ወይ መንግስቲ ጥራሕ ገይርካ ምውሳድ ግና ትኽክል ኣይኮነን። ምፍጣር ዕድል ስራሕ ናይ ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲድካ ምስራሕ ‘ዩ። ሓደ ሰብ ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኣይኽእል ማለት ኣይኮነን። ክፈጥር ይኽእል ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዙሓት ኣካላት ብዝተናበበን ዝተዋደደን እንትሰርሑ ዝበለፀ ይኸውን።

ምኽንያቱ ምትሕግጋዝ ስለ ዘሎ። ክልል ትግራይ ምዑብል ምሕደራ እንተረኺባ መንእሰይ ወለዶ ከይተሰደደ ኣብ ክልሉ ሰሪሑ ክነብር ይኽእል ‘ዩ። ብዙሕ መንእሰይ ስራሕ ስኢኑ ዝስደደሉ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘሎ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብኣግባቡ ካብ ዘይ ምምሕዳር ዝብገስ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ክልል ትግራይ ዘይነዓቕ ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ካብ ዘለዎን ክልልላት ኢትዮጵያ ሓንቲ ‘ያ። ብፍላይ ብመኣድን ወርቂ እትፍለጥ ክልል ‘ያ። ኮይኑ ግና ሰፊሕ ተፈጥሮ ሃፍቲ እናሃለወ ናይ ምምሕዳር ወይ ጉድለት ውሕሉል ዓጣቓቅማ ኣሎ። እታ ክልል ከም ወርቂ፣ ክባር መኣድናት፣ ንስራሕቲ ኢንዱስትሪን ህንፀትን ዝውዕሉ ማዕድናት ብስፍሓት ይርከብዋ።

በርግፅ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እቲ ዘጋጠመ ኲናት ኣብ ዘፈር ልምዓት መኣድን ዘስዓቦ ኣሉታዊ ፅልዋ ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ከምዚ እናሃለወ ድሕሪ ኲናት፣ ልምዓት መኣድን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ። ይኹን እምበር ነቲ ዓውዲ ንምምዕባል ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብሰንኪ ዘይሕጋውነት ኣካይዳ እናተፈተነ ይርከብ።

ብዘይ ፍቓድ ኣብ ስራሕቲ ምውፃእ መኣድንን ምሻጥን ዝተዋፈሩ ዘይሕጋውያን ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ካብቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣሎ። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብቲ ክልል ዓቢዪ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጠራን ኣስተዋፅኦ ክገብር እናኸኣለ እዚ ብኣግባቡ ብዘይ ምጥቓም ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ዜጋታት ስራሕ ስኢኖም ባሕሪ ብምቑራፅ ናብ ስደት እናምርሑ ይርከቡ።

ብፍላይ መኣድን ወርቒ ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ከምዝኽእልን ዝእመን ዝነበረ ሕዚ ብዘይ ሕጋዊያን ኣካላት እናተበዝበዘ ይርከብ። እቲ ክልል ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ንምቑፅፃር እናሰራሕኹ እየ ዋላ ይበል ኮይኑ ግና ማዕድናት ካብ ዘይሕጋዊ ብዝበዛ ተኸላኺሉ እቲ መንእሰይ ዝጥቀመሉ ኩነታት ኣይተፈጥረን። ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ብርክት ዝበለ መኣድን ወርቒ ከምዘሎ ‘ዩ ዝፍለጥ።

ብዙሓት ወረዳታት ልዑል ዕቑር ወርቂ ከምዘለወን ይዝረብ ‘ዩ። ብዙሓት ስራሕ ዕድል ክፈጥሩ ዝኽሉ ሃፍቲ ተፈጥሮ እናሃለዉ ሰኣን ምዑሩይ ምምሕዳር ዝተወሰኑ ጥራሕ ዝጥቐምሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ብፍላይ ድማ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ኣዝዩ ዘይሕጋውነት ኣጣቓቕማ ሰፊኑ ይርከብ። በርግፅ እቲ ክልል ሕጋዊ መልክዕ ንምትሓዝን እናፈተነ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ‘ዚ ‘ዩ ዝበሃል ውፅኢት እናተረኣየ ኣይኮነን።

ኣብዚ ሴክተር እዚን ካልኦትን ቖላሕታ ሂብካ ብዘይ ምስርሑ ‘ዩ ብዙሕ መንእሰይ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ። ዓቅሚ ብዝፈቐዶ ምስራሕ የድሊ። እዚ እናሃለወ ናብ ስደት ዘምርሕ መንእሰይ ክህሉ የብሉን። ተፈጥሮ ሃፍቲ ብዝግባእ ምጥቓም የድሊ። ኮይኑ ግና እቲ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ክልወጥ ኣይተገብረን። ናብ ስደት ካብ ምኻድ ሓሊፉ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ህይወቱ ክመርሕ ክግበር ኣለዎ። ናይ ግንዛበ ስልጠና ክወሃብ አለዎ። ብዙሕ ሃፍተ ገነት እናሃለወ መንእሰይ ናብ ስደት ብምምራሕ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ የብሉን።

ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላትን ተናቢቦም ብምስራሕ እቲ መንእሰይ ወይ እቲ ክልል ብዝግባእ ክጥቐመሉ ዝኽእል ኩነታት ክስራሕ ኣለዎ። ብፍላይ ህዝቢ እተን ወረዳታትን ዞባታትን ብፍሉይ ተጠቓሚ ክኾና ኣለዎን። ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ ኣፍረይቲ ወርቂን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ኣጣቓቅማ እቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምርድዳእ ክገብሩ ኣለዎም።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወርቂ ዝርከበሉ ከባቢታት ምስ ዝርከቡ ኣፍረይቲ ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝፈሪን ዝሽየጥን ዘሎ ምህርቲ ወርቂ ከመይ ጌርና ናብ ሕጋዊ ምህርቲ ከነብፅሖ ከምዘለና ‘ውን ሰፋሕቲ ዘተ የድሊ። ምኽንያቱ እዞምኣካላት እዚኦም ብዘይ ሕጋዊ ካብ ምንቕስቃስ ናብ ሕጋዊ ኣሳራርሓ ክኣትዉ ብምግባር እቲ ክልል ዝጥቐመሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። እንተነኣሰ ናብ መንግስቲ ብምሻጥ ካብዚ ዝርከብ እቶት ድማ ነቲ ክልል ብዝጠቕም መሰረት ክስረሐሉ ኣለዎ። ተሓጓስ ውሑዳትን ዘይሕጋወያን ነጋዶ ክኸውን የብሉን።

ብሓፈሻ ዘለዉ ፀገማትን ክፍተታትን ብምድፋን እቲ ክልል ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ዝድገፈሉ ኩነታት ብምፍጣር እቲ ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ዝጥቐመሉ ኩነታት ምፍጣር የድሊ። ኣብ ዘፈር መኣድን ብዝግባእ እንተተሰሪሕሉን ዘመናዊ ኣካይዳ እንተተዘርጊሕሉን ኣብ ምቕናስ ስራሕ ስእነት ዝህልዎ ግደ ቐሊል ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሕ መንእሰይ ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ኣዝዩ እናተፈተነ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ዋላ ሙሉእ ንሙሉእ ንምፍታሕ ዓቕሚ ኣይሃሉ ብስርዓት እንተተመሪሑ ግና ብዙሕ ውፅኢት ክርከብ ይኽእል ‘ዩ። ቑፅሩ ዘይነዓቅ መንእሰይ ኣብቲ ዓውዲ ተሰማርዩ ብምስራሕ ካብ ስደት ክድሕን ይኽእል ‘ዩ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 22 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You