ህዝባዊ በዓላትና- ንሓድነት ህዝቢታትን ዕቤት ቱሪዝምን

ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶ ዘለዎም ህዝባዊ በዓላት ዘለዋ ምዃና ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተፈላላዩ ክፋላት ሃገርና ብርክት ዝበሉ ኣብ ኣዳባባይ ዝኽበሩ ህዝባዊ በዓላት ኣለዉ፡፡ ካብቶም ህዝባዊ በዓላት እቲ ሓደ ብፍላይ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ኣብ ወርሒ 17 መስከረም ብድምቀት ዝኽበር በዓል መስቀል ‘ዩ፡፡ መስቀል ብዩኒስኮ ዘይድህሰስ ቅርሲ ዓለም ኮይኑ ዝተመዝገበ ‘ዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ በዓል መስቀል ቐፂልና ኣብ ከባቢ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ብብሄር ኦሮም ዝኽበር ዓብዪ በዓል ኢሬቻ ንረክብ፡፡ እዚ በዓል እዚ ንፈጣሪ ምስግና ንምቕራብ፣ ብስፍሓትን ድምቀትን ኣብ ኣዳባባይ ዝኽበር ዓብዪ በዓል ‘ዩ፡፡ እዚ ብርክት ንዝበሉ ናይ ውሽጥን ደገን ጎብነይቲ ዝስሕብ ኮይኑ ዓብዪ ፍልፍል ቱሪዝም ‘ዩ፡፡

እዞም ኣብ ኣደባባይ ዝበዓሉ ዓበይቲ መንፈሳዊን ባህላዊን ትሕዝቶ ዘለዎም በዓላት መሰረት ሓድነት ኢትዮጵያውያን ‘ዮም፡፡ መሰረት ሓድነት ካብ ምዃን ሓሊፎም ‘ውን መስሕብ ቱሪዝም ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎም፡፡ እሴታቶም ናይ ደገ ቱሪስትታት ቐልቢ ብምስሓብ ንብዙሕ ዓመታት ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ኮይኑ ግን ኢትዮጵያ ብልክዕ ዘለዋ ዓሚቕ ፍልፍል ቱሪዝም ኣብ መሰረተ ልምዓት እቲ ዘፈር ብዝግባእ ብዘይምስርሓ ካብኡ ክርከብ ዝግበኦ ረብሓ ከይረኸበት ፀኒሓ ‘ያ፡፡

እዞም እሴታት እዚኦም ዋላ ንብዙሕ ዓመታት ትኹረት ተዋሂብዎም ኣብ ጥቕሚ ከይወዓሉ ይፅንሑ ድሕሪ ለውጢ ግና ሃፍቲ ቱሪዝም ዝኾኑ እሴታት፣ መንግስቲ ትኹረት ብምሃብ ብዙሓት መባፅሕቲ ቱሪስትታት ኣልሚዑን እናልመዐን ይርከብ፡፡ ንዘፈር ቱሪዝም ዓብዪ ትኹረት ብምሃብ መባፅሕቲ ቱሪስትታ ኣብ ምልማዕ፣ ናይ መስሕብ ቱሪስትታት ብምፍላጥን ብዙሓት ሓደሽቲ መባፅሕቲ ቱሪስትታት ከም ሎጃት ዝመሳሰሉ ኣልሚዑ ‘ዩ፡፡ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ተወሰኽቲ እናልመዐን ይርከብ፡፡

መንግስቲ ነዚ ትኹረት ዝገበረሉ ምኽንያት እቲ ዘፈር ኣብ ምዕባይ ቑጠባ እታ ሃገር ዘለዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ብምርዳእ ‘ዩ፡፡ ቱሪዝም ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምዕባይ ሓለፉ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘለዎ ግደ ‘ውን ቀሊል ከምዘይኮነ ይርዳእ፡፡ ብምዃኑ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ናይ ቱሪስት ቦታታት ብምልማዕን ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ምዝማን ብኡ ኣቢሉ ድማ እታ ሃገር ካብቲ ዘፈር ተረባሒት ንምግባር ኣብ ሓፈሻዊ ዘፈር ቱሪዝም ኢኮኖሚያዊ ኣስተዋፅኦ ክገብር ዘኽእል ኣካውንት ሳተላይት ቱሪዝም (TSA) ዝተባህለ ሳይንሳዊ ሲስተም ብምጥቓም ‘ውን እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ወናኒት ብርክት ዝበሉ ታሪካዊ፣ ተፈጥራዊን ሃይማኖታዊን ቅርስታት ዋላ እንተኾነት ክሳብ ሕዚ ካብቲ ዘፈር ክርከብ ዝግበኦ እቶት እናተረኽበት ከምዘይኮነት መንግስቲ ነዚ ተገንዚቡ ዘፈር ቱሪዝም ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዝህልዎ ኣስተዋፀኦ ንምምሕያሽ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑን እናሰርሐን ይርከብ፡፡

ነቲ ዘፈር ንምንቕቓሕ ከም ፕሮጀክትታት ‹‹ገበታ ንሸገር››፣ “ገበታ ንሃገርን ንትውልድን ዝበሉ ፕሮጀክትታት ለሚዖምን እናለምዑን ይርከቡ፡፡ ስለዚ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ምልማዕ ቦታታት ቱሪዝም ውፅኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑን እናተሰርሐን ዝርከብ ኮይኑ መንግስቲ ኣብ ምልማዕ ዘፈር ቱሪዝም ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ዘፈር ተጠቓሚት ክትኸውን ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ እዞም ናይ ኣደባባይ በዓላት ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ጠንካራ ምትእስሳርን ሓድነት ብምፍጣር ርኡይ ረብሓ ካብ ምብርካት ሓሊፎም ፍልፍል እቶት ቱሪዝም ኣብ ምዃን ልዑል ግደ ስለዘዎም ብኣግባቡ ከንጥቐመሎምን ከንሕብሖምን ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You