ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ተግባር ውፅኢታዊ ክኸውን ኩሉ ተርኡ ይዋፃእ!

ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ሃገርና ኣብ ዘለዉ ኣገደስቲ ጉዳያት ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዕላማ ገይሩ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ታሪኽ ዝተፈጠሩ ዘይምርድዳእ ዕልባት ንምሃብ ብዙሕ ፃዕርታት እናካየደ ይርከብ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብሰላማዊ ኣማራፂ ጥራይ ሃገሮም ከሳጋግሩ ፃውዒት ኣብ ምቕራብ ይርከብ። ኣብ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ፃኒሕቱ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ልምድታት ካብ ምቕማር ብተወሳኺ ክሳብ ናብ ታሕቲ ክፋል ሕብረተሰብ ብምውራድ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሃገራዊ ምኽክር ርድኢት እናፈጠረ ፀኒሑ ‘ዩ።

ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዓሰርተ ክልላት ተሳተፍትን ተሓባበርትን ኣካላት መረፃ ኣካይዱ ‘ዩ። ስልጠና ‘ውን ሂቡ ‘ዩ። እዞም ንጥፈታት እዚኦም ኣብዝተወደአሎም ክልላት ድማ ኣጀንዳ ናይ ምቕራፅን ኣብ ዝተቐረፁ ኣጀንዳታት ምኽክር ናይ ምዝዛምን ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ።

21 ግንቦት 2016 ጀሚሩ ክሳብ 27 ጉንበት2016 ዓ.ም ኣብዘለዉ መዓልትታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ተግባር እናካየደ ይርከብ። ናይ ምኽክር ኣጀንዳታት ምትእኽኻብ፣ ምፍላይን ቐረፃን ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ወሰንቲ ካብዝኾኑ ጉዳያት ‘ዮም። እዚ ከይዲ ድማ ብርክት ዝበሉ ልምድታት ዝቕመርሉ ንሰላምን ዕርቕን ዝተመረፀ ሜላ ትኽክል ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝርአየሉ ‘ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽክር ዘሎ እቶም ኣጀንዳታት ኣቐዲምካ ዝተወሰኑ ዋላ እንተዘይኮኑ መትከላት ግን ተቐሚጦም ‘ዮም። ምኽክር ክካየደሎም ዝቕረፁ ኣጀንዳታት ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ትኹረት ክግበሩ ከምዘለዎም ሃገራዊ ብሄራዊ ምኽክር ኮሙሽን ክገልፅ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ጉባኤ ኣጀንዳታት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ብዝተቐመጠሉ መርህታት መሰረት ክከናወን ተጠቚሙ ‘ዩ።

ኣዲስ ኣበባ ኣንፃራዊ ሰላም ዘለዋን ንብሄራዊ ምኽክር ዝሓሸ መደላድል ዝተፈጠረላን ከተማ ብምዃና ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻቡ ተግባር ዕውት ክኸውን ትፅቢት ይግባር። ኣብታ ከተማ ሓሳብ ኣለኒ ዝብል ተወካሊ ክፋል ሕብረተሰብ ብዘይምንም ፅልዋ ሓሳቡ ዝህበሉ፣ ብምድምማፅ ጉዳያት ዕልባት ዝረኽብሉ ክኾኑ ተባሂሉ ይሕሰብ።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ናብ ካልኦት ክልላት ተመኩሮ ናይ ምስፋሕ ስራሕ ንቐፃሊ ዝትግበር ይኸውን። ንቐፃሊ ኣጀንዳታት እቲ ምኽክር ካብ ሕብረተሰብ ናይ ምቕባልን እቲ ምኽክር ናብ መሬት ናይ ምውራድ ስራሕቲ ክስርሑ ‘ዮም። ብሓፈሻ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ተመኩሮ ኣብ ቐፃሊ ንዝካየድ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ መሰረት ኮይኑ ዘገልግል ‘ዩ።

ብፍላይ ሰላም ኣብዝሰፈነሎም ከባቢታት ካብ ኣዲስኣበባ ልምዲ ብምቕሳም ብዝተኻእለ ፍጥነት ናብ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክኣትዉ ይግባእ። ናይ ፀጥታ ፀገም ዘለዎም ከባቢታት ድማ ብዝተኸኣለ መጠን መንግስቲ ጣልቃ ብምእታው ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ክፋል ሕብረተሰብ ከምኡ ‘ውን ነቲ ፀገም ከንፈትሕ ኢና ኢሎም ዝተለዓሉ ሓይልታት ፀገሞም ብዘተ ንምፍታሕ ክፍትኑ ኣለዎም።

ኢትዮጵያ ዘድልያ ግጭት፣ ኩናትን ምውንጃልን እንተይኮነስ ዘተን ምኽክርን ‘ዩ። ስለዚ ከም ሃገር ፀገማት ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ካብ ምምዕባል ወፃኢ ድሌትካ ብሓይሊ ምፅዓን ግዜ ዝሓለፎ ተግባር ‘ዩ።

ምኽክር ኣብ ዝካየደሎም ኣጀንዳታት ብምምኽኻር ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ ኣገዳሲ ‘ዩ። በዚ መሰረት ኮሙሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብሕጊ ዝተዋሃቦ ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ኣጀንዳታት ኣብቲ ከይቲ ተሳተፍቲ፣ ካብ ዝተፈላላዩ መፅናፅትታት፣ ውልቐ ሰባት ወይ ትካላት ካብዝህብዎም ናይ ኣጀንዳ ሓሳባት ብምትእኽኻብ ናይ ምፍላይ፣ ናይ ምቕራፅ፣ ከምኡ ‘ውን ቕደም ተኸተል ክሕዙ ብምግባር ምኽክር ክግበረሎም ይገብር።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ነባራዊ ኩነታት እቲ ኮሚሽን ምኽክር ኣብ ብዙሓት ብድሆታት ኮይኑ ውፅኢታዊ እናኾነ ‘ዩ። ኣብ ከይዲ ‘ውን ወሰንቲ ኣብ ዝበሃሉ ኣጀንዳታት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ንምስራሕ ምድላዉ ዛዚሙ ‘ዩ። ስለዚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ ዘሎ ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ውፅኢታውን ዝበለፀ ተመኩሮን ኮይኑ ናብ ካልኦት ክልላት ክሰጋገር ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቶም ብዝግባእ ክዋፅኡ ይግባእ።

ወጋሕታ 22 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You